Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ቃል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን &#

ER Democratic Allaince 012 A.jpg

ቃል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ንመኽፈቲ ሻድሻይ ውድባዊ ጉባኤ ስውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ

ዝኸበርኩም መሪሕነትን መስረታትን ስውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ

ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሳናዳኢ ሽማግለ ሻድሻይ ጉባኤ ስውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ

ዝኸበርኩም ተወከልቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ዝኸበርኩም ተወከልቲ ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ

ብቀዳምነት ኣሰናዳኢ ሽማግለ ሻድሻይ ውድባዊ ጉባኤ ስውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ጉባኤ’ዚ ተረኺብና ቃል ክንህብ ንዝግበረልና ዕድመ ብስም ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዕዙዝ ምስጋናና ነቕርብ። ንጉባኤኹም ድማ ዓወትን ኣሳልጦን እናተመነና ንጉዕዞ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዕዮታት ንቅድሚት ዘሰጉም ውሳኔታታት ሒዙ ክወጽእ ተስፋ ንገብር።

ዝኸበርኩም ጉባኤተኛታትን ዕዱማት ኣጋይሽን፡-

ጉባኤኹም ዝካየደሉ ዘሎ ህሞት፡ ኣብ ሃገራዊ መዳይ ምስ ንርኢ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝኾነ ግዜ ይካየድ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን ግፍዓዊ ፖሊስታቱ ኣብ ምቕጻል ይርከብ። ህዝብና ኣብ ሕሉፍ ገድላዊ መድረኻቱ ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ዓሚቕ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ወዲቑ ክንሱ፡ እዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብን ሃገራት ከባቢናን፡ ኣዕናዊ ተርኡ ካብ ምቕጻል ኣይተቖጠበን ዘሎ። ንመላእ ኣፍራይ ሓይሊ ሕ/ሰብ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ንህዝብና ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ነጻ ምርጫታትን ምቹእ ዕድላትን ምፍጣር፡ ብፖሊሲ ዕስክርና እናኸተበ፡ ንጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓታት ህግደፍ እናገልገሉ፡ ኣብ ዘይፍትሓዊ ኲናት ዘባርዖ ክዳጎኑ ይገብር ኣሎ። ተርኽቦ 21 ጥሪ 2013 ናይ ሰራዊት ምንቅስቓስ ናይ’ዚ ጽዑቕ መግለጺ መንጸብረቕታ’ዩ። እዚ ውድዕነት’ዚ ድማ ኣብ ጉዕዞ ነካይዶ ዘለና ደሞክራስያዊ ቃልስና ይኹን ኣብ መጻኢ ዳግማይ ህንጸት ሃገር በሰላታቱ ዕጽፊ ዝገበር’ዩ፡፡ ሳዕቤን ናይዚ ውድዕነት’ዚ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቅርጺ ናይቲ ስርዓትን መሓውራቱን ምልሕላሕ ዝረኣየሉ ኩነታት ይግሃድ ኣሎ። እዚ ኩነታት’ዚ ስቓይ ህዝብና ድርብ ክኸውን ዝገብር ይኹን ደኣንበር፡ ቀጻልነት ናይዚ ስርዓት’ዚ ይነጽግ ምህላዉ የመላክት። ህዝብና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ካብዚ ስርዓት’ዚ ንምንጋፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ተቓውምኡ ኣብ ውሽጢ እናማዕበለ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድልውነቱ እናረጋገጸ ይመጽእ ኣሎ።

ህዝብና ብስንኪ’ቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ሕሰምን መከራን ክስደድ ይግደድ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ መንእስያት ኣብ ምድረ-በዳ ክሞቱ፡ ኣብ ባሕሪ ክሰጥሙ፡ ኣብ ገለ ዶባት ክቅተሉን ክእሰሩን ብኣስገዳድ ንሃገሮም ክምለሱን ዝግደድሉ ኩነታት ብምህላዉ፡ እዚ ተርእዮታት’ዚ ኣብ ቅድሚ ደምበ ተቓውም ክንምክቶ ዝግባእ ካልእ ብድሆ ይኸውን ኣሎ። ስለዚ ነዚ ተርእዮታት’ዚ ንምቕላሕን ንምፍታሕን መላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣገዳሲ ተራ ክጻወቱ ይግባእ። ከምኡ’ውን ኩሎም ዝምልከቶም ግብረ-ስናይ ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሕ/ሰብ ዓለምን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝርከብሉ ሃገራት ውሕሰነት ሂወቶምን ብኣህጉራዊ ቻርተራት ዝሰፈረ መሰላቶም ክወሓስን ሓላፍነታዊ ተርኦም ክጻወቱ ንጽውዕ።

ዝኸበርኩም ጉባኤተኛታትን ዕዱማት ኣጋይሽን፡-

ኣሰናዳኢት ሽማግለ 6ይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ሰደግኤ ንሓያል ጎንታቱን ንምዕቋብን ንድኹማት ጎንታቱን ከስተኻኽልን ነቐፌታዊ ናይ ደገፍ መልእኽትኹም ክተመሓላልፉልና ኢላ ንዝዓደመትና ደጊምና እናመስገና፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ናይ ነቐፌታዊ ደገፍ ሓሳባትና ነቐርብ። ገለ ገለ ካብ’ቶም ድሒሮም ክኽሰቱ ካብ ዝጸንሑ ተርእዮታት ቀንዲ ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ ክንጠቅስ ንፈቱ።

1. ብዙሕነታዊ ኣከናውና ሕብረተሰብና ብሄራውን ሃይማኖታውን ባህላውን...ወዘተ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ኣብ መስርሕ ጸረ- ቶታሊታሪያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝብና ይኹን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ፡ ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣንን ሃብትን  ብፍትሓውን ማዕርነታውን ኣገባብ ምምቕራሕ ሓደ ካብ’ቶም መሰረታውያን ክረጋገጹ ዘለዎም ዕላማታት ተጋድሎና’ዮም።  ኣብ ጭቡጥ ወድዓዊ ኩነታት ናይ ተጋድሎና’ውን ሃይማኖታዊ ብዙሕነት ክኽበር ኩላትና እንሰማማዓሉ ይኹን ደኣምበር፡ ሃይማኖታዊ ብዙሕነት ካብ ፖለቲካዊ መግለጺኡ ወጻኢ  ብምእነት ምሓዝ ጥራሕ ዝጥመት ምስ ዝኸውን ግን መካኒካዊ ብዝሒ ሰባት ዝርኢ ደኣምበር፡ ሰባት ዝሓቑፍዎ ፖለቲካዊ እምነት ኣብ ጸብጻብ ዘየእቱ ስለዝኸውን ተራ ቁጽሪ ናይ ብዝሒ፡ ኣስላም ወይ ክርስትያን ብዝብል ጥራሕ  ዝጠመተ ስለዝኸውን እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ክርአ እንከሎ ሓደግኡ ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይከውንን። ካብ’ዚ ስነ-መጎት ብምብጋስ ከኣ፡ ብዙሕነታዊ ሃይማኖታዊ እምነታት ሃገርና ብማዕረ ዝጥምቱ ሃገራውያን ኣስላም ይኹኑ ክርስትያን ኣብ ክሊ’ዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ስለ ዝስርዑ፡ እዚ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነታት ጥራሕ ተንጠልጢካ ናይ ምጥማት ግንዛቤ’ዚ  ሓደጋ ናይ ሓደ ሸነኽ  ናይ ድሕረት ኮይኑ ብሰንኪ’ዚ  ግንዛቤ’ዚ እውን ጽበት ከም ካልኣይ መልክዕ ናይ ድሕረት ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፡ በዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ጥራሕ ምርኣዮ ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን።

በዚ ግንዛቤ’ዚ እንተደኣ ርኢና ኣስላማይ ኮይኑ ንኣስላም ክውጽዕ ከምዘይኽእል ክርስትያን ኮይኑ ከኣ ንክርስትያን ክውጽዕ ከምዘይኽእል ጌርካ ናይ ምውሳድ ኣንፈት ስለዘምርሕ፡ ንፖለቲካውን ሃይማኖታውን  ክውንነታት ምስ ጭቡጥ ሕጂ ንነብረሉ ዘለና  ወድዓዊ ተሳትፎ  ናይ ህዝብናን ተቓለስቲ ፖለቲካዊ ሓይልታቱን  ኣብ ግምት ብዘእቱ ኣመዛዚኑ ክጥምት በዚ ኣጋጣሚ ሻድሻይ ጉባኤኡ’ዚ ክነዘኻኽር ንፈቱ።

2. ኣብ ሕቶ ቅኑዕ ናይ ሓድነትን ምሕዝነትን መርሆን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን  ብሰደግኤ ዝተሓዙ ዘለው ሓደሽቲ ኣንፈታትን ንእዋናዊ ሕቶታት ሕብረተ-ሰብና “ ህዝብን ሃገንር ካብ ብርሰትን ምብትታታን ንምድሓን” ንጸላኢና ቶታሊታራዊ ስርዓት ህግደፍ ሓቢርካ ንምውጋድን እዋናውያን ውዕውዓት ሕቶታት ሰላምን ደሞክራስን ናይ ህዝብና  ንምምላስ ጥጡሕ ባይታ ኣብ ምምድማድን  ዝሕግዙ ዘይኮኑስ ዘይጸንሑ ሃይማኖታዊ ጎንጽታት ኣብ ቀጻሊ ክኽሰቱን ክጋፍሑን ኣብ ምግባር ኣሉታዊ ተራ ክህልዎ ዝኽእል ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ብወግዒ ክቃላሕ ዝበጋገስ ዘሎ ሓደሽቲ እምነታት፡ ንሓድነት ሓይልታት ኤርትራን ኣሰላልፋኦምን ብዝምልከት’ዩ።

መትከላት ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር  ንእዋናዊ ጸላኢኻ ሓቢርካ ንምውጋድን  ሕቶ ሰላምን ደሞክራስን ክረጋገጽ ጥጡሕ ባይታ  ንምፍጣር ብዝተሓተ መደብ-ዕዮ ትተኣሳሰረሉ ግንባር ደኣምበር ብመጻኢ ኣንጻር ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኩሎም ናይ ርሑቕ እስተራቲጃዊ ዕላማታት ግድን ክትኣሳሰር ዝገበር ኣይኮነን። ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ዝህሉ መድረኽ ቃልሲ መስርሕ  ሰላማውን ደሞክራስያውን ቃልሲ ኮይኑ ሽዕኡ ናይ ሰልፍታት /ውድባት/  ናይ  መልክዕ ውዳቤኦምን ኣካይዳኦምን  ኣቃውማኦምን መርሆታት ዝውስን  ሕገ-መንግስታዊ ቅዋም ጥራሕ ስለዝኾነ፡ ሽዑ በቲ ቅዋም ዘፍቅዶ ዝህልው ውድባትን  ሰልፍታትን  መሰረት ናይ’ቲ እዋን’ቲ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ  ዘተኣሳስርዎ እዋናዊ ጉዳያት’ዮም ዝኾኑ።

ስለዚ ኣብ መንጎ ናይ ሕጂ እዋናዊ ዕማምን ናይ መጻኢ ዕማማትን  ኣብ’ዚ ሕጂ “ ኩሉ ዓቕምታት ሕብረተሰብና ብቐዳምነት ንስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ብሓደ ኣንፈትን ውቅዒትን ይቕናዕ”  ብዝብል ዝግበር ምጥርናፋት ብሰንኪ’ዚ ሓድሽ ኣተሓሳስባ’ዚ  ኣብ ሓይልታት ኣሰላልፋ ምድውዋስ ሃሊዩ፡ ነቲ እዋናዊ ፍታሕ ዝደሊ ዘሎ ቃልሲ  ዘልምስን ዘዳኽምን’ዩ ዝኸውን።  ስለዝኾነ ከኣ ኣብ’ዚ እዋናዊ ዕማም ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ  ናይ ሕብረ- ብሄራውን ብሄራውን ዕልመናዊ ግንባር ኢልካ ንሃይማኖታዊ ውዳቤታት ዘለዎም ሓይልታት ዝንጽል ኣካይዳ ሓቢርካ ንሓይሊ ጸላኢ ከይዳኸም ዝገብር ኣካያይዳ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን እናተላዘበ ናብ ዝሕሸ ሓባራዊ ግንዛቤታት ዝመጸሎም እዋናውያን ዕላማታት ህዝብና ብመንገዲ ሰፋሕቲ ግንባራት  /ምሃሓኤ/ ኣትሒዙ ዝተበገሰሉ ወድዕነት ንድሕሪት ምምላስን እቲ ናይ ምንጽጻግን ዘይሃናጺ ውድዳራትን  እንደገና ክጋፋሕን  ካልኦት ጸገማት ሓቚፉ ናብ ዘይተደላዪ በሊሕ ግርጭት ዝደፋፍእን’ዩ ዝኸውን።  ንምዃኑ’ኸ እዚ ሕጂ ሰደግኤ ድሕሪ ናይ 14 ዓመታት ኣብ ሕቶ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ዘልዕሎ ዘሎ ሓድሽ ውጥን  እንታይ ሓድሽ ክስተት ስለ ዝተረኽበ’ዩ ኣብ’ዚ ህሞት’ዚ ዘልዕሎ ዘሎ? ብመንጽር ዝሓለፉ ናይ ቃልሲ መድረኻት ኣብ ሕቶ ሓድነትን ምሕዝነትን ዝተኻየዱ ቃልስታት ብዝምድናዊ ኣዘራርባ ሕጂ ኣብ ዝሓሸ ምቅርራባት ኣብ ዘለወሉ ወቕቲ እንዳሃለወ’ዩ እዚ ዝቀላቐል ዘሎ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ዝኽሰት ዘሎ። ካልኣይ እቶም  ብሃይማናቶታዊ መልክዕ ዝተወደቡ ውድባት ጸገም ዝጸንሖም’ዮም ተባሂሎም ዝግለጹ ዘለው እንተደኣኮይኖም፡ እቶም ሕብረ- ብሄራውን ብሄራውን ውድባት እንታይ ዝተፈልየ ብልጫ ስለ ዝጸንሖም’ዩ ኣብዚ ግዜ’ዚ ክፈላለዩ ዝግበር ዘሎ? እዋናዊ ጸገም ተጋድሎና’ኸ ኣብዚ ግዜ’ዚ ጽረ ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብሓቂ እዚ ድዩ? ሰደግኤ ኣብ ሕቶ ሓድነትን ምሕዝነትን ዝወስዶ ካብ’ቲ ሓደ ጫፍ ናብ’ቲ ካልእ ጫፍ ተዋቓዒ መርገጻትን ውጽኢታቶምን  ምስ መትከላት ስሙር ግንባራት ዘይሳነ’ዩ።  ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ሕሉፍን ናይ ቀረባን ተመክሮን ተመክሮ ካልኦትን ብዕቱብ ዳህሲሱ ኣብ’ዚ ጉባኤኡ’ዚ  ክመሃረሎም እንተዝኽእል ክንደይ ጽቡቕ ምኾነ ንብል።

3. ካልእ ምስ ናይ ቀረባ ተመክሮ ቃልስና ኣብ ሃገራዊ ዋዕላን ሃገራዊ ጉባኤን ዝተኸስተ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ብፍላይ ከኣ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተራ ብንጹር ሓባራዊ ግንዘብ ክተሓዘሎምን ንቕድሚት ብሓደ መርሆ ክጓዓዘሎምን ምእንቲ ከመይነት ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ክረጋገጽ ይከኣል  ንምልዛብ ብደረጃ  ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ንኣኼባ ኣብ ዝተጸወዐ ተበግሶ  ሰደግኤ ብቕደመ ግንባር ካብ ዝተጻረረሉ ምኽንያት ብሩህ ዘይምዃኑ ብሓደ ሸነኽ፡ ብካልእ ሸነኽ ከኣ፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንምሕያል ኣብ ዝገበር ተጋድሎ  ኤዲኪ ናቱ ሓያልን ድኹምን ጎኒታት ከም ዘለዎ ቅቡል ዝገብር‘ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሕቶ ምሉእ ግዜኻ ተወፊኻ ብጽንዓት ኣብ’ቲ ሓባራዊ ግንባር /ጽላል ናይ ባይቶ/ ኣብ ምስራሕ ሰደግኤ ንኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ካልኦት ኣካላቱን  ዘለዉ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ጽሑፋትን  ክነቅፍ እንከሎ ንውሽጡ’ኸ ክሳብ ክንደይ’የ ንባይቶ ዘበርክት ዘለኹ ኢሉ፡ ምሉእ ግዜኡን ዓቕሙን የወፊ ሕቶታት ኣልዒሉ፡ ንደገ ጥራሕ ዘይኮነስ ንውሽጡ’ውን ክርኢ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክነዘኻኽሮ ንደሊ። ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ከኣ ዋላ ኣብ ሕሉፍ ተመክሮታት ናይ ቃልሲ  ጌጋታት ዝተፈጸሙ እንተደኣ ሃሊዮም  ከኣ  ኣብ ናይ ፖለቲካዊ ዓለም ኣብ ሕሉፍ ቂምን ቅርሕንት ተመርኲስካን ቛጺርካን ንነገራት ምጥማትን ብኡ መጠን ኣብ ተጻይ መልስታት ምኻድን ንዘላቒ ሓባራዊ ረብሓታት ህዝብናን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ዘየገልግል ምዃኑ  ጉባኤ ብዕቱብ እንተዝግምግሞ ጽቡቕ’ዩ ኢልና ንርኢ።

4. መንእሰይትና ብሰንኪ ሕሱም ኣገዛዝኣ ስርዓት ህግደፍ  ኣብ ውሽጢ ሃገርን ስደትን ኣብ ዝሳቐይሉ ዘለው ግዜ ደምበ ተቓውሞ’ውን ሓያል ዝኾነ ውደባን ብሓደ ኣንፈት ስጡም ምንቅስቓስን ገና ኣብዘየማዕበለሉ መንእሰያት ናይ ቃልሲ ኒያቶምን  ፖለቲካዊ ንቕሓቶምን ከም’ቲ ዝድለ ሓፍ ኢሉ ብመርሆ ደረጃ ኣብ መስርሕ ደሞክራስያዊ ተጋድሎና ናብ ወሳኒ ተርኦም ዝጻወትሉ መድረኽ ዛጊት ኣይተሰጋገሩን። ኣብዘን ዝደሓራ ዓመታት ኣተሓሒዞም ብመጠኑ ዘበጋገስዎ ምንቅስቃሳትን ውዳቤታትን ሓድነቶም  ንምርግጋጽ ዝገብርዎ ዘለው ጻዕርታትን ዝተባባዕ’ዩ።  ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ጠቕላላ ጉባኤ ንምግባር  ይዳለው ከም ዘለው ብዘለና ሓበሬታ መሰረት፡ እቲ ጉባኤ ብዓወት ክጽንበል ምእንቲ ናይ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ኤርትራ ብመርሆ ዝተወደበ ሓበራዊ ትኽክለኛ ደገፍ ይሓትት። መጻኢ ዕድል ናይ ቃልሱ ዝውስን ባዕሉ እቲ መንእሰይ ወለዶ ይኹን ደኣምበር፡ እቲ ቅኑዕን ስነ-ፍልጠታውን ናይ ውደባ ጥበብ ክሕዝ እንተደኣ ኮይኑ፡ ንደሞክራስያዊ ዕላማታት ህዝብናን ተራ መንእሰያትን ማእከሉ ገይሩ  ንመላእ ኣከናውና መንእሰይ ወለዶ ሕብረተሰብና ዝጠርነፈ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ካብ ዝኽሰቱ ኣብ ቃልስና ናቶም ጽልዋታት ዘለዎም ትምክሕትን ጽበትን ካልኦት ናይ ድሕረት ኣተሓሳስባታትን ነጻ ኮይኑ፡  ናይ ሓደ ወይ ናይ ካልእ ድሑር ዝንባሌታት ጸግዒ ዘይኮነስ፡ ምስ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ተሓባቢሩ ክሰርሕ  ብቕዓት ዘጥረየ፡ ውድባዊ ነጻነቱ ሓልዩ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሰጢሙ ክሰርሕ ድልውነቱ ዘረጋገጸ፡ ሰፊሕ ዓለም ለኸ ማሕበር መንእሰያት /ሊግ/ ናይ ምቛም መርሆ ክሕዝ  ቅኑዕ  ኣንፈት ቃልሲ’ዩ ኢልና ንርኢ። ካብ’ዚ ወጻኢ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ  እቲ መንእሰይ ወለዶ ዝመስሎ ምርጫ ናይ ቃልሲ ክወስድ መሰሉ ይኹን ደኣምበር  ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ከም’ቲ ሰደግኤ ዝጉስጉሶ “ መንእሰይ ማእከሉ ዝገበረ ፖለቲካዊ  ውደባ ክገብር ዝሪኦ ትኽክል ገይሩ ኣይርእን። መንእሰይ ከም ሓደ ሕብረተ-ሰብኣዊ ቀጸላ፡ /ፊኣ/ ብዕድመ ዝውደብ ክሳብ ዝኾነ  ናይ ዓባይቲ ወይ ናይ መንእሰያት ውደባ ተባሂሉ ብዕድመ ዝፈላለ  ፖለቲካዊ ውደባ የለን።

ስለዝኾነ እዚ ዓለም ለኻዊ ናይ  መንእሰያት ውደባ’ዚ  ብቕኑዕ መርሆ ተበጊሱ ናይ መጨረሻ ሸቶኡ ክወቅዕ እንተደኣ ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ካብ ግዝያዊ ሕሳባትን ናይ ድሕረት ኣሰራርሓታትን  ብዝደሓነ  ዘላቒ ረብሓ ሕብረተ-ሰብናን መንእሰይ ወለዶኡን ብዘረጋግጽ ተጠሚቱ ሓቀኛ ተካእቲ ሕሉፍ ወለዶ ኮይኖም መሪሕ ደሞክራስያዊ ተራኦም ክጻወትሉ ብዝኽእልሉ ኣገባብ  ናይ ሓሳብን ኩሉ ሸነኻዊ ኣወንታዊ ደገፋት ክልገሰሎም ይግባእ ንብል። ስለዝኾነ ሻድሻይ ውድባዊ ጉባኤ ስደግኤ ነዚ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ካብ ግዝያዊ ሕሳባት ርሒቑ መንእሰያት ትኽክለኛ ናይ ውደባ መርሆ ክሕዙ ኣካይድኡ ኣመዓራርዩ ንከተባብዕ ንጽውዕ።

ዝኸበርኩም ጉባኤተኛታትን ዕዱማት ኣጋይሽን፡-

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣብ ኤርትራ፡ ዞባናን ዓለምን ተቐያያሪ ምዕባሌታት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ህሞት ኣብ መንጎኩም ተረኺብና፡ ውጽኢት ሽድሻይ ጉባኤኩም ኣብ መጻኢ ንሓድነት ደምበ ተቓውሞ ዓይነታዊ ኣበርክቶ ዘበርክት ክኸውን ልባዊ ትምኒትና ንገልጽ። ከምኡ’ውን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉዕዞ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዓይነታዊ ዝላ ንምምዝጋብ፡ ካብ ሕሉፍ ተሞክሮታት ግቡእ ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ጉባኤኩም ንመላእ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ፖሎቲካዊ ጽላል ንምጥርናፍ ዘተባብዕ ውሳኔታትን መደባትን ሒዙ ክወጽእ ልዑል ተስፋ ንገብር።

ዓውት ንሽድሻይ ውድባዊ ጉባኤኹም!!

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ውድቀትን ስዕረትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

21 ሰነ 2013

تعليقات
#1 | asKn4vizfd في 10-06-2016
is there a generic crestor buy baclofen online suhagra online
#2 | asKn70mhd3 في 22-07-2016
clindamycin is a prescription required for antabuse sildalis
#3 | asKap73j65 في 06-09-2016
propranolol buy explained here elimite
#4 | Loans For Bad Credit في 15-01-2018
loan application online online loan online loan online loan
#5 | Direct Lenders في 19-01-2018
personal loans with bad credit online loans for bad credit sba loan unsecured loans for bad credit
المشاركة بتعليق
الاسم:

شفرة (كود) التحقق:

إدخال شفرة التحقق:

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر

نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,910,478 وقت التحميل: 0.40 ثانية