Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
18/10/1445 (26 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ናይ ምድግጋፍ መልእኽቲ ካብ ዓለም&#461
أخبار

ናይ ምድግጋፍ መልእኽቲ ካብ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

 

ብመጀመርታ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፣ ኣብ ዓመት ንካልኣይ ግዜ ጉባኤ ኣብ ግዚኡ ከተካይዱ ምብቃዕኩም ዮሃና! እንቋዕ ሓጎሰኩም ክብለኩም ኣፍቁዱለይ። ጉባኤ ኣብ ግዚኡ ምክያዱ ኣገዳሲ ብድሆ እኳ እንተኾነ ናታትኩም ጽንዓትን ደገፍን መሰረታት እንተዘይነብር ነይሩ፣ እዚ ጉባኤ ክኸውን ዝከኣል ኣይነበረን። እዚ ከኣ ብሳላ ዘይተቖጠበ ጻዕርታትኩም ኣብ ኩሉ ሸነኻት ዘረጋገጸን፣ ተወፋይነትኩም ኣብ ጉዳይ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ብቑዕ ምስክር ኮይኑ ንዘለኩም ዘይሕለልን ነቕ ዘይብልን መትከልኩም ኣብነት ንኹለና መንእሰያት ኮይኑና ኣሎ። እንሆ ህያው ናይዚ ምስክር ከኣ ንሕና ኣባላት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራውያን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ተመሳሰልቲ ማሕበራት ኣብ ካናዳን ካልኦት ክፋላት ዓለምን ቆይምናን ይቆማን ኣለዋን።

በዚ ኣጋጣሚ ንሕና ኣባላት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዋላ እኳ ብኣካል መጺና ክንሳተፍ ኣብ ጉባኤኹም ዝግብኣና እንተነበረ ብቴክኒካዊ ምኽንያትን ካልእን ወኪል ክንሰድድ ብዘይ ምኽኣልና ቅር እናበለና ኢዩ። እንተኾነ ግን ሕጂ ኩላትና ዘይንክሕዶ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ይርከቡ ኣለዉ። እቲ ጠንቂ ድማ እቶም ነቲ ስለ ናጽነት ዝተኸፍለ ከቢድ ዋጋ መስዋእቲ፣ ነቲ ዝነበረ ሕድሪ ሰማእታት ዝኾነ መብጸዓ፣ ሕልምን ራእን ጠሊሞም ኣብ ኮሮሻ ስልጣን ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኮፍ ኢሎም ንህዝብና ብፍላይ ድማ ንመንእሰያትና ኣደዳ ሞት፣ ማእሰርትን ስደትን ገይሮሞ ዘለዉ ህግደፋውያን ኢዮም።

እቲ መፍትሒ እምበኣር ንሕና መንእሰያት ልዕሊ ኩሉ ዝተወጻዕና ግዳያት ብምዃንና ምሳና ምስ መንእሰያት ኢዩ ዘሎ። ንሱ ከኣ ብውልቂ ይኹን ብፍላይ ድማ ብሓባር ተጠርኒፍና ቃልስና ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ዘይዲሞክራስያውያን ሓይልታትን ብዝያዳ ንምሕያሉ ምስራሕ። ነቶም ኣብ ሓፈሻዊ ዕላማታት፣ ራእይናን እስትራተጅናን ሰፊሮም ዘለዉ ነጥብታት ኣብ ተግባር ነውዕለሎም መንገዲ ምድላይ ካብ’ቲ ቀንዲ ዕዮና ክኸውን ይግባእ። ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዝዓለመ፣ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ኣብዚ ክዝከር ዝግብኦ ናይ ኩሉ መንእሰይ ተራን ግደን ኣብ ኩሉ ስለ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ይቃለስ ኢየ ንዝብሉ ባእታታት፣ ወገናት፣ ወድባት፣ ማሕበራት ዋላ ‘ውን ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ኣብ ዝገብርኦ ፍጻሜታት(events)፣ ፈስቲቫላትን ኣኼባታትን ካልእን ንጡፍ ኮይኑ ተሳቲፉ ትዕዝብታቱ ክብ ከብል ነተሓሳስብ። ብኡ ኣቢሉ ኣባል እንተኾይኑ ከኣ ንዝኾነ ዘይዲሞክራስያዊ ኣካይዳ ክእረም እጃሙ ከበርክት በዚ ኣጋጣሚ ነተሓሳስብ። ዝኾነ ትካላት ይኹን ውልቀሰባት እዚ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ክውንዎን ክጸልውዎን ንዝፍትኑ እዚ ምንቅስቓስ ናይ መንእሰያት ክነጽጎ ይግባእ። ዘይሻራውነት እዚ ምንቅስቃስ ክሕሎን ክዕቀብን ይግባእ። እዚ ምስ ዝረጋገጽ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ዓለምለኻዊ ዝኾነ መርበብ ኣብ ምፍጣርን ምሕያልን ከም ንዕወት ምንም እኳ ኣይጠራጠርን።

ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ብመንእሰያት ዝተበገሰን ዝተመርሓን ህዝባዊ ማዕበል ናይ ሰውራታት ኣንጻር መለኽቲ ድሮ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ የመንን ካልኦትን ይልሕም ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ ብስም ኣባላት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራውያን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ንመንእሰያትን ህዝብን እተን ሃገራት እንቋዕ ሓጎሶኩም እናበልኩ፣ ንኤርትራዊ መንእሰይ ድማ ብፍላይ “መንእሰይ ሰራሒ ለውጢ ኢዩ፣ ምልካውያን ድማ ተሳዓርቲ ኢዮም” ይብል። ስለዚ ንሕና ‘ውን መንእሰያት ኣብ ዘለና ሃሊና ካልኣዊ ፍልልያትና ኣጽኒሕና ሃየ ንበገስ ብሓባር ኮይንና! ሕጂ ኢዩ እቲ ግዜ፣ መንእሰያት ኤርትራ ዳግም ተላዒልካ ወንኖ እዚ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ!

ኣብ መወዳእታ ጉባኤ ኣሳልጦን ዓወትን ንክጓናጸፍ ዘለና ሰናይ ትምኒታት ንገልጽ።

ዓወት ንካልኣይ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ      

 

10/03/2011

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,463,163 وقت التحميل: 0.30 ثانية