ሽገይ ሃቡኒ ንበል ከም ተወልደ ረዳ ሎሚ
ህድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባትጊ ሃገር ጀርመን
ሽገይ ሃቡኒ ንበል ከም ተወልደ ረዳ ሎሚ
ዜማ ሱሳታት ክንዝክሮም ክትግበር እቲ ሕልሚ
ኢድ መን ዓንቂፍዎ ናይ ህዝብና ሕልሚ
ንማራመር ብኣልማማ ተቓወምቲ ካብ ናሓሚ።
ሽገይ ሃቡኒ ንበል ካብ ምስ ህግደፍ ሆየ
ገበን እዝኒ ኮሎካ ምጽማም ህዝቢ እንዳ በኸየ
ንህግደፍ ንበሎ ኪደለይ ኣይደልየካን እየ
ውሕጅ ይውሰዶ ሕጂ እምኒ ዘይደርበየ
ሃየ ከም ኣለና እጃምኩም ኣበርክቱ
መታን መሊኡ ክበርህ ንምሸቱ
ሓቢርና ንመክቶም ንጃንዳ ሸፋቱ
ዝሕዝዎ ጠፊእዎም እንዳ በሉ ላዕሊ ታሕቲ
ሃየ ከም ኣለና ንኹኖም ቃንዛ ኩርምቲ
ውድብ ሰልፊ ምብዛሕ ኣየርብሓናን ዋላ ሓንቲ
ቅልጽምና ነዋሃህዶ ህዝቢ ክነድሕን ምእንቲ።
ገበን ሽምካ ሓቢእካ ብጹሑፋት ምህውታት
ገበን ካብ ቃልሲ ሪሒቃ ምድርባይ ቃላት
ሓቂ እንተልዩካ ውጻእ ማሳና ኣብ ቅርዓት
እወ ትቃራረብ ኣላ እታ ናይ ቅርዓት ሳዓት
ሃየ ታሓወሱና ካብ ምባል ጎቦ ጎቦ
ሃየ ታሓወሱና ስልጣን ምንእሰይ ክርከቦ
ኣሪጎም ስልጣን ቢሒቶም ገዲፍካ ናዓ ግበር ሓቦ
ተቓሊስና ስልጣን ንህዝቢ ክነረክቦ።
ተቐማጦ ጀርመን ትዝክሩዶ
ኣቦና ሓርበኛ መዋእል መብራህቱ
ከምዚ እንዳ በለ ከስተምህር ከዘንቱ
ኣብ ሲምፖዝዩም 1999 ፍራንክፎት ከማሓላልፍ መልእኽቱ
ደቂ ኤረትራ ንኹልኹም ዝኸውን 10 ሽሕ ሰድያ ኣሎ
ቅድም ንኢሰያስ ምስ ጭፍርኡ ያዕ ንበሎ
ከምዚ እንዳ በለ ማዕዱኡ ክልግስ ኮሎ
ማዕዳ ኣቦና መዋእል ስለ ዘይሰማዕና
ኢሰያስ የጽንተናሎ
ሃየ ምዕዶን ኣቦና መዋእል ሕጂ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ።
ኣቦና ሓርበኛ ሃብተማርያም ውን ኮምኡ ደጊሞም
ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንተቓለስቲ ቅርሕንቲ ገዲፍኩም
ኣብ ቅድሚ ዋዕለኛታት ተሳዓዓሙ ኢልዎም
እወ ሓርበኛታትና ከምዚ እዮም ዝሓልሙ
ኣብ ቃልሲ ኣሪጎም ብህዝቢ ካሓሙ
መልሓሶም ኣይዓጸፉን ከምቶም ዝጠለሙ
እዞም ሓርበኛታት ሓመድ ዓዶም መታን ክስዕሙ
ንኢሰያስ ምስ ጃንዱኡ ክንኣሊ ንበል ጎቦዝ ተሻሞ
ኤረትራዊ ዓቢ ምስ ንእሽቶ መታን ክጥዕሞ
ሓድነትና እዩ ንኢሰያስ ምስ ጃንዱኡ ዝሕሞ።
መን እዩ ለባም መን ከ ዓሻ ያኣክል
መን ኣብልዕሊ መን ክከውን ጎብልል
መን ክንዲ መን ክኸውን ሰንፈላል
ኩሉ ባዶ ምባል ግደፍዎ ኣሽካዕላል።
ሕቅኻ ኣለና
መርገጾም ዘይንጹር ኣቢሎምና ላሕ
ዘዝሃነጽናዮ እንዳ ለሉ ፋሕ ፋሕ ከሊኦምና ምስራሕ
ተባዓት ምዕንቃፍ ምሕንኳል ወሲደሞ ከም ስራሕ
ኣይተቃልበሎም ቀጽል ጥራይ
እቲ ሒዝካዮ ዘለኻ እዩ እቲ ዛዓበየ ውራይ።
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን
|