ን ጉባኤ ሽማግለ ጨንፈር በይ ኤርያ (ካሊፎርነያ)
ካላኣይ ኣኼቡኡ
ኣካይዱ
ብቕዳም 6 ሕዳር 2010 ኣብ Oakland ዝተኣከበ ሽማግለ ጨንፈር በይ ኤርያ ኣብ ዝሰርሓሎም ቤት ጽሕፈታት ኣተዂሩ ዘትዩ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ቀዳማይ ርክብ ዘጻፈፎም ቅርጺ ናይ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ዚናውን ባህላውን ቤት ጽሕፈታቱ ዝዘተየ ሽማግለ
መደባቱ ንምንጻር ብደቂቅ ፈቲሹ።
እቲ ንመደባት ነውሰከፍ ቤት ጽሕፈታት ንምዕዋት ዝዘተየ ሺማግለ ስፊሕ ክትዓትን ሕቶን ሪኢቶን ዝፈጠረ ብምንባሩ ንጉባኤ ንምዕዋት
ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ሙቆት ዝፈጠረሉ አዩ።
ክንዲ ዝኾነ ድማ እቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝግበር ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ማዕጾ ዓወት ንኸርሑ ብገአዛእ ፍትሓዊ ሓርነታዊ
ህዝባዊ ኢዱ ዝኹሕኳሓሉ መድረክ ከም ዘደየበ ዘራጋግጽ አዩ።
ሽማግለ ንጉባኤ ጨንፈር ካሊፎርነያ በይ ኤርያ ብፍላይ ነዚ ተመድቡ ዘሎ ጉባኤ ድማ ብሓፈሻ ንምዕዋት ቁጠባ መዳይ ኣብ
ገዛእ ሩእሱ ብምእማን መስርሕ ሓርነታዊ ቃልሲ እታ ሽማግለ ንቖጠባ ዝዕወተሉ ኑጹራት መደባት ቃልሲ ሰሪዑ።
ሽማግለ ጉባኤ ጨንፈር በይ ኤርያ ኣብ ስርሑ ዝሕግዞ ማሕተም ሎጎ ኣብዚ ካላኣይ ርኩቡ ወሲኑ ኣሎ፤ ብዘይካ እዚ
ዲሞኩራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ከም ዘድሊ ኣሚኖም፤ምስቲ ጨንፈር ሽማግለ ሓቢርም ንዝቃለሱ ዜጋታት ዝኾውን መምልኢ ሰነድ
(ፎሩም) እውን እቲ ሽማግለ ኣዳልዩ።
እቲ
ዝተዳለወ መምልኢ ሰነድ (ፎሩም) ን ኣብ ጉባኤ ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት ተሳታፍነቶም ንዘራጋግጹ ዜጋታት ዝሕግዝ ሰነድ
ፎሩም አዩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ሽማግለ ጉባኤ ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ ጨንፈር በይ ኤርያ ናይ ገዛእ ሩእሱ ጉጅለ ባህልን ስነ ጥበብን
ኣቅሙ።
ቡኡ መጠን ድማ ብ ካብ ምዓስከር ኤርትራውያን ስደተኛታት ሸመልባ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ናብ ኣመሪካ ዝኣተው መንእሰያት ሰብ ሞያ
ጥበብ፤ ብጥበባዊ ብቕዓቶም ዘምስዩሉ ናይ ሙዚቃን ስነ ጹሑፍን ምኣዛ ዘስተማቅረሉ መድረኽ ንቀዳም ሕዳር 27/2010 ናይ ምሸት
ኣብ Oakland ምስ ህዝቢ በይ ኤርያ ሙቁር ለይቲ ክሓድር ምዃኑ ኣራጋጊጹ ኣኼቡኡ ዛዚሙ።
ዓወት ንመስርሕ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ
ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና
|