Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
18/10/1445 (26 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ህድሞ ዶው ኣይብልን ብዘይ ዓንዲ ህ&#48
أخبار

ህድሞ ዶው ኣይብልን ብዘይ ዓንዲ

ህዝቢ ኣይነብርን ብዘይ ሕጊ ፍርዲ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ህድሞ ዶው ኣይብልን ብዘይ ዓንዲ

ህዝቢ ኣይነብርን ብዘይ ሕጊ ፍርዲ

ጸረ ምልካዊ ስርዓት ተባራበር ደቂ ዓዲ

ያኣኽለና ሎምስ ናይ ህግደፍ ቀይዲ።

መታን ክሕሸና ካብ ዓሚ

ነተግብሮ ሓደራ ስዉኣትና ሎሚ

ነተግብሮ ናይ ህዝብና ሕልሚ

ጠላም ስርዓት ክሰቲ ስሚ።

ኣብ ሰደት ጢዒምዎም ዝጸገቡ

ከይተቓለሲ ጉድለታት ዝጽብጽቡ

ዘብረቐ የብር ጻሓይና ዝብሉ ለያቡ።

ተቓወምቲ ሓሚቖም ይብሉ

ክመስሉ ብህዝቢ ዝሓመሙ

ጉሒላ ከሕጉሱ ተቓወምቲ ዘጸልሙ    

ተስፋ ከቑሩጹ ብህግደፍ ዝተሸሙ

ከም ቁርዲድ ንህዝቢ መጽዮሞ ደሙ።

 ዓዲ ከይዶም ዝሕስዉ

ምስ ህግደፍ ዓዲ ዘዕንዉ

ዝጠለሙ ንበጃ ሃገር ዝተበጀዉ

ንሓርነታዊ ቃልስና ዘናሽዉ።

ብጀካ ከብዶም ዘይብሎም ዘመድ

ምስ ተባህለ  ውረድ ከይትዋረድ

ህግደፋዊያን ያኣትዎም ዕብድብድ

ኣብ ኢድና ኣሎ ናይ ከዳኣት ሰነድ።

ዘጽቀጡ ክንጽበ ኣይንጎተት ንድሕሪት

ዝሓንገዲ ኣይንጸበ ህዝቢ ክሳብ ዝጸንት

ዓዲ ጽቡቕ ኣሎ ዝብሉ ጠላማት

ኣይንግዓር ክነእምን ንሰብ መሰል ኣራዊት።

ምስ ህግደፍ ምድንጋጾም ዝንየቱሉ

ንብረት ድኹማት ዝሚቶም ዘሽካዕልሉ

ዝመስሎም ህዝብና ዘይወግሓሉ

ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝነብር ከምኡ ኢሉ።

ከይመስሎም ንመቃባበልቲ ወረ

ኣስማቶም ካባና ዝተሰወረ

ኢዶም ይፍደዩ ዲክተተር ምስ ተሳዕረ።

ህግደፍ ምስ ሳዓርና ኣሎና ንብሎ

19 ዓመት የውሃና ዝተባህሎ የኣኽሎ

ልቢ ግበሩ ዋርሳይ ይካኣሎ

ተማሃራይ ምስ ገባራይ መሪርዎሎ።

ታሓጋጊዝና ዲክተተር ንምሓዎ

ስዋኣትና ክቀስኒ ህዝብና ክርህዎ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ናዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,443,892 وقت التحميل: 0.27 ثانية