ናይ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ
ናይ ዋዕላ ሽማግለ ቆይማ።
ኣብ
ከተማ
ሳንድያጎ
ብዕለት 22
ግንቦት
ኣብ
ዝተፈላለየ
ከተማታት
ደቡባዊ
ካሊፎኒያ ዝመጹ ኤርትራውያን
ዝተረኽብዎ ናይ ሃገራዊ ዋዕላ
ንዲሞክራስያዊ
ለውጢ ሰሚናር
ተጌሩ
ውዒሉ። ደቡባዊ
ካሊፎርኒያ
ማለት
ካብ
ደቡብ
ናይ
ጎቦታት ተሃቻፒ (Tehachapi
Mountains)
ኣስታት 113
ኪሎሜተር
ሰሜን
ናይ
ሎስ
ኣንጀለስ
ክኸውን እንከሎ
ብደቡብ
ከኣ
ክሳብ
ዶብ መክሲኮ
ዝዝርጋሕ
ብምዕራብ
ብሰላማዊ
ውቅያኖስ
ብምብራቕ
ከኣ
ነቫዳን
ኣሪዞናን ኣውራጃታት
ዘዳውብ
እዩ። ኣብዚ ቦታዚ
መብዛሕትኡ
ኤርትራዊ
ኣብ
ከባቢ
ሳንድያጎን፤
ሎስ
ኣንጀለስን
ሳን በርናርዲኖን
እዩ
ዝቕመጥ።
እታ
ዝወጸት
ሽማግለ
ነዘን
ዓበይቲ
ከተማታት እዚኣተን
ኣብ
ግምት
ዘእተወት
እያ።
ኣብ'ቲ
ሰሚናር
ዝተፈላለዩ
ወረቓቕቲ
ንዋዕላ
ዝምልከት
ቀሪቦም።
ከም'ኡውን
ዝተፈላለየ
ሓሳባት
ብዛዕባ
ዋዕላ
ፈሲሱ።
ኣብ
መጨረሽታ
ኩሎም
ኤርትራውያን
ብፖለቲካዊ
ውድባትን
በርጌሳውን
ማሕበራትን
ጌሮም
ድምጾም
ከስምዑ
ንክኽእሉ
እተሰርዕ ንኣብ ደቡባዊ
ካሎፎርኒያ
ዝቕመጡ
ኤርትራውያን ዘማእከለት
ሽማግለ
ቖይማ።
እታ
ሽማግለ
ካብ
ዝተፈላለዩ
ከተማታት
ብዝመጹ
እያ
ቆይማ።
ዕላማ
እታ
ሽማግለ
ንኤርትራውያን
ተቐማጦ
ደቡባዊ
ካሊፎርንያ
ኣብ
ዋዕላ
ድምጾም
ከስምዕሉ
ዘኽእል
ኣገባብ
ፈጢራ ቀጻሊ ናይ ዘተ መስርሓት ከተሰላስልን ወከልቲ
ህዝቢ ንዋዕላ ከተምርጽን ኢዩ።
ኣብ'ዚ
ሰሚናር’ዚ
ብዙሓት
ለበዋታት
ነታ
ኣብ
ሰሜን
ኣመሪካ
ብፍላይ
ዘላ
ኣሰናዳዊት
ኮሚቴ
ዋዕላ
ከም'ኡውን
ነታ
ብደረጃ
ዓለም
ሓላፍነት
ተቐቢላ
ዘላ
ኣሰናዳዊት
ዋዕላ ሽማግለ
ካብ'ቲ
ተሳታፊ
ሰሚናር
ህዝቢ
ቀሪቦም።
ገለ ካብቶም ዝቐረቡ ለበዋታት ከኣ
እዞም
ዝስዕቡ ይርከብዎም።
1. እዚ
ዋዕላ
እዚ
ህዝቢ
ኣብ
ናይ
ጥፍኣት
ኩነታት
ከሎ
ይግበር
ምህላዉ
ተስፋ
ዝህብ
ክነሱ ብህዝብና ብፍላይ ከኣ
ኣብ
ውሽጢ
ኤርትራ
ዘሎ
ስለዚ
ከም
ህጹጽ
ጉዳይ
ክርአ
ብእኡ
መሰረት
ከኣ
ንኢደኪ
ናብ
ዝለዓለ
ደረጃ
ክቕይሮን
ናቱ
ሓጋግን
ፈጻምን
ኣካል
ካብ
ህዝብን
ካብ
ኤዲኪን
ክወጽእን፤
2.
ሓደ
ሰራዊት
ሓርነት
ኤርትራ ፡ ብሓደ እዝን ሓባራዊ
ፖለቲካዊ ኦርየንተሽን ዝመሃር ንህዝቢ ዝከላኸልን ሓይልታት ምክልኻል ዘዐቁብን
ነቲ
ግዜያዊ
ቅዋም ወይ
ተመሳሳሊ
ስም
ዘለዎ
መትከል
ዝምእዘዝን ንመትከል/ቅዋም/ቻርተር
ወይ ካልእ ስም ዘለዎ ብልዑል ሕጊ ባይቶ ተማእዛዝነት ዘለዎ ክኸውን ይጥለብ።
5. ባይቶ ኤርትራ ናይ ድያስፖራ ኤርትራውያን ዓቕምታት ብምጥቃም ዝሰርሕ ብኹሎም ናይ ወጻኢ ወኪላት ዝምራሕ ሓደ ናይ ወጻኢ ቤት
ጽሕፈት ጥራይ ክህሉ፡
4.
ሓደ
ፈራዲ
ኣካልን
ንዘለዉን ናይቀደም ቅዋማትን ቻርተርን ጽላታትን (ኮቬናንትስ)
ኣኻኺቡ ዘጽንዕ ናይ ሕግታትን ካልእ ኣካዳምያዊ ዓቕምታትንን ዘለዎም ኤርትራውያን ኣኻኺቡ ንህዝቢ ዘቕርብ ኮሚስዮን ክወጽእ።
ኣብ ውሽጢ ንዘጋጥም ጸገማት ክንዲ ንቓልዕ ወጺኡ ህዝቢ ዘናውጽ
ኣተጋግብርኡ
ዝርኢን (ኤቲክስ ኮሚቴ) ከም'ኡውን
ንፈጻሚት
ኣካልን
ሓጋጊት
ኣካልን
ዝፍትሽ
ኣካል
ካብ
ባይቶን ህዝብን
ክወጽእ።
6.
መሰጋገሪ
መንግስቲ
ወይ
ካልእ
ስም
ዘለዎ
ኣካል
ንህግደፍ
ኣልጊሱ
ስልጣን
ንህዝቢ
ዘረክብ
ሓይሊ
ብህጹጽ
ክወጽእ
ዘኽእል
ክኸውን፡
6. "ሃገራዊ
ዋዕላ
ንሓድነትን
ድሕነትን
ኤርትራ "ዝብል
ሰነድ
ብሓልዮት
መራኸቢ
ሽማግለ
ማኒፌስቶ
ካስል
ብ2006
ዝወጸ
ናይ'ዚ
ዋዕላ'ዚ
ገለ
ካብ'ቲ
መበገሲ
ሰነድ
ኮይኑ
ኣብ
መራኸቢ
ብዙሓን
ናይ
ኩለን
|