ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ
መበል 90 ክፋል
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
ኣብ ጀነቭ ብብቅዓት
ብደለይቲ ፍትሒ ልሳን ውጹዓት
እንታይ ክብበሃል ዋዓልለ በቶም ተባዓት//
ኣብ ጀነቭ ዘሎ ናይ ህግደፍ ምስለነ
ከምዚ ዝበለ ተቃውሞ ኣይረኣኹን ኣነ
ቀሪቡ ውድቀትና ወየነ ወየነ
ክፍደ ቀሪቡ ናይ ህዝቢ ሕነ//
እወ እንባ ከዳዓት ፈሪሱ
ንሳ ንሱ
ኣንድነት ክነሳ ክነሱ
ኣይትፈትኑ ሓዊ ክተናኽሱ
እንዳበልኩም ንሕና ንሱ
ድራኩላ ንጉስኩምስ ኣፉ ተዓቢሱ//
ብደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጀነቭ
እንታይ ክባሃል ዋዓለ
ድራኩላ ስኑ ናይ ማንቲለ
ኣንጊሁ ሓሸውየ የለን ዝበለ
ህግደፍ ብሓይሊ ይተኣለ
እዩ ክበሃል ዝወዓለ//
እወ ጭፍራ ህግደፍ
ወይለኹም ምኒስተራት
ወይለኹም ጀነራላት
ከዳዓት ጠላማት
ትቃራረብ ኣላ ናይ ሓርነት ሳዓት//
ርሻናት ጀነቭ መቃልሕ ምስ መለሰ
ብጀካ ህግደፍ መን ዘይተሓጎሰ
ተሓቢኦም ኣብ ውሻጠ
ከንፈሮም ብፍርሂ ዘንቀጥቀጠ//
ኣብ ቂዑ እዩ ምልኪ ህግደፍ
ዓቕሊ ጽበት ይብል ኣሎ ገፍገፍ
ደቂ ኤረይ ደርቢዮም ጸጸር
ተበገስ እዩ ዝበሃል ዘሎ ውፈር
ክበሃል ዋዓለ ሰጉድ ስመር//
ኣብ ጀነቭ
እንታይ ክበሃል ዋዓለ
እንድዕልካ እንድዕልኪ
ምስ ጃንዳ ደው ዝበልኪ
ህግደፍ ነበሪ ከይመስለኪ
ምስ ህዝብኺ ይሕሸኪ//
መቃልሕ ምስ መለሰ
ናይ ጀነቭ ርሻናት
ጭርሖታት ልሳን ውጹዓት
ስመር ንሓርነት
ያኣክል ባርነት
ከብቅዕ ምሕደራ ጀነራላት
ክንማሓዳደር ብሕጊ ብስርዓት//
ሓይሊ ህዝቢ የብሉን ዓጋቲ
ተፈሊጡ እዩ ናይ ዑሱባት ስልቲ
ሕቡኣት ናይ ህግደፍ ሰለይቲ
ደጊም ቦታ የሎን ንበተንቲ//
ውፈር እዩ ዝበሃል ዘሎ
ሓቢርና ንህግደፍ ክንነቕሎ
ንህዝብና የሎን ዝመቃቕሎ
ኣብ ጀነቭ ከመይ ንበረ ውዕሎ
ኣጆኹም ኣጆና ይባሃል ኣሎ//
እወ ሓድነትና ስለ ዘሻቀሎም
ንርእሶም ኣንድነት ክነሶም
ንደቀባት ኣንድነት ክብሉዶ
የምሕለሎም//
ቀሪቡ ዕርዲ ጭፍራ ክስበር
ዘይሰምመርካ ስመር ሕበር
ኤረና ንለብዘበን እንበር
ንዓመታስ ሸዊት ለምለም
ቀሪቡ ሕድሪ ሰማእታትና ክትግበር//
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኒ ሰማእታትና
ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን
|