ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ
መበል 89 ክፋል
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
ሓዊ ትተኣጎድ እንበር ዝስሕና ኣይትስ እንን
ኣንባሳደራት ህዝቦም
ተበጊስኩም ዶ
ነቶም ልሳን ዘይብሎም
ክነእዊየሎም//
ኣታ ህዝቢ እዚ እንዳ ራኣኻ
ማዓስ ኢኻ ትላዓል
እዚ እንዳ ራኣኻዶ ገዛ ይዋዓል
ሓንቲ ማዓልቲ ሓቦ በል
ተበገስ ንጀነቭ
ሕልናኻ ክቀስን
ኣይትበል ወሰን ወስን
ሕጂ ወስን//
ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ጅርነቭ
ንህግደፍ ገርዎም ራዕድን ሽበራን
ይብሉ ኣለው ሎምስ ኣይሰረርናን
ሎሚ ዓመትስ ኣይዓመትናን
ደጊም ወዲ ኣፎም ምባል ኣየዋጻጻናን//
ኣምባሳደራት ህዝቦም
ተበጊስኩም ዶ
ካብ ሩሑቅን ቀረባን ተኣካኺቦም
ኣብይ ደኣ ከይዶም እቶም
ጃህረኛታት ተባህለዝ ኣመሎም//
ኣንባሳደራት ህዝቦም
ተበጊስኩም ዶ
ኣብይ ኣለዉ እቶም
ሓቦ ዝጎደሎም
ተባህለ ክሰምዑ ዝእከቡ
ኣብዝጸንሑ ጸኒሖም ዝብሉ ወረ ሃቡ
ልሳን ውጹዓት ክኾኑ ዘይበቅዑ//
ተበጊስኩም ዶ
ሰብ መትከል ሰብ ሕልና
ኢልኩም ክነእዊየሉ ንህዝብና
ክርህዎ ንህዝብና ከማና
ሓርነት ክነስተማቅር ሓቢርና//
ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ጀነቭ
ንጃንዳ ኣቢልዎም ራዕራዕ
ጭፍራ ጀሚሮም ደም ምጉሳዕ
ሓድነትና ኣቢልዎም ጸላዕላዕ
ከይጎድሎም ኣድራጋ ምብላዕ//
ተበጊስኩም ዶ ጡዑማት ደሃይ
ጃንዳ ይብሉኣለዉ ዋይ ዋይ
ዋይገንዘበይ ዋይገዛይ
ለከመና እባ ዝሩጉም ኣባይ//
እወ ካብ ምእዋይ
ካብ ጽባሕ ዋይ ዋይ
ካብ ተሓቢኢካ ምሕማይ
ወይ ስመር ወይ ግበር ጠባይ//
ሓንቲ ማዓልቲ ሓቦ
ንኢሰያስ ዓቁሉ ክጸቦ
ንጀነቭ ንበል ከብከብ
ድምጽና ክነስምዕ ንተኣከብ//
ሰሚዕኩምዶ
ዋህዮ 2012 መሲሎም ጽሎሎ
ኣሰንቢድዎም ናይ ጀነብ ንቕሎ
ደላይ ፍትሒ ይብል ኣሎ
ኤረና ኩሑሎድ ብጃንዳ ትሕሎ
ለብዘበን ሓዲኡሎ እዩ ዝበሃ ዘሎ//
ዋህዮታት 2012 ግን
ገለ ከም ከልቢ ውሕ ውሕ
ገለ የማነጸጋም ቀባሕ ባሕ
ገለ ከም ህበይ ምውጫጭ//
ዓወት ነቲ ደም ዝነብ ዕዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን
|