Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
18/10/1445 (26 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ንጥፈታት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤር&#472
أخبار

ER NAT COUCELL EX OFFICE.jpg

ንጥፈታት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ምስ ቀጸልቲ ኣኼባታት ኣቦ መንብራት ናይ’ተን ፈጽምቲ ሽማግለታት ጎኒ ንጎኒ ምስ’ዚ ኣኼባታት’ዚ ብኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት እዞም ዝስዕቡ ዕማማት ተሰላሲሎም ኣለዉ።

1, ኣብ ውደባውን ምምሕዳራውን መዳይ፡

ሀ- ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከም ሓዲሽ ዝጣየስ ዘሎ ትካል መጠን ብሓሳብ ይኹን ብተመኩሮ በብግዜኡ ኣሰራርሕኡን ኣወዳድባኡን እናመዓራረየን ክኸይድ ስለዝግባእ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ፈ.ቤ.ጽ ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣብ ሓጺር ናይ ሕሉፍ ተመክሮኡ ኣብ ውዳበኡን ኣሰራርሑን ሓድሓደ ግንዛበታት ክኽሰቱ ዝጸንሑ ይኹኑ ወይ ንቕድሚት ማዕቢሎም ክስረሓሎም ዘለዎም ኣሰራርሓታት ኣነጺሩ ብምቕማጥን ዘሕልፎም ኣገደስቲ ውሳኔታት ማእከል ገይሩ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ጽፍሕታቱ ክበጽሕ ገይሩ ይርከብ ኣሎ።

ለ- ድሕሪ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ፈ.ቤ.ጽ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ናይ ስራሕ ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ናይ ዝወጹ መደባት ብግዜን ዓቕምን ፋይንሳዊ ትሕዝቶን ከመይነት ናይ ትግባረኦምን ብዝምልከት ብርክት ዝበሉ ካብኣቶም ድሕሪ ዓሚቕ ምይይጣት ጸፊፎም ክቐርቡ ተገይሮም ኣለዉ። ከምኡ’ውን ናይ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ናይ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ቅጥዕታት ተጻፊፎም ንስራሕ ተዋዲዶም ይርከቡ።

2, ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ፡

ሀ- ድሕሪ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ፈ.ቤ.ጽ ንመድረኻዊ ዕማማት ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ንምዕዋት ኣብ ዝምድናታት ክልቲኡ ህዝብታትን ሃገራትን ዞባናን ማእከል ዝገበረ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝገልጽ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክሳብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ኢትዮጵያ ዝርከብዎም በብግዜኡ ሓበራዊ ርኽክባት ተኻይዶም። እዚ ክልተኣዊ ርኽክባት’ዚ ንንጥፈታት ባይቶ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምስግጋሩ ዝሕግዝን ንዝምድናታት ክልቲኡ ህዝብታት ዘደልድል ምዃኑ ኣብ ግንዛበ ዝኣቱ እዩ።

ለ, ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ በቲ ኣቐዲሙ ምስ ኣገደስቲ ጸለውቲ ናይ ምዕራባውያን ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ክገብሮ ዝጸንሐ ርኽክባት መበገሲ ብምግባር ምስ ፍሉጣት ናይ ዞባዊ ትካላት ማእከል ዝኾኑ ምዕራባውያን ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ዓሚቕ ሃናጽን ልዝባት ኣካይዱ። እዚ ሃናጺ ርክብ እዚ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዞባዊ ጸለውቲ ትካላትን ዓለማዊ ምትእስሳራትን ኣብ ዘሰላሰሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣገዳሲ ሓጋዚ ረቋሒ ከም ዝኸውን ተገንዚቡ።

ሐ, ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ኣብ ጅቡቲ ተኣሲሮም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ጉዳዮም ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ እታ ሃገር ጽዑቕ ጻዕርታት ክገብር ዝጸንሐ ኮይኑ እንተኾነ ግና ኣብ መደምደምታ ከይበጽሐ ከሎ እዚ ሕጂ ተኽሰቱ ዝብሃል ዘሎ ተርእዮ ብደቂቕ እናተኻታተለ መዕለቢ ክርክብ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እታ ሃገርን ከባብን ጽዑቕ ጻዕርታት ኣብ ምግባር ይርከብ ኣሎ።

3, ኣብ ዜናዊ መዳይ፡

ንዜናዊ ዕማማትና ንምስላጥ ዘድሊ ዓቕሚ ሰብን መሳርሕታትን፡ ክካየዱ ዝጸንሑ ጻዕርታት ናብ ዝሓሸ ባይታ እናተሰጋገሩ ይመጹ ብምህላዎም ኣብ ቀረባ ኩሎም ዜናዊ ትካላት ብክርክርቡ ዝኽእሉ ዓቕምታትን መሳርሕታትን ክብገስ ይዋደድ ኣሎ።

4, ኣብ መዳይ መንእሰያትን ተምሃሮን፡

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንተበላሓታይ ዓቕሚ መንእሰያትና ንምልዕዓልን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ተጋድሎና ኣገዳሲ ተርኦም ክጻወቱን ምእንቲ በብግዜኡ ኣብ ኢትዮጵያ ክውደቡ ዝጸንሑ ሰሚናራት ናይ መንእሰያት እናተረኽበ መልእኽቱ ከመሓላልፍ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። ኣብ መጨረስታ ኣብ ደብረ ዘይት ኣብ ዝተጋብአ ሰሚናር እውን ዝለዓለ ልኡኽ ተረኺቡ መልእኽቱ ከም ዘመሓላለፈ ዝፍለጥ እዩ። ሕጂ እውን ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝሰላሰል ናይ ተማህሮ መኣዲ ዘተ ምስ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገርን ኣብኡ ምስ ዝሳተፉ ዘለዉ ተምሃሮን ብሓባር ብምዃን ነቲ ዝጋበኣሉ ዘሎ መድረኽ ኣብ ምምራሕን ተወዲቦም ዕዙዝ ግደኦም ክጻወቱ ኣብ ምግባርን ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ግደኡ ክጻወት ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ተምሃሮ መጋባእያ’ዚ እውን እንተኾነ እቲ መኣዲ ዘተ ብተጋድላይ ዶ/ዮሰፍ ብርሃኑ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ብዝቅረቡ ቃል ተኽፊቱ ስርሑ ጀሚሩ ይቅጽል ኣሎ።

ሽማግለ ዜናን ምልዕዓልን

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

14 ነሓሰ 2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,462,871 وقت التحميل: 0.38 ثانية