Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
18/10/1445 (26 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሲ&#48
أخبار

Public meeting About National Congress for Democratic change in Eritrea for 6-30-12[1].jpg

Zoba USA, Seattle Branch

ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሲያትል

ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ዝኸይድ ዘሎ ህጹጽ ምዕብልናታትን: ከምኡ’ውን ጉዳይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲ ለውጢ ኣብ ከተማናን ከባቢናን: ኣልዒልና ኣብ ወርሒ ግንቦት ተኸታትሊ ኣኼባታት ክንገብር ምጽናሕና ዝዝከር ኢዩ። ካብኡ ቀጺልና’ውን ግንቦት 24 2012 መበል 21 ዓመት፡ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ብደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ መንእሰያት ኤርትራ ዝተበገሰ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ምክያድ ሰላማዊ ሰልፊ ኣልዕልና ተዘራሪብናስ ምሉእ ደገፍና ዘረጋገጽናሉ ወቕቲ ምንባሩ ኣስሚርናሉ ዝሓለፍና ኢዩ።

ኣብቲ ልዙብ ኣኼባ ዘካየድናሉ ናይ ሰንበት ዕለት 27 ግንቦት 2012 ድማ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፍና። ገለ ካብቶም ውሳኔታት ብስምምዕ ዘሕለፍናዮም ንምጥቃስ ዝኣክል፡

1) ንጥፈታት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ መዝገብ ናይ ኣባላት ክቐውም፡

2) ቀዋሚት ጨንፈር ሽማግለ ሲያትልን ከባቢኡን ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲ ለውጢ ክትቀውም፡

3) ብጊዝያዊት ጨንፈር ሽማግለ ሲያትል ናይ ኤርትርዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሰፊሕ ኣኼባ ናይ ሓፋሽ ተቓውሞ ክጽዋዕ፡ ነዚ ንምስላጥ ድማ በብከባቢና ንዘለዉ ተቓወምቲ ክንሕብር ኵላትና ሓላፍነት ንሰከም ክብል እንከሎ እዚ ከኣ ጊዝያዊት ሽማግለ መደብ ክትገብረሉ እቲ ኣኼባ ሓላፍነት ክትወስድ ተላብይዋ።

4) ጊዝያዊት ሽማግለ ጨንፈር ሲያትል ብዝቐረበላ ለበዋ መጠን ንምጽዋዕን ንምዝኽኻርን ምእንቲ ክምችእ ብጀኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ ተጠዓዒሙ ኣብ ሸውዓተ ስፍራታት ከፋፊላቶ ኣላ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰፈር ድማ ጸዋዕትን ኣዘኻኸርትን ተመዲቦም ኣለዉ። ኣስማቶም ድማ ብስልኪ ወይ ብኢመይል ክትራኸቦም ኢያ።

5) እኹል ተደላይነታት እንተድኣ ተማሊኡ ቀዋሚት ሽማግለ ጨንፈር ሲያትልን ከባቢኡን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲ ለውጢ ኣብዚ ዕለት’ዚ ክትቀውም ምዃና ንሕብር።

6) እቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባና ዝቐረበ ጠለብ ማለት መምርሒታት ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲ ለውጢ ኣብ ኢድ ጊዝያዊት ሽማግለ ጨንፈር ሲያትል በጺሑስ ናብ ኵሎም ኢመይል ኣድራሻ ዘለና ኣቐዲሙ ከምዝተላእከ ንሕብር።

7) ኣብ መደምደምታ ኣኼባ ድማ ንቀዳም ዕለት 30 ሰነ 2012 (6/30/2012) ሰዓት 4፡00 ድ.ቀ. ሰፊሕ ኣኼባ ክግበር፡ ብስምምዕ ተወሲኑ።

ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ፡

ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ሲያትልን ከባቢኣን

ኣኼባ ዝካየደሉ ዕለት፡ ቀዳም 30 ሰነ, 2012፡

ኣኼባ ዝጅመረሉ ሰዓት፡ 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ

ብድሓን ንምጻእ ኣብኡ የራኽበና

ጊዝያዊት ሽማግለ ጨንፈር ሲያትል

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲ ለውጢ

ሰነ 10, 2012 (6/10/2012)

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,447,485 وقت التحميل: 0.23 ثانية