Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
18/10/1445 (26 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ብምኽንያት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደ&#467
أخبار

ERITREAN DEMOC Front.jpg

መግለጺ

ብምኽንያት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ

ኣብ ተጋድሎ ውጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ ዓለም 08 መጋቢት 1910 ፍሉይ ዝኽርን ዝናን ዘለዋ ታሪኻዊት ዕለት’ያ፡፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ንዘመናት ዝበጽሕ ዝነበረ ኩሉ መዳያዊ መሪር ደርባውን ጾታውን ወጽዓታት ተቐንጢጡ መሰልን ክብርን ንምርግጋጽ፡ ልዕልነት ደቂ-ተባዕትዮ ተሳዒሩ ምዕሩይ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ሓርነታት ንምውሓስ፡ ድሑር ባህላውን ያታውን ልምድታት ተማሕዪ ስልጡን ደሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ንምንጋስ፡ ዘይሕለል ቃልሲ ዝተካየደላ ዕለት ብምዃና ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት እናተዘኸረት ክትነብር ጸኒሓ ኣላ። እቲ ብከቢድ ዋጋ መስዋእቲ ምዑታት ደቂ-ኣንስትዮ ዝተተለመ ተጋድሎ፡ ኣብ ምልክት ቃልስን ጽንዓትን ተሰንዱ፡ እነሆ ንልዕሊ ሓደ ክፍለ-ዘመን ተሰጋጊሩ፡ ኣብ መላእ ዓለም ወትሩ ብዝኽሪ እናደመቐ፡ ብጽንብል ዓወታት’ውን እናማዕረገ 08 መጋቢት 2012 ንመበል 102 ግዚኣ ነብዕለላ ዓመት በጺሕና።

ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ’ውን ኣብ ሙሉእ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ደቂ-ተባዕትዮ ኣሕዋተን ተሰሊፈን ንሃገራዊ ነጻነት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ዝተማልአ መሰልን ሓርነትን ማዕርነትን ዘካየድኦ ዘኩርዕ ተጋድሎን ቅያን ጽንዓትን ናይዚ ዓሚቕ ትርጉም’ዚ መቐጸልታ’ዩ ነይሩ። ሰብ-ብርኪ ናይቲ ብደቂ-ኣንስትዮ ዓለም ዝተዓተረ ረዚን ክብርታት ብምዃኑ ከኣ፡ ኣብ’ቲ መስተንክራዊ መዝገበ-ታሪኽ ዓለም ክስነድ ዝበቕዕ ሰነደ ድርሳን-ተጋድሎ፡ ኣብ ፍሉይ ምዕራፍ ክሰፍር ዝኽእል ታሪኻዊ ጅግንነት ኣመዝጊበን’የን፡፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ነጻነታዊ ቃልሲ ዘመዝገብኦ ኩሉ እንተናዊ መስተንክራዊ ተጋድሎ፡ ምንጪ ሓበንናን መሰረት ኩርዓትናን ብምዃኑ ከኣ ካብ ጽላት ማዓሙቕ ልብና ክብለል ዘይኽእል ጹሩራ ኤርትራዊ ሃገራውነትና’ዩ፡፡

ሕማቕ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ሓርነታዊ ሰውራ ህዝቢ ኤርትራ ንዘንቀዶም መሰረታዊ ዕላማታት ብምብርዓን፡ ሕድሪ ስውኣት ረጊጹ መብጽዓታቱ ሓሺሹ፡ ፍጹም ኣግላልን በሓትን ፖለቲካዊ ስልጣን ምስ ጨበጠ፡ ብውጽኢቱ ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብከቢድ መስዋእተን፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝበረቐት ጸሓይ ብኣግኡ ክትዓርብ ገበረ። እቲ ልሉይ ታሪኻዊ ምዕራፍ ብክሕደት ተዛዚሙ፡ ኩሉ’ቲ ብቃልሰን ዝዓተርኦ ዓወትን መኽሰባቱን ሃጒጉ፣ ዳግማይ ብኣርዑት ጭቆና ደቂ-ሃገር ተቖሪነን፡ ንካልእ ሓድሽን ዝኸፍአን መልክዕ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ወጽዓታት ክሳጥሐ ኮይነን እየን። ስለዝኾነ ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኩሉ’ቲ ብርቱዕ ፍረ ቃልሰንን ጻምአንን ተጠሊሙ፡ ሰብኣዊ ክብረን ብዘዋርድ መልክዕ፡ ዳግማይ ንመሪር ደርባውን ጾታውን ምዝመዛ ተሳጢሐን ሓሳረ-መከራ ይርእያ ምህላወን ናይ’ዚ ዝኽሪ በዓል ካልእ መሪር ቃንዛ ምዃኑ’ዩ።

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብዋጋ ጸረ-ህዝብን ሰላምን ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ኣብ ዘሳወሮ ተደጋጋሚ ኲናት ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ቅድመ-ግንባር ክስለፋን ግዳይ ናይቲ ውግእ ክኾናን ተገዲደን’የን። ካብኡ ዝኸፍአ’ውን ልክዕ ከምቲ ኣብ ጊላዊ ሕ/ሰብ ዝርአ ዝነበረ፡ ብስም “ሃገራዊ ኣገልግሎት”ን “ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ”ን ኣብ ባርነታዊ ሂወት ተጸሚደን፡ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላተን ከም ሕሱም ተረጊጹን ይርገጽን ምህላዉ ካብ ማንም ስውር ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ማሕዩር ወተሃደራዊ መኮንናት ካብ ምዃን ጀሚሩ ክሳብ ብኣስገዳድ መርወዪ ጾታዊ ድሌታቶም ክጥቐሙለንን ብተላብዲ ሕማም ኢች-ኣይቢ-ኤድስን ክልኸፋን ይግደዳ ኣለዋ። ካብኡ ንላዕሊ’ውን ንኤርትራዊ ባህልታት ዘነውርን ንክብሪታት ደቂ-ኣንስትዮ ዝግህስን ካብ ፍቶተን ወጻኢ ንእንግዶት ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ከም ህያብ ዝብርከታ፡ ከይፈተዋ ንብልሽውና ይኹን ንዘይተደልየ ጥንስን ሕርስን ገንሸል ዝኾና ኣሓትና ምህላወን ኣብዚ እዋን’ዚ ምስጢር ኣይኮነን። ብሰንኪ’ዚ ለይቲ ምስ መዓልቲ ዝነብዓን ናብ ሰደት ክውሕዛ ዝግደዳን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ፍጹም ውሑዳት ኣይኮናን። ኣብ ሰደት ዘጋጥመን ዝተፈላለየ ጸገማት፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከሰጋገራ ኩሊተን ዝስረቓ፡ ኣብ ፍቆዶ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ሂወተን ዝሰኣና’ውን ቁጽረን ቀሊል ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ።

ብርግጽ እዚ መሪር ክውንነት’ዚ ኣብ ቦትኡ ከሎ ግን ኣብ ኤርትራ ንመሰልን ሓርነታትን ማዕርነትን ደቂ-ኣንስትዮ እጣበቕ’የ ብዝብል ትጭድር <<ሃገራዊት ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ>> ትስየም መጋበርያ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምህላዋ ዝፍለጥ’ዩ። እዛ ማሕበር’ዚኣ ካብ ተመስረተትሉ እዋን ኣትሒዙ ተልእኾ ናይቲ ስርዓት ካብ ምፍጻም ወጻኢ ሓንቲ መዓልቲ ንኩሉ’ቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዝበጽሕ ኩሉ-መዳያዊ ጨካን ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ውጽዓታት ኣሽንኳይ’ዶ ክትጣበቕ ብጩቕ ክትብል’ውን ኣይትስማዕን’ያ። ሃገራዊት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንርኡይ ግፍዕታትን ግህሰታትን ደቂ-ኣንስትዮ ፍጹም ጥብቕና ከምዘይብላ ብዙሕ ጭብጥታት ምቕራብ ይኽኣል’ዩ። ንሎሚ ግን እታ ኩነታት ኤርትራ ኣጽሊእዋ ብ04 ለካቲት 2012 ዶብ ክትሰግር ሽውዓተ ኣድራጋ ጥይት ኣብ ዝባና ብድሕሪ ምዕራፉ መዛረቢ ብርክት ዝበሉ መርበብ ሓበሬታታት ኤርትራን ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜናን ኮይና ዝወረሐት ውጽዕቲ መንእሰይ ራሄል ቀሺ በራኺ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰብኣዊ ሞራልን ሓልዮትን ክልገሰላ ከሎ ካብ ሃገራዊት ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ቅንጣብ ፍቅርን መግለጽን ምስኣና እኹል ኣብነት ምዃኑ የረጋግጽ።

ብዝኾነ ነዚ ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ’ዚ ክንዝኽር ከለና፡ ካብቲ ዕለት’ቲ ጀሚሩ ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ ብደቂ-ኣንስትዮ ዝተካየደ ተጋድሎን ዝተረጋገጸ ዓወታትን ክንሕበን ግድነት’ዩ ዝኸውን። ከምኡ’ውን በቲ ኣብ መስርሕ መሪር ነጻነታዊ ቃልሲ ብደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዝተራእየ ጅግንነትን ቅያታትን ክንኮርዕ ዘይተርፍ’ኳ እንተኾነ፡ በዚ ሕጂ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊአን ዝበጽሕ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ዳግማይ ወጽዓታትን ግፍዕታትን ክንቁጣዕ ድማ ባህርያዊ ጉዳይ’ዩ። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤደግ) ኣብ ሃገርና መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ከም ዝቓለስ ፖሎቲካዊ ሓይሊ መጠን፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ውጽዓታትን ግህሰታትን እናኾነነ፡ ነቲ ምእንቲ መሰልን ሓርነትን ማዕርነትን ንምርግጋጽ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ብኣሓትና ዝግበር ዘሎ ኩሉ-እንተናዊ ተበግሶታትን ንጥፈታትን መትከላዊ ደገፉቱ ከረጋግጽ ይፈቱ። ኣብ ኤርትራ ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ምሉእ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክረጋገጽ ከምዘይኽእል ካብ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ብምብጋስ ከኣ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ንመሰለን ቃልሰን ከበራትዓ ይጽውዕ።  

ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ንዘለ-ኣለም ተኸቢራ ትንበር!!

ዓወት ንፍትሓውን ማዕርነታውን ቃልሲ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ!!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤደግ)

    08 መጋቢት 2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,437,997 وقت التحميل: 0.21 ثانية