ወይለኻ ከዳዕ ወይኺ ጠላም
ብ.ገብረሚካኤል ሃብተጽዮን (ቆሪጀ) ሃገር
ጀርመን)
ክሳብ ማዓስ ክበሃለለይ ዕበጦ ዕበጦ
ንኣሕዋትና ኣሓትና ኮላሊቱ እንዳሸጦ
ይበራበር ድቃስ ዝወሓጦ
ዝጃጀወ ሕመቕ ዝጸቀጦ
እንተሰምዓካ ቀንጥዎ ቆርጥጦ
ኣብ ልቡ ተተመልሰ እንተተሰወጦ
ተግባራቱ ኣጋልጾ ዘይፈለጠ ክፈልጦ
እምቢ እንካብ በለ ሕልንኡ ካብ ሸጦ
ነዞም ጸረ ህዝቢ ወይጦ መይጦ
ነቂስካ ኣውጽኣዮም ብወረጦ
ህዝቡ እንዳ ተሳቐየ ንዘይዓጦ
ምስ ስርዓት ህግደፍ ኣሕቢርካ ቀጥቅጦ።
ሕጊ ኣልቦ ንኩሉ እንዳረገጸ
ኮላሊት ኣሕዋትና ኣሓትና እንዳ ተቖርጸ
ብኤረትራውያን መንእሰያትና ሎሚ ዘይደንገጸ
ኣብ ማሕበረ ኮማት ኮይኑ እንተወርጸጸ
ኣብ ፓልቶካት ኮይኑ ተላገጸ
ጥዑም ናብራ እንዳ ሕለፈ ዝተመረጸ
ሃገር ማዕቢላያ ዝብል ህዝቡ እንዳ ተረግጸ
ኣብ ቅርዓት ወጺኡ ዘይኮነነ ዘየድመጸ
ኩሉ ሓላፋዩ ሕጂ ተጋየጸ
ዳርጋ ዝሞተዩ ዝተቀበጸ።
ብተመልከተለይ እንዳ ረሽረሾም በድራጋ
ንሃገር እንዳ እተዋ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ
ብሓባር እንዳ ጽነቶም ደቂ ቆላ ደጋ
ንሰለስተ ባኒ እንዳ ተሰርዑ ሪጋ
ህዋሳቶም እንዳሸጦ ከም ናይ ጉዚ ስጋ
ክሳብ ማዓስ ኢኻ ላንጋላንጋ
ኣይምብርኸክን የ በሎ ኤረትራዊ ዜጋ።
ይቅል
ዓወት ንውጸዕ ህዝብና
ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ሞት ንጠለምቲ ሕድርን ውሻላቱን
|