ሰላማዊ ሰልፊ
ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት
ንዓርቢ ዕለት 16 መስከረም 2011፡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ህግደፍ፡ ኣብ ፍራንክፎርት ኒደራድ ኪካየድ
ተመዲቡ ኣሎ።
ህዝብና፡ ካብ ዘለዎ ሕሰም ምእንቲ ኪናገፍ፡ ባዕሉ ብቕልጽሙን ሓድነቱን ይምክት ኣሎ።
ካብ‘ዚ ብምብጋስ ድማ እታ ስርዓት ህግደፍ ብመራሒኡ ኣቢሉ ዝኣወጃ ዕለት 18 መስከረም
2001፡
ካባ ዲክታቶርነት ብዕሊ ዝለበሰላ መዓልቲ ስለ ዝዀነት፡ ኣብ ስደት እንርከብ
ኩላህና ብሓበራ
1.
ቅትለትን ምህዳንን መንእሰያት ንኹንን
2.
ፍትሕን ሕግን ኪነግስ ህግደፍ ይተኣለ
3.
ናይ ፖለቲካ እሱራት ብዘይ ቅድመ ኵነት ይፈትሑ ……..
እናጨራሕና ኣብ‘ቲ ብኹለን ተቓወምቲ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ክፍጸም ተወሲኑ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓባር ክንካፈል ንጽውዕ።
ንዕለት 16.
09. 2011 ቀዳም ሰዓት 10
ቅድሚ ናብ‘ቲ ቦታ ምብጻሕና እንራኸበሉ፡ ዋና መዕረፍ ባቡር ከተማ ፍራንክፎርት ኪኸውን ተወሲኑ
ኣብ መዕረፍ ባቡር ኒደራድ‘ውን ሰዓት ዓሰርተን ፈረቓን ከምትርከቡ ይኹን
ሰላማዊ ሰልፊ፡ ሰዓት 11 ቅ.ቀ. ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ቆንስል ህግደፍ
Lyoner Str. 34, - 60528
Frankfurt am Main
ክከየድ እዩ።
ብብዝሕን ኣብ ሰዓቱ ክትርከቡን ተስፋና ደረት የብሉን
ቀጻሊ ሓበሬታ ምስ ዘድሊ ኣብ 015772599572
ናይ
ሓባር ኣዳላዊት ሽማግለ
ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፈርት
ዕለት 24.08.2011
|