Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
18/10/1445 (26 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
መግለጺ ሓዘንመስዋእቲ ተጋዳላይ &#4819
أخبار

Alaince 1.jpg

መግለጺ ሓዘን

መስዋእቲ ተጋዳላይ ዓብደላ እድሪስ መሓመድ

ABDALL IDRIS.jpg

ተጋዳላይ ዓብደላ እድሪስ መሓመድ ብሕማም ምኽንያት ትማሊ ዓርቢ 29 ሚያዝያ 2011 ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈልዩ ኣሎ።ተጋዳላይ ዓብደላ እድሪስ መሓመድ ዕድሚኡ 21 እንከሎ ብ1965 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ምስ ተሰለፈ ካብ ተራ ተጋዳላይ ክሳብ ዝለዓለ ጽፍሒ ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ሓላፍነት ዝተሰከመ ሓርበኛ ተጋዳላይ’ዩ ነይሩ። ብድሕሪ’ቲ ብ80ታት ኣብ ተሓኤ ጀብሃ ዘጋጠመ ምፍንጫላት ከኣ፡ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክሳብ ሚያዝያ 2011 ብኣቦ መንበርነት ክመርሕ ዝጸንሐ ሓደ ካብቶም ልሉያት ነባራት (ገዳይም) ተጋደልቲ መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ’ዩ ነይሩ። ብድሕሪ ምርግጋጽ ነጻነት ኤርትራ’ውን እንተኾነ፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ጸረ ምልካዊ ስርዓት ህገደፍ ኣብ ዝቐጸለ ፍትሓዊ ቃልሲ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምፍታሕ ከይተሓለለ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ዝተቓለሰ ሓርበኛ’ዩ ነይሩ። ኣብዚ’ውን ብጸረ ህዝቢ ጨፍጫፊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ንምቅንጻሉ ዝተገብሩ ፈተነታት ከፍሽልን ቃልሱ ብትብዓት ዝቐጸለን መራሒ’ዩ ነይሩ።ብ1999 ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ብ10 ውድባትን ሓደ ሃገራዊ ውልቀ ሰብን ኣብ ዝተመስረተሉ ህሞት ሓደ ካብቶም ነዚ ስፊሕ ሃገራዊ ግንባር’ዚ ክምስረት ኣገዳሲ ተራ ካብ ዝተጻወቱ መርሕቲ’ዩ ነይሩ። ቀዳማይ ኣቦ መንበር ናይቲ ሽዑ ዝተመስረተ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ኮይኑ’ውን ሓደ ካብቶም ብተወፋይነት ግዲኡ ዘበርከተ መራሒ’ዩ ነይሩ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብመስዋእቲ ጅግና ተቓላሳይ ዓብደላ እድሪስ መሓመድ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንመላእ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ስድራ ቤቱን ኣዕርኽቱን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

                          ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

                            30 ሚያዝያ 2011  

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,446,965 وقت التحميل: 0.22 ثانية