Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
22/01/1446 (28 يوليو 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF
ትልሚ ሓሳብን ለበዋን ንሃገራዊ ዋ&#482

ትልሚ ሓሳብን ለበዋን ንሃገራዊ ዋዕላ

ሎሚ ኪዳን፡ ቅድም ምሕዝነት ዝነበረ ስሙ ኣብ 1999 ዝተፈጥረ ምትእኽኻብ ኮይኑ፡ ብናይ ኩለን ተቓዎምቲ ስርዓት ህግድፍ ዝቖመ እዩ። ኪዳን ብዓይነት ንኹሉ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ዝውክል፡ ብሚዛን ኣሰራርሓ ግን ንልቢ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምስጥ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝካሰስ፡ ኣብ ኣኼባ ጥራሕ ዝራኸብ ኮይኑ ኣብቲ ወሳኒ ስራሕ ስርዓት ኤርትራ ምቕያር ግን ናብ ስልጣን ዝጓየይ ሕድሕዳዊ ዝቀናጸል ዘይኑጹር መሓውር ዘለዎ ግንባር ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ኪዳን ድኽመታቱ ተረዲኡ ወይ ውን ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ ሰሚዑ ናብ ሓድሽ መድረኽ ንኽሳጋገር ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንኸጋብእ ይሸባሸብ ኣሎ። እዚ ናይ ጽባሕ ዋዕላ ንኽግበር ብኣባላቱ ይኹን ብበርጌሳዊ ማሕበራት ከምኡውን ብገለ ገለ ክፋላት ህዝብና ብዙሕ ናይ ሕቶታት ምልክት ተገይሩሉ ኣሎ። እምባኣር ዋዕላ ዕውት ኮይኑ ንኽወጽእ ብመጀመርያ እቶም መሰረታዊ ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ ኣዳቒቕና ክንፈልዮም ይግባእ። ገለ ካብቶም መሰረታዊን ዓበይትን ጸገማት ካኣ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

ቀዳማይ፡ ህላወ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ

ካላኣይ፡ ሃይማኖታውን ከበሳን መታሕትን ዝብሉ ፍልልያት

ሳልሳይ፡ ፍልልያት ታሪኽ ተሓኤን ህግሓኤ

ራባዓይ፡ ብሄራውን ማሕበራውን ፍልልያት

ሓሙሻይ፡ ኣገባብ ምሕደራ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግድፍ ዝብሉ ክዝርዝር ክፍትን እየ።

ቀዳማይ፡ ህላወ ስርዓት ህግደፍን ንሱ ዝገብሮ ዘሎ ዓመጻውን ናይ ህዝብን ሃገርን ምጽናት ሎሚ ብዙሕ ትንተና ዘይድልዮ ህዝቢ ኤርትራ ዳርጋ ልዕሊ 90% ተስዓ ካብ ሚእቲ ዝሰማማዓሉ ኣርእስቲ እዩ። ምናልባት ነዚ ስርዓት እዚ ንምእላይ እንታይ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ንኽተል ዝብል ሓሳብ ኣገዳስን ቀንዲ ሮቓሕን ኮይኑ ይራኣየኒ። እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ውሽጢ ናጽነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተኸዊሉን ተሓቢኡን ብምጽናሕ ብሓይሊ ማለት ብዘይ ፍቶት ደቂ ሃገርን ብዘይ ምርጫን ኣብ ኮረሻ ስልጣን ብኢደ ወነንኡ ተሰቒሉ ንህዝብን ሃገርን ዘጽንት ዘሎ ሓይሊ እዩ ክባሃል ይካኣል። ብቐንዱ ኻኣ ባህልን ውርሻን ህዝቢ ኤርትራ ኣጥፊኡ ንህዝቢ ናብ ዓበይቲ ፍልልያት ነቒቱ ናብ ዘይህላወን ቀጻልነትን ሃገር ዘምርሕ ዘሎ ሓይሊ እዩ። እምባኣር እዚ ሓይሊ እዚ ብፍላጥን ብምርጫን ዝገብሮ ዘሎ ዓመጻት ኩሉ ናይ ሰላም ፈተነታትን ትዕግስትን ተጸንቂቑ ባሃላይ እየ። ተቓዎምቲ ሓይልታት ስጋብ ርፍረንዶም ብሰላም ተጸብዮሞ፡ ምንቅስቓስ ሰራዊት ብ1993 ብሰላም ፈቲኖም፡ ጉጅለ 13 ብሰላም ፈቲኖም፡ ጉጅለ 15 እውን ብሰላም ፈቲኖም ኣብ እስር ቤትን ሞትን በልዮም ይርከቡ። እዚ ሓይሊ ህግደፍ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ቀዳማይ ጸላኢ ኻኣ ብሓይሊ ብረት ዝተሓዎሶ ቃልሲ እንተዘይኮይኑ ብዘተን ብሰላምን ስርዓቱ ኣየረክብን እዩ። ህግደፍ ኩሉ መሰረቱን ጸጥታውን ስርርዓውን ትካላቱን ብስሩ ክብቖስ ዘሎዎ ስርዓት እዩ። ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ክኣ ህግደፍ ኔረ ንዝብል ኣብ ሕብረተ ሰብና ነውሪ ከምዝገበረን ከምዘይጽወርን ክረአ ኣሎዎ። ብጠቕላላ ኣብ ህልቂት ህዝብና ኢዱ ዝሓወሰ ኣብ ቤት ፍርዲ፡ ህዝቢ ብዝተኸሎ ስርዓትን ትካልን ክፍረድ ይግቦኦ። ስለዚ ብሓይሊ ብረትን ካልእ ኩሉ መዳያዊ ቃልስን ክካየድ እምበር ዘተን ጽገናን ዝብሉ ፖለቲካዊ ላግጺስ ጌና ጽዋእ ናይዚ ስርዓት እዚ ዘይመሮሮምን ወይ ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ምልክን ዓብላልነትን ፈላለይትን ዝብልዎ ኣባሃህላታት ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል።

ካላኣይ፡ ሃይማኖታውን ከበሳን መታሕትን ዝብሉ ፍልልያት ቀንድን መሰረታውን ሕዱር ሕማማት ኮይኖም ካብ ኣርባዓታት ጀሚሩ ስጋብ ሕጂ እንዳላሓኾን እንዳዓበየን ክቅጽል ዝጸንሐ ጸገም እዩ። ብመሰረቱ ገዛእቲ ሓይልታት ዘተኣታተውዎ ኮይኑ ብፍላይ ካኣ ህዝባዊ ግንባርን ህግደፍን ነዚ ፍልልያት እዚ ውሽጢ ውሽጢ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ናይ ፍልልይ ኣምር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዘይተጽንዐ ግን ካኣ ሓፈሻዊ ቅቡል ዝኾነ 50% ሓሙሳ ካብ ሚእቲ ኣስላም 50% ሓሙሳ ካብ ሚእቲ ኻኣ ክርስትያን ዝኾነ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምፍልላይ ሓድነቱ ዝመረጸ፡ ኣብ ግዜ እንግሊዝ ህዝቢ መታሕት ካብ ንሱዳን ምጽንባር፡ ምስ ህዝቢ ከበሳ እሕዋቱ ብፈደረሽን ምንባር ዝመረጸ፡ ህዝቢ ከበሳ እውን ካብ ኣንድነት ማሕበር ተገላጊሉ፡ ምስ ህዝቢ መታሕት ንነጻነቱ ክቃለስ ዝመረጸ ህዝቢ እዩ። ኤርትራ ከም ሃገር ክትነብር እንተኾይና ህዝቢ ከበሳን መታሕትን ኣስላማይን ክርስትያንን ከም ደቂ ሃገር መጠን ተኸባቢሮምን ስልጣን ተማቓቒሎምን ሃገሮም ከማሓድሩ ጥራሕ እዩ እቲ ዝበለጸ ምርጫ። ህዝቢ ኤርትራ ክርስትያን ዝነበረ ዝመስለመን ኣስላማይ ዝነበረ ዝኸስተንን ብወሎዶን ብዓሌትን ዘይፈላለ ሓደ ዓይነት ህዝቢ እዩ። ንኣብነት ኣነ በቲ ቁሩብ ታሪኽ ኣንቢበ ዝተረዳእኹዎ ንምጥቃስ ህዝቢ ማርያን ቤት ኣስገደን መስሓልን ሰንሒትን መንሳዕን ሓለንጋን ካብ ህዝቢ ከበሳ ዝወረዱ እዮም ይባሃል። ህዝቢ ብጃን ከበሳን ካኣ ካብ በገምድር ዝተቀሳቐሱ እዮም እውን ይባሃል። ኩሎም ህዝቢ ከበሳ ኣግኣዝያን ሳባውያን ከምኡውን ቤን ዓምርን ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፈረዩን ዝተዋለዱን እዮም። ኣብ ከበሳ ከባቢ ኣከለጉዛይ ብፍላይ ሸውዓተ እንጋናኣ ኣሕዋት ማርያን መንሳዕን ጦርዓንን ሓዞን ምኻኖም ባዕላቶም ዋናታቱ ዝፈልጡዎ እዩ። ህዝቢ ኣከለጉዛይ ምስ ደንከልን ሰምሃርን ንዘበናት ተፋቒሮም ይነብሩ ኣሎው። ኩሉ እገላ ሓመስን ተድረርን ዝባሃል ኣብ ኣከለ-ጉዛይ ካኣ ካብ ኣስላም ዝተዋለዱ እዮም እውን ይባሃል። ህዝቢ ሓማሴንን ሰንሒትን እሞ ኻኣ ስጋብ ሕጂ መውሱቦታት ዝቕጽል ዘሎ ሕውነት ኣሎዎም ከምኡውን ምስ ባርካ ብሕውነታዊ ጉርብትና ብሰላም ይነብሩ ኣለው። ህዝቢ ሰራየ እውን ምስ ጋሽ ባርካ ብሰላማዊ ጉርብትና ይናበሩ ኣለው።ካብ ዝጠቐስኩዎ ንላዕሊ ሕውነትና ዝብርህ ከምዘሎ እንዳኣመንኩ ንዋናታት ታርኽ ይገድፈሎም። ኣብዚ ከስምረሉ ደልየ ዘለኹ ኤርትራዊ ኣስላምን ክርስትያን ንነዊሕ ዝዘልቐ ሕውነት ኣሎዎም ንምባል እዩ። ኩሉ ሰብ ሃሃይማኖቱ ኣኺቢሩ ኤራትራውነት ዝላዓለ ቦታ ኣትሒዙ፡ ቅዋም መንባበሪ ሓንጺጹ ተኻባቢሩ ንኽነብር ካልእ ምርጫ የብሉን ባሃላይ እየ።

ሳልሳይ፡ ፍልልያት ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ቅድም ብውግእ ሕድሕድ ቀጺሉ ኻኣ ብማሕበራውን ፖለቲካውን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ሰሪጹን ሰሊኹን ንህዝቢ ኤርትራ መቓቒልዎ ይርከብ። ታሪኽ ጌጋታት ይሃልዎ ሓቅታት ይሃልዎ ብዘይገድስ፡ ታሪኽ ከም ታርኽ ክንማሃረሉ ድኣ ይግባኣና እምበር ከም መንነት

IDENTITY ክታሓዝ ዘሎዎ ነገር ኣይኮነን። እዚ ናይ ጀብሃን ሻዕብያን ከም SCHOLAR መርማሪ መስመር ክታሓዝ ይብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ንታሪኽ ገዲፉ ሓድሽ ዘመናዊ ቃልሲ እዩ ከተኣታቱ ዝግቦኦ። ኣብ ትንተናታት ታሪኽ ጀብሃን ሻዕብያን ክንነብር እንተኾይና ኩሉ ናቱ ኣሉታውን ኣዎንታውን ገጻት ክህልዎ እዩ። ሎሚ ግድፍዶ ታሪኽ ጀብሃን ሻዕብያን፡ ኪዳን እውን ክም ታሪኽ ሰጊርና ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ስርርዓዊ ኣገባብ ቃልሲ ኢና ክንኣቱ ዘለና። እዚ ዋዕላ ናይ ሎሚ ኻኣ ህዝቢ ማእከሉ ገይሩ፡ ናይ ስልጣን ውድድር ንድሕሪ ህግደፍ ምውዳቕ ኣወንዚፉ፡ ሓደ ሃገራዊ ሰራዊትን፡ ሃገራዊ ባይቶን፡ ፈጻሚ ኣካልን ኣቒሙ፡ ናይ ቅዋም ሽማግለ መዚዙ፡ ተቓውሞ ግንባር ብሓደ ቁጠባን ዜናን ዲፕሎማስያውን ዝምእኸል፡ ሚዛኑ ከቢድ፡ ብዓለም ለኸ ዝድገፍ ስርዓት ዝትክእ፡ ፖለቲካዊ ስርዓት ክንተክል ይግባእ። ሕምቀት ጀብሃን ክፋእ ሻዕብያን ሎሚ ስንቂ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ግርህና ጀብሃን ቶንኮል ሻዕብያን ሎሚ ከም ቅዲ ክንደግሞ የብልናን። ንሕና ውጺኢት ናይቲ ዝሓለፈ ቁኑዕን ጌጋን ታሪኽ ስለ ዝኾንና፡ ሎሚ ካብኡ ዝሓሸን ዝበለጸን ፍትሓውን ማዕርነታውን ዘውሕስ ኣገባብ ቃልሲ ክንኽተል ይግባኣና።

ራብዓይ፡ ብሄራውን ማሕበራውን ፍልልያት ብዝምልከት ምስ እዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ተዛሚዱ ዝኸይድ ብጣዕሚ ተገራጫውን ተሃዋስን ኣርእስቲ እዩ። ናይ ብሄራት መሰላት ብዝብል ነጥቢ እሞ ስጋብ ተነጽሎ ብዘስምዕ ኣበሃህላታት፡ ብፖለቲካዊ ሓቅን ብደምክራስያዊነትን ኣባሃህላ ኣብ ቦቱኡ ከሎ፡ ብፍሉይነት ኣብ ሃገረ ኤርትራ ኩውንነት ግን፡ ነዚ ሕቶ እዚ ናብ ጥርዙ ዘብጸሖ ህሞት የለን። ምኽንያቱ እዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዓመጽ፡ ብርግጽ እቲ ዓመጹ ብማዕርነት ኣይዓደሎን ክባሃል ይካኣል እዩ። ኣብ ልዕሊ ምስልምና ይኹን ብሄረ ኩናማ ዘሎ ግፍዒ ሓለፋታት ኣሎዎ። ኣብ ህዝቢ ከበሳ እውን እንተኾነ ካብ ኣውራጃ ናብ ኣውራጃ ይፈላለ እዩ። ብጠቕላላ ግን ዝፈትዎ ብሄርን ኣውራጃን ዘሎ ኣይመስለንን። ብርግጽ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝላኣኽዎን ዘገልግልዎን እንተረኺቡ ንግዝያዊ ረብሕኡ ሓለፋ ፍቕሪ ይህቦም ይኸውን። ብዝኾነ ግን መራሒ ህግደፍ ነቲ መግለጺ ዲክታቶርያውነት ኣኺሉ ስለዝሓለፎ፡ እሞ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዓመጽ ብሄራዊ ጉጅለ ፍሊኻ ዘይኮነስ መላእ ሃገር ኣብ ዓጽረ ሞት ትሳሓግ ኣላ። ብርግጽ ሃገራዊ ሓድነት ክባሃል ከሎ ብኣስገዳድ ወይ ውን ብተጽዕኖ ዘይኮነስ ብፍትወት እዩ ክኸውን ዘለዎ። ብሄራዊ ጭቖና ኻኣ ምስ ምትካል ቅዋማውን ደሞክራስያውን ስርዓት ዝምለስ ሕቶ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኻኣ መፍቶት እዚ ስርዓት ህግደፍ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ቀቢላን ተፈላልዩ መንቀሊኡ ብዘይፈልጦ ኣብ ህልኽ ተኖቒቱ ይርከብ። ብዛዕባ እዚ ፍልልያት እዚ ለይትን መዓልትን እንዳተዛረብካ፡ ብጉዳይ ሃገርን ሓባራውን ማእከላውን ፍታሕ ክትዛረብ ኣሸጋሪ እዩ። እንተኾነ ግን እዚ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ቀቢላውን ላሕኹታት ምስቲ ንቕይሮ ስርዓት ህግደፍ ይበልየልና ይኸውን እዩ እሞ፡ እዚ ዋዕላ ናይ ጽባሕ ወሳኒ ዕርቅን ፍታሕን ምርድዳእን ሒዙ ክወጻልና ኩሉና ለበዋታትና ንጠርንፍ ብሃላይ እየ።

ሓሙሻይ፡ ኣገባብ ምሕደራ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ዝብል ኣምር፡ ናይ ግድን ዓቢ ኣርእስቲ ክኸውን ዝግበኦ እዩ። ንምኻኑ ቅዋማውን ኣብዘሐ ሰልፍን ብሕጊ ዝሰርሓሉ እንተተረጋጊጹ ብዙሕ ኣካታዒ ኣርእስቲ ኣይክኸውንን እዩ። እቲ ማእከላዊ ስርዓት ዶ ዘይተማእከለ ስርዓት ዶ ዋላስ ፈደራላዊ ስርዓት ዝብሉ ሓሳባት ናብ ረጽሚ ዝወስድ ኣይመስለንን፡ ዳሓር ካኣ ብዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ብዘሳትፍ ዋዕላ ክትግበር ዘሎዎ ባሃላይ እየ። ንግዚኡ ግን ነቲ ዘይምእኩል ኣገባብ ምሕደራ ዝብል ከም ማእከላዊ ፍታሕ ዝበዝሓ ተቓውሞ ውድባትን ፓርትታትን ምንቅስቓስን ተሰማሚዐናሉ ኣሎዋ። ብሓፈሽኡ እዚ ኣርእስቲ እዚ ነታ ናይ ቅዋም ሽማግለ ተጽንዕ ክግደፍ ዘሎዎ ኣርእስቲ እዩ። ኣብዚ ዋዕላ እዚ ክትግበር ዘሎዎ ነገር እንተልዩ መሰጋገሪ ስርዓት ክቐውም፡ ፍልልያትና ብማእከላዊ ነጥቢ ክነቃራርቦ፡ ኩሉ ዓቕምታትና ኻኣ ነዚ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ክነዋሃህድ እዩ።

መደምደምታ ሓሳብ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከም ሽሙ፡ ኪዳን ብቡዝሕ ፍልልያት ንዓሰርተ ዓመታት ብሕጎጽጎጽ ስለ ዝሓለፈ፡ ኣኼባ ዝመርሑ ክኢላታትን ምሁራትን ፍትሐኛታትን ተመዚኖም ብካብ ህዝቢ ዝወጹ ክምእከል ምግባር። ኣብ መወዳእታ ካኣ በዞም ዝስዕቡ ውሳኔታት ክወጽእ የማሕጽን፡

1.  ኪዳን ናብ ዝላዓለ ስርርዓዊ ቅርጻን ስርዓትን ክሰጋገር፡

2.  ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ብሓደ ኣመራርሓ ዝምእከል ክቐውም፡

3.  ሓደ ሃገራዊ ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ክቐውም፡

4.  ብሓደ ቁጠባን ዜናን ዲፕሎማስያውን ኣሰራርሓ ዝተማእከለ ክቐውም፡

5.  ኣብ ኣብዘሐ ሰልፊ ዝተሰረተ ክይኑ ውድድራዊ ቃልሲ ስጋብ ስርዓት ምውዳቕ ክውንዘፍ ምግባር፡

6.  ናይ ቅዋምን ሕግን ተዳሉ ሽማግለ ክትቀውም።

ዓወት ንዋዕላ ኤርትራ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

ክብርኣብ ተክለጊዮርጊስ

Kebreab@cox.net

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 47,607,978 وقت التحميل: 0.19 ثانية