ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ
نشر من قبل omaal في 07:05 صباحا - 21 05 1432 هـ (24 04 2011 م)

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

መበል 12 ክፍሊ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

መበል 12 ክፍሊ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ጻዊዒት ንብህዝቡ ዛሓምም ዘበለ ኤረትራዊ ኩሉ

ተጋደልቲ ዝነበርኩምን ህዝባዊያን ማሕበራት ዝነበርኩምን ካብ ሓምሳታት ጀሚርኩም ክሳብ ሎሚ ከይተሓለልኩም ትቃለሱ ዝጸናሕኩም። ሕጂ ውን ድሕነት ህዝብን ሃገርን ይጽበሎ ናዓኹም ክተበርክቱ እጃምኩም ከም ቀደምኩም።

ዘክሩ መተዓቢይቲ መቓልስትኹም ኣብቲ ቅድመግንባር ዝወደቑ ኣብ ቅድመኹም ሕድሪ ከይትጠልሙ ዝበሉኹም ሓድጊ ዘይገደፉ ከማይ ከማኹም።

ብግልጺ ንቃለስ ዉሑዳት

ከም ደቂ ሕድርትና ሑቡኣት ግን ቡዙሓት

ላንጋ ላንጋ ዘይተባዓት

ኣብ ፍርቂ ሒዞማ ነታላኣት።

ኣይተተግበረን ቲ ሕድሪ

ኣቦ ስዉእ ሲኢኑ ጠዋሪ

ጸልሚትዎ ብቐትሪ

ከዳዕ በዚሑ ከታሪ።

ክውዕየካ ብማንካ ክዝሕለካ ቢኢድካ

ንውድባት ምንእኣስ ይትረፍኩም

ብድቅስኩም መን ክሰርሓልኩም

ህዝቢ ንምድሓን ግበሩ እጃምኩም።

ንሕና ምስ ንታሓቛቖፍ

መንእሰይ ምሳና ይስለፍ

ሓርነታዊ ቃልሲ ይቃላጠፍ

ነበረ ይኸውን ህግደፍ።

ጃንዳ ህግደፍ የጽንትዎም ኣለዉ ንመንእሰያት፣ከምቲ ንናጽነት

 ዝተቓለስና ሕጂ ውን ንሓርነት ንመንእሰያትና ጠርኒፍና ኣብ ጎኒ ኤረትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ክንዋሳእ ይግባኣና ምኽንያቱ ዕድመ ወሳኒ ኣይኮነን ጥዕናን እተሎካ ክትቃለስ ትኽእል ኢኻ እሞ ከም ቀደምና ንቃለስ።

ነተግብሮ ሕድሪ ሰማእታትና እንዳ ተባታተነ ህዝብና ኣይንታዓዘብ የእዳውና ኣጣሚርና።

ምስ ተደግመ ሕሳስ ልደ

ኣቦ ኣልቂሱ ምስ ነደደ

መን ያኣብዳ ነታደ

ኢሰያስ ሓዊ ከይነደደ

ቅሳነት ተረኽበ ዕደ።

ዘረባ ገዲፍና

እንተተጠርኒፍና

ኣብ ጎኒ ኪዳን እንተ ዓሲልና

ካብ ብርሰት ይድሕኑ መንእሰያትና።

ሕጂ ንህግደፍ እንቢ ዘይበለ

ጽባሕ ክማሓር ኣይድለ

መንእሰይ ይኹን ሽማግለ

ምስ ህግደፍ ይሕሸኒ ዝበለ

መን ይፈልዮ ካብቲ ዝቐተለ።

መንእሰይ ይቕዘፍ

ምውርዛይ ንግደፍ

ሓገዝ ንህግደፍ

ንተባዓት ካብ ትዝልፍ

ምሳና ዘይትስለፍ

ውድቀት ዲክተተር ክቃላጠፍ።

ንመንእሰይ ኤረትራ ክነእዊየሉ

ካብ ህግደፍ ካሃድሙ ዝጣሓሉ

ሽግርና ፍታሕ ንድለየሉ

ይባራበር ብህዝቡ ዛሓምም ኩሉ

ንቀብሪ ህግደፍ ኢደይ ኢድካ በሉ።

ባዓል ቢኢዱ ኣይሃልዉ

ጀጋኑ ኣጽኒቶም እናሓሰዉ

ለውጢ ሰሚዖም ዝቕንዘዉ

ዝነብሩ ይመስሎም ክዕሽዉ።

ሽፍታ ሸፋቱ ስለ ዝፈቱ

ምሱኡ ኣለዉ ተረፍ መንግስቱ

እዚ እንዳ ፈለጡ ሙሱኡ ዝጎተቱ

ካብኦም ካሃድሙ መንእሰያት ይሞቱ

ጽባሕ ብጥፍኣት መንእሰያት ይሕተቱ።

ህዝቢ ብሸፋቱ እንዳ በለ ፋሕ ፋሕ

ብጉጅለታት መራሕቲ ካብ ምብዛሕ

ተጠርኒፍና ዘድምዕ ስራሕ ንስራሕ

ትርጉም ይብሉን ሰልፊ ውድባት ምርባሕ

ስራሕ እዩ ዘድልያ ኤረትራ ናይ ጽባሕ

     ይቅጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማርታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታይስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን