ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሳንፍራን&#465
نشر من قبل omaal في 06:40 صباحا - 18 05 1432 هـ (21 04 2011 م)

 ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ

San Francisco 2011 3.jpg
 


تفاصيل الخبر

                    ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ

         ብዕለት 18 ምያዝያ ኣብ ሳንፍራንሲኮ፡ ካብ ቀረባን ርሑቕን ከተማታት ካሊፎርንያ ዝመጹ ተቓወምቲ ዜጋታት ዝተሓወስዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ውልቀ-መላኺ ተኻይዱ። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ዝወዓለ ዜጋ ብዕድመ ይኹን ብብሄራዊ መልክዑ ዝተዛነቐ ብምንባሩ፡ ምዉቕ መንፈስ ሃገራውነትን ሓደነትን ዘንጸባርቕ ሃዋሁው ክፈጥር ክኢሉ። ካብ ናይ ቀደም ሰላማዊ ሰልፍታት ዝያዳ ብርክት ዝበላ ደቀ-ኣንስትዮ እውን ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣማዕሪገንኦ ውዒለን።               ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ናይ ሓባር ጸላኢ ብናይ ሓባር ቃልሲ ካብ ዝብል ቅኑዕ ሕልናን መንፈስን ብምብጋስ፡ ብምልኡ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ፍልልያቱ ንጎድኒ ገዲፉ፡ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ብሓደ ድምጺ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ገጢሙ። እዚ ስሙር ሃዋሁው እዚ ተወሳኺ ሓይልን ሓጎስን  ብምፍጣር፡ ነቲ  ሞራልን ተስፋን ሰልፈኛ ክብ ኣቢልዎ ውዒሉ እዩ።                                                            

San Francisco 2011 1.jpg

ንዝኽሪ እቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ 400 ኤርትራውያን፡ ብምልኡ ሰልፈኛ ኣብ ክዳኑ ጸሊም ጨርቂ ብምእሳር መሪር ሓዘኑ ገሊጹ። እቲ ቴማን ጭርሖታትን እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ፡ ነቲ ጠንቂ ህልቀትን ዕንወትን ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ስልጣን ክእለ ኣለዎ ዝብል እዩ ነይሩ።     ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ከብዲ ሳንፍራንሲስኮ ዝኾነ ፓወል ስትሪትን ማርከትን እዩ ጀሚሩ። ስልፈኛ ጭርሖታት ብዓረብ ብትግረ ብትግርኛን ብእንግሊዝን እንዳቃልሐ ብማርከት ስትሪት ተጓዒዙ፡ ማዛጋጃ ቤት (ሲቲ ሆል) ሳንፍራንሲስኮ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ኣፍደጊኡ ተኣኪቡ መልእኽታቱ ብእንግሊዝን ትግርኛን ዓረብን ኣመሓላሊፉ። ሰውራዊ መዝሙር ዘሚሩ። ግጥምታት እውን ኣንቢቡ። ከምዚ እንዳተኻየደ እንከሎ ናይ ተለቭዥን ቻነል 2፡ ጉዕዞ ስላማዊ ስልፊ ቀዲሓ። ከምኡ እውን ቃለመጠይቕ ኣካይዳ ኣብ ናይቲ መዓልቲ ወረ ኣቃሊሓቶ።                                                                              San Francisco 2011 2A.jpg

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሓደ ካብቲ መሳጢ ንጥፈት ዝነበረ፡ ሳብሪን ዓጥፍ ሓሰን ዝሽማ ትሕተ-ዕድመ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ፡ “ኣርሓል ያ ጀባን!”፡ “ኣል ሽዓብ ይሪድ ሰቐጥ ኣል ንዛም!”፡ “ኣል ሸዓብ ይሪድ ኣል ዓደላ!”… እንዳበለት ብዓረበኛ ዘቃልሓቶን ዝመርሕቶን ጭርሖታት፡ ንልቢ እቲ ሰልፈኛ ካብ መጠኑ ንላዕሊ ስለዝተንከፈቶ፡ “ከማኽስ ሽሕ ይወለዳ!” እንዳበለ ደድሕሪኣ ከቃልሕ ውዒሉ። ከምኡ እውን ብመንእሰይ ስብሓት በርሀ (ይኣክል!!) ዝተነበ መልእኽቲ፡ ኣቲ ሰልፈኛ ኣድኒቕዎ።

      ስብሓት በርሀ እዋናዊ ኣገዳስነት፡ ድልውነትን ተወፋይነትን ንቃልሲ ከምዚ ክብል ኣቕረቦ። “ሎሚ ኤርትራን ህዝባን ብሰንኪ ወሪድዎ ዘሎ ሓሰረ መከራ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ከምዘይቅጽል ፋሽሽታዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ምስኡ ናብ መቓብሩ ተማሊእዎ ክኸይድ ኣብ ዝጓያየሉ ዘሎ እዋን፡ ይኣክል ውልቀ-ምልክነት!! እወ ንልዕልና ሕጊ!! ኣብ ዝብል ቴማ ተሞርኲስና፡ ጒዕዞ ንሓድሽ ሓርነት ዝብል መሪሕ መትከል ተቐኒትና፡ ህዝብና መሰሉ ተኸቢርሉ፡ ሃገርና ከኣ ልዕላውነታ ተሓልይላ ዝቕጽለሉ ኩነታት ክንፈጥር ንጽባሕ እንብለሉ ጉዳይ ኣይኮነን።”                                                                                  ቀጺሉ ከኣ ነቲ መንእሰይ ወለዶ  ከምዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣመሓላለፈ። “ዘለናዮ መድረኽ፡ ፋሽሽታዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝኸፍአ መልክዑ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ግፍዕታት ኣብ ዝፍጽመሉ ዘሎ እዋን ኢና ዘሎና። ስለዚ ደምበ ቃልስና ማእከል ስሕበቱ፡ ንምድሓን ህዝብን ሃገርን ክኸውን ኣለዎ። ህዝባውን ሃገራውን ሓልፍነትና ፈሊጥና፡ መንኮርኮር ቃልስና ካብ ዘለዎ ንላዕሊ ንቕድሚት ዝውንጨፈሉን፡ ኣብ ልዕሊ ውልቀ-መለኺን መሻርኽቱን፡ ኣኽሊል ዓወት ዝዓትረሉ ግዜ ኸኣ ሕጂ እዩ። ነዚ ዓወት እዚ ንምጉንጻፍ፡ መቑሕ ሰንሰለቱ ሓምሽሽና፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕ ንሓዋሩ ደርቢና ዋልታ ሓርነት ኣብ ማእከል ባይቶናን ኣዳራሽናን ንምትካል፡ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ ዝኾነ መንእሰይ ትርጉም ሃገርን ሃገራውነትን ብግቡእ ተረዲእናን ፈሊጥናን ዓቕምታትና ኣዋሃሂድና፡ ምእንቲ ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ክንብገስ ኣሎና።”                                                                          

San Francisco 2011 3.jpg

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ፡ ነዞም ዝስዕቡ ዓበይቲ ሰበ-ስልጣናት ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ደብዳቤታቱ ኣብጺሑ-- ንሂላሪ ክሊንተን፡ ዳያን ፋይንስቴን፡ ባርባራ ቦክሰር፡ ናንሲ ፖለሲ፡ ሱሳን ራይስ፡ ጀሪ ብራውን። ከምኡ እውን ንዋና ጽሓፊ ሕቡራት መንግስታት በን ኪሙን፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾና ትካላት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን፡ ሂዩማን ራይት ዋችን።                                                               ኣብዚ ጉዕዞ ንመሰረታዊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተሳተፉ ተቓወምቲ ዜጋታት፡ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ክሳብ ዝዓኑ፡ ተደጋጋሚ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ከም ዝኾኑ ኣዘኻኺሮም። ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ግንቦት ዕለት 27 ተዳልዩ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ፡ ኩላትና መጺእና ድምጺ ጭቁን ህዝብና ከነስምዕ ከም ምዃንና ብምዝኽኻር፡ ሰላማዊ ሰልፊ ሳንፍራንሲስኮ ብናይ ሕልና ጸሎት ተውዲኡ።

 ኮሚቲ በይኤርያ ንሰላማዊ ሰልፊ 

 20 ምያዝያ 2011