መግለጺ ብዛዕባ ምጥሓል ኤርትራው&#4843
نشر من قبل omaal في 06:34 صباحا - 10 05 1432 هـ (13 04 2011 م)

Shar Al Tahalf 2.JPG

መግለጺ ብዛዕባ

ምጥሓል ኤርትራውያን ሰደተኛታት

 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝምልከት


تفاصيل الخبر

Shar Al Tahalf 2.JPG

መግለጺ ብዛዕባ

ምጥሓል ኤርትራውያን ሰደተኛታት

 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝምልከት

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ነቶም ብ22ን 26ን መጋቢት 2011 ካብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ዝተበገሱ ከባቢ 400 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብስንኪ ምስጣም ክልተ መራኽብ ዘጋጠሞም ኣሰቓቂ ሓደጋ፡ ነዚ ዜና’ዚ ብምክትታል ዓሚቕ ሓዘኑ እናገለጸ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንስድራ ቤት ግዳያት ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም ብድሕሪ ምባል እዚ ዝስዕብ ሓቕታት የተንብህ።

ቀዳማይ፡ ኣብ ሊብያ ምዕባሌታት ካብ ዝኽሰት ግዜ ጀሚሩ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንተዋሳእቲ ሃገራትን ማሕበራትን ኣብ ሊብያ ዝነብሩ ኤርትራውያን በቲ ኩነታት ከይሃልቁን ኣብቲ ብሰንኪ ግፍዓዊ ፖልስታት ስርዓት ህግደፍ ክሃድሙ ዝተገደድሉ ሃገሮም ብኣስገዳድ ከይምለሱን ሂወቶም ንምድሓንን ዘተኣማምን ዕቁባ ክረኽቡ ዝተፈላለዩ መዘኽራት ክሰድድ ጸኒሑ’ዩ።

ካልኣይ፡ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ ብዝኸኣል መሳለጥያታት ኣቢሉ ምስ ገለ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ዜጋታትና ጽዑቕ ርኽባት ብምግባር፡ ዝርዝር ኣስማት ንኪዳን ብምርካብ፡ ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ክዘራረብ ምጽንሑ ነረጋግጽ። ይኹን ደኣምበር ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ሊብያ ንዝርኸቡ ስደተኛታት ክቕበሉ ዝብል ዜናታት ብድሕሪ ምዝርጋሕ፡ ናብዚ ንምምጻእ ዝነበሮ ድሌት ኣሉታዊ ጽልዋ ብምሕዳሩ፡ ኣብ ዝህልውሉ ቦታታት ክንበጽሕ ተስፋ ንገብር። 

ሳልሳይ፡ ማዕከናት ዜና ከም ዝሕብርዎ መንግስቲ ሊብያ ንገለ ወጻእተኛታት ኤርትራውያን ዝርኸብዎም ብምእሳር፡ ናብ ኤውሮጳ ብባሕሪ ክሰግሩ ፍቓደኛ ምዃኑ ብምሕባር፡ ሸርሕታቱ ከኣ ሃገራት ኣውሮጳ ንውሳኔ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ሊብያ ዝተበየነ ማዕቐብ ዳግመ ርእይቶ ንክገብሩ ንምድፍፋእ’ዩ።

ኣብ ሊብያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሰቓቂ ኩነታት እናሕለፉ ከለዉ እዚ ሓደጋ’ዚ ብምግጣሙ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብወገኑ ከኣ፡

ቀዳማይ ሂወት ናይዞም ዜጋታትና ምሕላፉ ምሉእ ሓላፍነት ንስርዓት ኣስመራ የሸኽም። ምኽንያቱ ሃገሮም ራሕሪሖም ክስደዱ ዘገደደ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ እቲ ኩነታት ምስ ተኸሰተ ከም መንግስቲ መጠን ዜጋታቱ ንምውጻእ ዝኾነ ሕጋውን ሕልናውን ግዴትኡ ብዘይምግባሩ።

ካልኣይ እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት’ዚኦም ሂወት ገለ ኣሕዋቶም ክሓልፍ ምስ ረኣዩ ሂወቶም ንምድሓንን ዘተኣማምን ዓቑባ ንምርካብን መንግስቲ ሊብያ ውሕስነቶም ከረጋግጽ ብዘይምኽኣሉ ሓላፍነት የሰክም።

ሳልሳይ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ሰብኣዊ ማሕበራትን ሂወት ኣብ ሊብያ ተሪፎም ዘለዉ ኤርትራውያን ንምድሓንን ንምውሓስን መጸዋዕታና ብምቕራብ፡ ቀንዲ ንሊብያ መምጺእኦም ምኽንያት ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብመንግስታት ሊብያን ግብጽን ማልታን ብኣስገዳድ ንሃገሮም ምምላስ ዘይምዃኑ ብምግንዛብ፡ ምስዚ ጉዳይ’ዚ ዝምድና ዘለዎ ሃገራት ነዚ ኣሰቓቂ ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ መዝገብ ገበናት ንሊብያ ከስፍሩ ይግባእ።

ብሂወት እዞም ዜጋታትና ምሕላፍ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ደጊምና እናገለጽና፡ ኣብ ኩሉ ከባቢ ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ ዘጋጥምዎ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ሓደጋታት ብስንኪ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ብምስትውዓል፡ ትክክለኛ መድሓኒኡ ነዚ ስርዓት’ዚ ምውጋድ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ጎኒ ሓይልታት ሃገራዊ ተቓውሞ ክጽንበሩን ኣብ ሃገሮም ጸጥታን ርግኣትን ንምስፋን ክቃለሱን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ መጸዋዕታና ነመሓላልፍ።

ንኩሎም ግዳይ ዝኾኑ ኤርትራውያን መንግስተ ሰማይ የዋርሶም!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀትን ስዕረትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ

ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

12 ሚያዝያ 2011