ክቅንጠጥዩ ቲ  ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ
نشر من قبل omaal في 06:18 صباحا - 02 05 1432 هـ (05 04 2011 م)

ክቅንጠጥዩ ቲ  ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

5.ክፍሊ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ክቅንጠጥዩ ቲ  ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

5.ክፍሊ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ከም ምስላ ኣድጊ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ከም ዓርኩ ገዳፊ ይብል ኣሎ ኣነ ዘይመርሓ ኤረትራ ዋላ ዳንደር ኣይትብቆላ።

ኢትዮጵያ ንዓለም ትእዊጅ ኣላ

ብስርዓት ህግደፍ ታሃዊኸ ኢላ

ካብ ሁውኮት ክትድሕን ክትካላኸል ንመሰላ።

እዚ ሰባብ ሓዊ ከይኣጎደላ

ህግደፋዊያን ምሳና ዓገብ እባ በላ

ንድሕነት ህዝቢ ተላዓሉ ተላዓላ

ክሳብ ማዓስ ንመላኺ ትዕልላ

ንሕጊ ኣልቦ ንደርቢየሎም ደንጎላ

ዓዲ ጀጋኑ ከይተሓመሰት ከላ።

ትስዕቡ ንጥፍኣትና ዝሓልሙ

ያኣክል ሎምስ ለብሙ

ምስሳና ተቓወሙ

ህዝብና ክፍታሕ ጸገሙ።

ወዮ ናተንስ ንሓማተን፡ እንታይዩ ዝብል ወዲ ጀነራል ውይጦ ዓሊ ዓብዱ።

መን ድዩ ባንደራ ኢትዮጵያን ባንደራ ህግደፍ ሒዙ ንቅንጂትን ሶማልያን ኣኻኺቡ

ህግደፍ ታኣጊዱ ኢሉ ንድሕነት ዲክተተር ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጀነቭ  

 ከእዊ ዝዋዓለ ሕጂ መን ያኣምኖ ንናይ ኤረትራዊያን ብኤረትራዊያን ሰላማዊ ሰልፊ።

 ከጸልም ናይ ኢሰያስ ዑሱብ ወናኒ መስከረም ዝበለ እንተ በለ።

ገመል ጉዑዙኡ ይቕጽል ንስኹም ሓዊ ተናኽሱ

ወናኒ መስከረን መሰልቱን ንምልኪ ትውድሱ

ኣበይ ዳኣ ከይትኣትዉ እወ መልሓስኩም ትነኽሱ

ህዝባዊ ማዕበል ይወስደኩም ምስ ህግደፍ ሓዊሱ።

ብማዓልቱ ይወጽእ እቲ ሓቂ

ሕጂ ከምስል ዝመስል ታሓላቒ

ከምዘይ ነበረ ናይ ሓድነትና ጠንቂ።

ሉኡኽ ዓሊ ዓድን መሰልቱን ገደፍዎም ይንብሑ

እዚባ እቲባ ክብሉ ከምዘይ ጸንሑ

ካብ ማእከል እንዳ በልዑ ጸጽቡሑ

ምስ ህግደፍ ትሕተቱ ኣበይ ከይትበጽሑ።

ዳግማይ ኵናት ንኹንኖ ኣትሪርና

ኵናት ጠቓሚ ኣይኮነን ንክልተና

ንለውጢ ኤረትራዊያን ኣለናዮ ባዕልና

ብደገን ብውሽጥን ተሓባቢርና

ካብ ዳግማይ ኵናት ነድሕኖ ህዝብና

ንመራሒ ሁውኮት ክንምሕዎ ኢና

ዘይንምሃር ካብ ሑሉፍ ተሞኩሮና

ኢድ ምትእትታው እዩ በዲሉና

መፍተት ስርዓት ህግደፍ ዝገበረና

ንጭፍራ ንምእላይ ይምልከት ናዓና።

ህዝቢ እንዳ ኣንጸላለዎ ዳግማይ ኵናት

ንዲክተተር የድሊ ምምካት

ቁሩብ እዩ ዝኣኽሎ ንማራሒ ጥፍኣት

እንዳራኣኹም ኣይትኹኑ ዑዉራት

እንዳ ሰማዕኩም ኣይትኹኑ ጸማማት

ሰብ ጹሩራ ኢሰያስ ጥራይከይመስለኩም ዝሕተት

በሊዕኩም ሰቲኹም ይብሉ ሸኾርተት

ጅግንነት ኣይትውሰድዎ  ዘይናትካ ምዝማት

ታሪኽ ፈጽሙ ከም ናይ ጎራባብቲና ጀነራላት።

               ይቅጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን