ጋዜጣዊ መግለጺ
نشر من قبل omaal في 08:16 مساء - 24 04 1432 هـ (29 03 2011 م)

Shar Al Tahalf 2.JPG

ጋዜጣዊ መግለጺ


تفاصيل الخبر

Shar Al Tahalf 2.JPG

ጋዜጣዊ መግለጺ

ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ 19-14 መጋቢት 2011 ብምክያድ፡ ጠቕላላ ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ዘጽደቆም ጉዳያት ካብኣቶም ከኣ ምቋም ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ሓበሬታን መድረኻዊ ዕዮ ኪዳንን...ወዘተ ብዕምቆት መዚኒ፡፡ ማእከላይ መሪሕነት ንተጋዳላይ ኑር መሓመድ እድርስ ኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕነት ንተጋዳላይ ተወልደ ገብረስላሴ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ገይሩ ድሕሪ ምምራጽ፡ ክፍልታት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣቁሙ፡፡

ብመሰረት ውሳኔ ጠቕላላ ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ነቲ ኣብዚ ዓመት’ዚ ክጋባእ ዝተወሰነ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብኹሉ ዓቕምታቱ ንምዕዋቱ ማእከላይ መሪሕነት ሓደ ካብቲ ኣብዚ ዙር’ዚ ዕማም ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ክኸውን መምርሒ ኣመሓላሊፉ፡፡ ከምኡ እውን ውሳኔታት ሰነድ መጻኢ ስእሊ ኤርትራ ኤ.ዲ.ኪ ምስ ሃገራዊ ጉባኤ ዝዛመዱ ጉዳያት ተግባራዊ ንምግባር ማ/መሪሕነት ንፈጻሚት ቤት ጽሕፍት ኣሰኪሙ፡፡

ማእከላይ መሪሕነት ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ማለት ብሰንኪ ግፍዓዊ ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኩሉ መዳያት ዘስዓቦ ጸገማትን ቅልውላውን ብዕምቆት ገምጊሙ፡፡ ካብዚ መሰረት ብምግባር ከኣ ዕድመ’ዚ ስርዓት’ዚ ንምሕጻር ኩሎም ሓይልታት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኩሉ ዓቕምታቶም ከስምሩ ጸዊዑ፡፡ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ውሸጢ’ዚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዞባና ዝርኤ ዘሎ ህዝባዊ ሰውራታት ብምትእስሳር ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራ ድምጾም ንማሕበረሰብ ዓለም ንምብጻሕን ኣብ ውሽጢ ንዝርከብ ህዝብና ንምድጋፍን ብስም መዓልቲ ኤርትራዊ ኩራ ዝብል ሰላማዊ ሰልፍታት ንምክያድ ዝወስድዎ ዘለው ተበግሶታት ንኢዱ፡፡ ኩሎም ጨናፍርን መሰረታትን ኤ.ዲ.ኪ ነዚ ሰላማዊ ሰልፍታት እዚ ንምዕዋት ንጡፍ ተሳትፎኦም ከረጋግጹ ማእከላይ መሪሕነት ጻዋዒት ኣመሓላሊፉ፡፡

ኣብ መደምደምታ ኣኼብኡ ከኣ ማ/መሪሕነት ንመጻኢ መድረኽ መደባት ዕዮ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣጽዲቑ፡፡

ኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕነት

ኢንጂነር ኑር መሓመድ እድርስ

24/03/2011