ክወግሕ እዩ ከም 91 ጽባሕ
نشر من قبل omaal في 07:33 صباحا - 17 04 1432 هـ (22 03 2011 م)

ክወግሕ እዩ ከም 91 ጽባሕ

 ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡ እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ክወግሕ እዩ ከም 91 ጽባሕ

 ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡ እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ወይለኻ ጠላም ወይለኻ ከዳዕ ክወግሕ እዩ ጽባሕ?

ንእሰያስ መርድእ ኣርድእዎ

ዓርክኻ ዕምሩ ሓጺሩ ኣኺልዎ

ህዝቢ ልብያ ቀሪቡ ክርህዎ

ናይ ኣርባዓ ዓመት ምልኪ ህዝቢ ግርጢምዎ

ንሓዋሩ ንዲክተተር ገዳፊ ክምሕዎ

ንኢሰያስ ምስ ጭፍርኡ ግደኻ ተሪፉ በልዎ።

ጅግና ንፈልጥ ክንዲ ህዝቢ ይህብ ግንባሩ

ናይ ዚኣቶም ጅግንነት ጠፊኡና ምስጢሩ

ክንደይ ለይለይ መንእሰያት ከምዘይ ቀበሩ

ንዖኦም ዝፈጠረት ኣደ ጾማ ተሓድር ንሶም ይድረሩ

ናይ ትማሊ ጀጋኑ ኮይኖም ናይ ኢሰያስ ወኻሩ

ሕድሪ ስዉኣት ጠሊሞም ብጹሩራ ዝጥበሩ።

ብጠላማት ግርማ ሃገርና ዝቐንጢጡ

ሽልማት ኣደታት መንዚዖም ዝሸጡ

ሕጊ እንዳባ ክፍርሱ ዝዋጣወጡ

ብጭፍራ ሸፋቱ መሰል ህዝቢ ትቐንጢጡ

እምነት ዘይብሎም ንጳጳስ ንሙፍቲ ዝቕጥቅጡ

ወደባት ጸኒቱ በየን መጺኦም ዘይፍለጡ።

ግርማይ ኪዳነ ወዲ ፊሊፖ ወደባት

ተቓሊስካዮም ነቶም ጠላማት

ንጃንዳ ሸፋቱ መኪትካዮም ብትብዓት

ዓዲ ከይኣተኻ ኣሪካ ኣብ ስደት

ተማጕትካሎም ንሓርበኛታት

ዝተረሰዔ ጅግንነት ታሪኽ ኣቦሓጎታት

ንዘይፈልጡ ኣፍሊጥካ ብብቅዓት

እንቢ ንመግዛእቲ ናይ ዝበሉ ኣያታት

ንዝሓቐቑ ብናይ ማፍያዊ ስርዓት

ገለ ኣብ ቃልሲ ገለ ድሕሪ ነጻነት

ታሓንበለ ድሕሪ ናይ ጭፍራ ስዕረት

ድሕሪ ናይ መተዓቢትኻ ውድቀት።

ተጋሊጹ ህግደፋዊ ተዋሶኦ

ህዝቢ ፈሊጡ እንታይ የዋጾኦ

ይጽበሎ ንህግደፍ ግዝየ ክተፎኦ

ንፋሽታዊ ኢሰያስ ክውጾኦ

ከይሃደመ ካብቲ ዝተሓቦኦ።

ናይ ደገ ሸፋቱ ኢልናዮም ሓሕ

እቶም ናዓመታት ዘቦሉና ላሕ

ንሸፋቱ ደገ ቦታ የልቦን ጽባሕ

ንዲክተተር ከድሕኑ ዝተዋህቦም ስራሕ

ሰራዊት ከይላዓ ዓልዝብሉ ይጽናሕ

ሳሕል ኣይኮነን ለሎን ዝሕባእ ተገሊጹ ስራሕ ባዓል ጎራሕ።

ሓርገጽ ናይ ደገ እንታይ በለ

ተቓውሞ ከይዕወት ላሕ ዘበለ

ኣብ ሳሕል ተመን ሕጂ ዝገበለ

ተፈሊጡ ብዙሕ ምስ ኣታለለ

ፈሽሉ ገመል ጉዑዙኡ ምስ ቀጸለ።

ብማዓልቱ የሎን ዘይቕላዕ

ሽፍታዊ ስርዓት ብሓዊ ክባራዕ

ህግድፋዊያን ጀሚሮም ቀልባዕባዕ

መቂርዎም ነሩ መንዚዕካ ምብላዕ

ቀሪቦም ሓዊ ክልብለቦ እኒ ከዳዕ።

ኣራዊ በረኻ ዶ ይኸው መንግስቲ

ዝብሉ ኣታ ሰብኣይ ኣቲ ሰበይቲ

ንወለዲ ሓርበኛታት ዘንጠልቲ

መራሒኦም ደም ጀጋኑ ዝሰቲ

ኤረትራ ኮይና ናይ ህግደፍ ሕዛእቲ

ሎሚ ዓመት ግና ክትወልድ እያ ሓንቲ።

            ይቅጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት መምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቱን