ህጹጽ ጥርዓን
نشر من قبل omaal في 04:49 صباحا - 06 04 1432 هـ (11 03 2011 م)

DEMOCRATIC FRONT FOR ERITREAN UNITY1.jpg

ህጹጽ ጥርዓን


تفاصيل الخبر

DEMOCRATIC FRONT FOR ERITREAN UNITY1.jpg

ህጹጽ ጥርዓን

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዘይሕጋዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ትሳቐ ዘላ ሃገር ምዃና በብእዋኑ ንሕብረተ ሰብ ዓለም ክሕበር ጸኒሑ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ በዚ ጨቋኒ ስርዓት ዝወርዶ ጸቕጢ ዝተበገሰ ድማ በብእዋኑን ብብዝሕን ካብ ዓዱ ሃዲሙ ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን ካብኡ ናብ ዝረሓቐ ዓድታትን ይስደድ ኣሎ።

ካብቶም ናብ ሱዳን ዝተሰዱ ኤርትራውያን፣ ብዙሓት ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ክሰግሩ ኣብ ምድረበዳታት ዝሳቐዩን ዝሓቁን ኤርትራውያን ብዙሓትዮም። እቶም ዕድል ኣጋጢምዎም ኣብ ሊብያ ዝበጽሑ ኤርትራውያን መንግስቲ ሊብያ ተቐቢሉ ክሕይሮምን ክኣስሮምን ከሳቕዮምን ክሳብውን ናብቲ ሃዲሞምሉ ዝመጹ ኤርትራ ክመልሶምን ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ብመንግስቲ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዝጸንሐን ዝፍጸም ዘሎን ዘይሕጋዊ ተረኽቦ ጸረ ናይቲ ናይጀነቫ ኮንቨንሽን ንስደተኛታት ዝከላኸል ሕጊ ኢዩ። ካብዚ ብሰበ ስልጣን ሊብያ ኢሰብኣዊ ጸበባ ንምንጋፍ ኣሽሓት ኤርትራውያን ካብ ሊብያ ብማእከላይ ውቅያኖስ ናብ ካልኦት ሃገራት ንምስጋር ኣብ ዝገብርዎ ፈተነ ኣብ ሕጋውያን ዘይኰና ናእሽቱ ግን ካኣ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ዝተጻዕና ጀላቡ ክሳገሩ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝተርፉ ብዙሓትዮም።

ከምኡውን ካልኦት ኤርትራውያን ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ገጾም ዘምርሑ ኣብ በረኻታት ግብጺ ይሳቐዩ ኣለዉ ኢዮም። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ እቶም ናይ ሰብ ሸቀጥቲ (human smugglers) ዝዀኑ በደዊን ንዜጋታትና ብኢሰብኣዊ ኣገባብ እናሓየሩን እናቐተሉን ንደቂ ኣንስትዮና እናዓመጹን ኣብ ምድረ-በዳ ሲናይ የሳቕይዎም ኣለዉ። እዚ በደዊን ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዘውረድዎ ስቓይን መከራን ብኣፍልጦን ምትሕብባርን ናይ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መንግስቲ ግብጺ ኢዩ ተኻይዱ።

እዚ ዝሓለፈ መንግስቲ ግብጺ ጸረ ናይ ጀኔቫ ናይ ስደተኛታት ውዑል ነዞም ብኽንደይ መከራ ኣብ ግብጺ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጉዳይ ድሕነቶም ኣብ ግምት ከየእተወን ከይተገደሰን ደጋጊሙ ንኤርትራ ክመልሶም ጸኒሑ ኢዩ።እዚ ዘርእየና እቲ ኣብ ዓዱ ጸቢብዎ ናብ ዝሓሸ ከተንፍሰሉ ዝኽእለሉ ሃገር ንምብጻሕ ዝህቅን ኩሉ ኤርትራዊ መንገዲ ተዓጽይዎ ኣብ ዝኸዶ መከራን ጸበባን ይረክብ ኣሎ።

ኣብ እዋን ኣብ ብዙሓት ከተማታት ሊብያ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣለዉ። እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ኣብ ኣብ ሊብያ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ኣስጋኢ ኩነታትን ተዋሒጦም ይርከቡ። ኣብ ከም ዝኣመሰለ መዓልቲ መዓልቲ ዝቀያየር ኩነታት ሂወት ናይዞም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን በብመዓልቱ ኣብ ከቢድ ሓደጋ እናወደቐ ይርከብ። ኣብ እዋንዚ ካብ ሊብያ ሓቀኛን እዋናዊ ወረን ንምርካብ ኣሽጋሪ ኢዩ፣ ይኹንምበርሁማን ራይት ኮንሰርን ኤርትራ ከምዝሓበሮ ክልተ ካብ ኤርትራውያን ክሞቱ እንከለዉ ብዙሓት ከምዝቐሰሉ ገሊጹ። እቶም ዝተረፉ