ዝኽሪ ን.8 መጋቢት ኣህግራዊት ማዓል&#4
نشر من قبل omaal في 05:31 صباحا - 05 04 1432 هـ (10 03 2011 م)

ዝኽሪ ን.8 መጋቢት ኣህግራዊት ማዓልቲ

ግጥሚ ንኤረትራዊት ዋዕሮ ጓል ኣንስተይቲ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ዝኽሪ ን.8 መጋቢት ኣህግራዊት ማዓልቲ

ግጥሚ ንኤረትራዊት ዋዕሮ ጓል ኣንስተይቲ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ኣለም መስፍን፡ ንሓድነት ክትዝቲ ምስ ብጻያ፡

ዝተሰወኤት ቀዳመይቲ ስውእቲ ሓርበኛ ዋዕሮ፡

ኣብ ደሞክራስያዊት ኤረትራ ታሪኽኩም ይትንተን በብሕንቲ።

ዝኽሪ ን.8 መጋቢት ኣህግራዊት ማዓልቲ

ግጥሚ ንኤረትራዊት ዋዕሮ ጓል ኣንስተይቲ

ሃገር ሓራ ክትገብር ዝኸፈለት መስዋእቲ።

ድሕረኺ ሲዒበን ኣሻሓት ስዉኣት

ሕድሪ ኣይጠለማን ኣምጺኤን ነጻነት

ምስ ብጾታ ኣርዑት መግዛእቲ ዝሰዓረት

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ቅያ ዝፈጸመት

ምስጢር ከይተምሉቕ ዝተበጀወት

ሕልሚ ህዝቢ ኤረትራ ኩዉን ዝገበረት።

ህልውቲ ውረሲ ናይታ ሓርበኛ ዋዕሮ

ቅያ ዝሰርሔት ንጻላኢ ክተባረሮ

ምስ ብጾታ ዝሰፈረት ኣብ መሮሮ

መታን ነቲ ድርብ ጭቆና ክትስዕሮ

መሰላ ኣራጋጊጻ ብኣስተንክሮ

ኤረትራዊት ዋዕሮ ታሪኽኪ ንመን ክነግሮ።

ጸልማት ቀንጢጣ ዘምጸኤት ብርሃን

ድሕሪ ነጻነት ግና ኣይጣዓማን

ተሸኪማ ኣትያ ካብ በረኻ ኣትማን

ኤረትራዊት ጓል ሃገረይ ናይ ህዝብና ፍናን

ታሪኽኪ ገና ኣይተተንተነን

ክግለጽ እዩ ምስ ተኣለየ እቲ ጋኒን።

ጅግና ዋዕሮ እንታይ ረኺቡኪ

ዘይተውርሲ እንታይ ጸገምኪ

ኢሰያስ ከባሳብሶ ንዓደቦኺ

ኣየውረስኪዮምን ዲኺ ንደቅኺ

ኣደ ስዉእ ትነብዕ ትዕዘቢ ትም ኢልኪ

እቲ ጠላም ብዑሱባቱ ዶ ኣጃጂዩኪ

ንሱ ይዕንድር ንስኺ ተረሚስኪ

ፍረ ማህጸንኪ መስዋእቲ ከፊልኪ

ወዲ ስዉእ ዳግማይ ኣወፊኺ

ሓድጊ ከሊኦሞ ንጅግና ብጻይኪ

ኣብ ዘይፍትሓዊ ውግእ ወዲቖም ደቅኺ

እንቢ ንመግዝዛእቲ ከምዘይ በልኪ

ዘየውረስኪዮም ንደቅኺ ከማኺ

መታን ክምክትዎም ንደመኛታትኪ

ዕስራ ዓመት ብስርዓት ኣልቦ በኺኺ

ንርስቲ ይዋጋኣ ኣንስቲ መክቲ ከም ቀደምኪ።

ኣብ ስደት ትነብሪ ኤረትራዊት ኣደ ሓፍቲ

ኣስተር ምርያም ሰናይት ኣበይ ኣለዋ ሕተቲ

ንናጽነት ተቓሊሰን ዛኣተዋ ሕጂ ኻኣ ንፍትሒ

ንሓርነት ዝሰፈራ ኣብ ጸልማት ባዓቲ

ክንድኤን ይግባእ ክትማጎቲ

እንታይ ወሪዱኪ ምስ ሽፍታ ትህውትቲ

ተስፋ ኣቑሪጽኪያ ነታ ዝሰዓረት መግዛእቲ

ነት ስርዓት ኣልቦ ትኾና መወልቲ

ዝሓለፈስ ሓሊፉ ሕጂ መክቲ

ኤረትራዊት ኣደ ሓፍቲ ሕጂ ክተቲ

ታሪኽኪ ኣሓድስዮ በዛ ታሪኻዊት ማዓልቲ።

ዓወት ነቲ ደምዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ዓወት ን8.መጋቢት ኣህግራዊ ማዓልቲ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን