መጋቢት 8ተ ንምድሓን ሕይወት ዝተጨውየት ጓልኣንስተይቲ ሰምሃር ምስ 25
ርእሳ ንጠቐመላ! ብኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቅስ
መጋቢት
8ተ
ንምድሓን
ሕይወት
ዝተጨውየት
ጓልኣንስተይቲ
ሰምሃር
ምስ 25 ርእሳ ንጠቐመላ! ብኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቅስ
ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ብምክንያት ዓለምለካዊ መዓልቲ ደቐኣንስትዮ ንኩለን ደቐ ኣንስትዮ ዓለም ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ንኤርትራውያን ደቐኣንስትዮ ኣብ'ቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ
ምምሕያሽ ናብራ ወዲሰብ ኣብ ኩሉ መዳያቱ ዝዕጨበጥኦ ወይ ዝሓፈስኦ ዓወት የሞግስ። ኣበርክቶ ጓል ኣንስተይቲ ብፍላይ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሉ ጸገማቱ
ዓይነታዊ ምንባሩ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ እርኢ። ክሳብ ሕጂ ኤርትራውን ደቀኣንስትዮ እቲ ብህግዲፍ ተመንጢሉ ዘሎ መሰለን ንምርግጋጽ ማዕረ ኣሕዋተን ደቒተባዕትዮ
ተሰሪዓን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ይቓለሳ ምህላወን ፍሉጥ እኳ እንተኮነ ነዚ ፋሉል ስርዓት፤ ጠንቒ ኩሉ ጸገም ኤርትራውን ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ኣስመራ እንተላይ ነቲ ኣብ ከባቢ
መትረብ ስወጽን ሊብያን ዘሎ 26 ኤርትራውን ኣብዚ ህሞት'ዚ ብፍላይ ኩነታት ሓፍትና ሰምሃር ተረዲኣን ናህሪ ቃልሰን ከወሃህዳን ክተባብዓን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃ እላቦ።
ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ሕጂ'ውን ታሪኽ ክትሰርሕ ምኳና ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ጽኑዕ እምነት ኣለዎ።
ኩነታት ተጨውዮም ዘለዉ 29ተ ኤርትራውያን ኣብ ዘይተፈልጠ ከባቢ ሊብያን መትረብ ስወጽን እስራኤልን ንምርዳእ ኣብ'ዚ ታሕቲ ጠውቑ።
http://a10.video2.blip.tv/9510007963899/Aseyeasena-SinaiAferkbu463.mp3?brs=93&bri=3.0
http://www.youtube.com/watch?feature=player_embedded&v=HTZ1aOjHszw
መጋቢት 8ተ: 2011
ብኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቅስ ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን
ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ!