ዕስራ ዓመት ጥልመት ተሰምዩ ሓበን
نشر من قبل omaal في 07:13 صباحا - 02 04 1432 هـ (07 03 2011 م)

ዕስራ ዓመት ጥልመት ተሰምዩ ሓበን

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ዕስራ ዓመት ጥልመት ተሰምዩ ሓበን

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

እወ ከምቲ ስነጥበባዊ ካሕሳይ በርሀ ዝበሎ፡ኣፍደገ

ገዛኹም ወግሔ ጸብሔ ገንሸል ይሕረዶ፡

 ኣፍደገ ገዛና ግና ኣውዳ ኣመት ድርሆ እኳ ንጋዶ።

ንጭፍራ ህግደፍ ጽንብል ዕስራ ዓመት ሓበን።

ንህዝቢ ኤረትራ ግና ዕስራ ዓመት ጭኮና ብርነት ጥልመት ብዘይ ፍርዲ

 ማእሰርቲ፡ንመንእሰያት ኣብ ጎቦታት ክርተት

 ኣይትምህርቲ ኣይሓዳር ብዘይ ማሃያ

ዋርዲያ ናይ ህግደፍ እዚ ድዩ ናይ ዕስራ ዓመት ሓበን?

ዕስራ ዓመት ጥልመት ተሰምዩ ሓበን

ንጭፍራ ህግደፍ ሓበን ናዓና ግን ኣይኮነን

ንብጥልመት ዝሕበኑ ክንጸርጎም ሕጂ ንሕነን

ጸረ ዲክተተር ንስመር ብደገን ብውሽጥን

እንታይ ንጽበ ህዝቢ ክሳብ ዝባታተን

ህዝቢ ተዋሪዱ ብጃንዳ ጠላማት 

ዕስራ ዓመት ጥልምት ክሕደት

ዕስራ ዓመት ብህግደፍ ባርነት

ዕስራ ዓመት ቅንጸላ ብኽያት

ዕስራ ዓመት ከርተት ጥምየት

ዕስራ ዓመት ምስ ጎራባብቲ ኵናት

ዕስራ ዓመት መንእሰይ ኣብ ጎባታት

ዕስራ ዓመት ክበኽያ ኣደታት

እዚ ድዩ ናይ ዕስራ ዓመት ሓበን?

ዕስራ ዓመት ህዝቢ ዘይመረጾ ስርዓት

ዕስራ ዓመት ናይ ህዝቢ ንብረት ምዝማት

እትው ከይበለ ዝረሸነ ንሓርበኛታት

ዕስራ ዓመት ንደሞክራስያዊያ ምጽናት

ኣብ ዒራ ዒሮ ታኣሲራም ጀጋኑ ደቀባት

ብዘይ ፍርዲ ኣብ ጎዳጉዲ ንዓመታት

እዚ ድዩ ናይ  ዕስራ ዓመት ሓበን?

ጎቦዛይ ኣድሕን ዓደቦ

ሕድሪ ጀጋኑ ክትግበር ግበር ሓቦ

እንቢታ ኣስምዕ ኣብቲ ጎቦ

ነቲ በላዒ ሰብ ዓቕሉ ክጽቦ

ኒዒቑ እዩ ዘሎ ክልተሻዕ ኣዛርቦ

ባርዕ ፈንወሉ ሓዊ ለብልቦ።

ነቲ ጠላም የድሊሎ ምጭልጋም

ክፍታሕ ናይ ሃገርና ምማም

ነጽግፎ ቀሪቡሎ ኣብ ገምገም

ኢሰያስ እዩ ናይ ህዝብና ጸገም።

ነቲ ከዳዕ ዝበጦ ግንባሩ

ስዉኡ ተጋዳላይ ከምኡ ፈሪዱ

መቕዘፍቲ ክጥዕማ ጊዲኡ

ናሓዋሩ ትሕቲ መረት ምስፋሩ

ብደገን ብውሽጥን ስመሩ

ህዝቢ ምልኪ ኣባሪሩ

ኣብ ሃገሩ ክነብር ከቢሩ።

ኣብ ቀረባ እዩ ዘሎ ሸሎው ኣብሎ

ዕስራ ዓመት ዝኸበሮ ያኣኽሎ

ዓዲ ጀጋኑዶ ብስርዓት ኣልቦ ትሕሎ

ደጊም በሎ በሎ ዘጽነተና ያኣኽሎ

ህዝቢ እንተ ተላዒሉ የሎን ዝኽልክሎ

ይራኣየኒሎ ለብዘበን ሓዱኡሎ። 

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቱን