ኣኼባ ኮምሽን ምስ ህዝባዊ ሽማግለ&#472
نشر من قبل omaal في 08:05 صباحا - 01 04 1432 هـ (06 03 2011 م)

ENCD March 2011.jpg

ኣኼባ ኮምሽን ምስ ህዝባዊ ሽማግለታትን፡ ህዝብን መላእ ሰሜን ኣሜሪካ


تفاصيل الخبر

ENCD March 2011.jpg

ኣኼባ ኮምሽን ምስ ህዝባዊ ሽማግለታትን፡ ህዝብን መላእ ሰሜን ኣሜሪካ

ንሰንበት መጋቢት 6, 2011 ሰዓት 12፡00 ፍ.መ ፓሲፊክ ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ ከኣ ብንዩ ዮርክ ኣቆጻጽራ ናብ ምሉእ ከተማታት ኣሜሪካን ካናዳን ዘተኮረ ናይ ፓልቶክ ኣኼባ ክካየድ ኢዩ። እዚ ኩሎም ኣባላት ኮምሽን ዝርከብዎ ኣኼባ’ዚ ንኩሎም “ህዝባዊ ሽማግለታት ንሃገራዊ ግባኤ”ን፡ ኩሎም ኣብ መስርሕ ናይዚ ቅዱስ ዕላማዚ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ንዝግስግሱ ዘለዉ ተሳተፍቲ እውን ዘጠቓለለ ኮይኑ  ዕላማታት  ናይዚ ኣኼባዚ ከኣ፡

1.     ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝርከብ ህዝብና ብዘይ ሓደ ደገፍ ናይ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኮምሽን ኩሉ ንጥፈታትና ብገንዘባውን ንዋታውን ሞራላውን ደገፋት ንዝተገብረልና ኣበርክቶ ንምምስጋን፡

2.    ካብ ሃገራዊ ዋዕላ እናማዕበለ ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝግስግስ ዘሎ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ባይቶኡ ኣቝሙ ንስርዓት ህግደፍ ብምልጋስ፡  ሕጊ ዘንግስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብኣምሳይኡ ንምትካል ዘካይዶ ዘካየዶ ዘሎ ቃልሲ ንምምጓስ፡

3.    ካብ ዋዕላ ክሳብ ሕጂ ሃገራዊ ኮምሽን ብሓፈሻ፡ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ከኣ ብፍላይ ዘመዝገቦ ዓወታትን፡ ዘጋጠሞ ብድሆታትን ብምብራህ ብሕጂ ዝጽበየና ዘሎ ስራሕ ብኸመይ ከነሳልጦ ከም ዝግብኣና ብሓባር ንምምኽኻር፡

4.    ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብቲ ኣብ’ዚ ወርሕ’ዚ ከካይዶ መዲቡ ዘሎ ሓፈሻዊ መጋብኣያ (session)፡ነቲ ተጻሒፉ ንድግማ (ረቪው) ዝጽበ ዘሎ ኣርባዕተ ሰነዳት ሃገራዊ ጉባኤ፡

I.             ግዝያዊ መሰጋገሪ ቅዋም

II.            ፖለቲካዊ ቻርተር

III.          ሓባሪ ስእሊ (ሮድ ማፕ) ንደምዳሚ ዓወትን

IV.          ቅርጻ ግዜያዊ ባይቶ

ነቢቡ ድሕሪ ኣኼብኡ ብቕጽበት ንህዝቢ ክዝርግሕ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ጸብጻብ ክኣትዉ ኣለዎም ዝበሃሉ ሓሳባት ንምውህላል።

5.    ሕቶታት ንምምላስን፡ ርእይቶታት ንምስማዕን፡ ለበዋታት ድማ ንምእካብን ክኸውን ኢዩ።

ኣብቲ ናይ ፓነል ልዝብ ኩሎም ናይ ሰሜን ኣመሪካ ኮምሽነራት ክቐርቡ ከለው ፡ ኣአንገድቲ ፓልቶክ ከኣ “ዕጡቕ መንእሰይ ኤርትራ ንደሞክራስን ፍትሕን” ክኾኑ ኢዮም።

ብደሓን ምጹ

ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሰሜን ኣሜሪካ