ተቓወምቲ ውድባትን ምክልኻል ሓይ&#4618
نشر من قبل omaal في 04:09 صباحا - 23 03 1432 هـ (26 02 2011 م)

ተቓወምቲ ውድባትን ምክልኻል ሓይሊታትን

እንታይ ንጽበ?

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ተቓወምቲ ውድባትን ምክልኻል ሓይሊታትን

እንታይ ንጽበ?

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 

ኣታ ህዝቢ ከም ህቦብሎ ንፋስ ተላዓል

ተላኣል ከም ማዕበል ባሕሪ ዝለል

ምልኪ ያኣክለኒ እንብለይ በል

ከም እሳተጎሞራ ክትልብልቦም ንቐል

ኣብ ኤረትራ ዳግማይ ክዕለል።

መንእሰይ ኤረትራ ይሕቆን ኣሎ

ዋርሳይ ይካኣሎ ብረትካ ኣክዕሎ

ኣብ ልዕሊ ጭፍራ ህግደፍ ክተውዕሎ

ኣሃዱታት ኪዳን ኣብ ጎንኻ ኣሎና ንበሎ

ካብ ቱኒዝያ ዝነቐለ ጸረ መለኽቲ ህቦብላ

ናብ ኤረትራ ጀሚሩ ኣሎ ንቕሎ

ንስርዓት ኢሰያስ ናብ ባሕሪ ከጥሕሎ።

ግብራዊያን ንኹን ንህግደፍ ክንሕግሕጎ

ካብ ህዝቢ ዝመንጠሎ ስልጣን ክነሕድጎ

ንዝተቓለሰ ይሕግዛ እዩ ሓደ ረቢ ኣባጅጎ

ሓረስታይ ሓሪሱ ክጸግብ ሃንዛ ምስ ጎጎ።

ተመን ኣብ እግርኻ

በትሪ ኣብ ኢድካ

ብረት ኣብ ክሳድካ

ህግደፍ ኣብ ትሕተኻ

ኣሃዱታት ኪዳን ኣብ ጎንኻ

ምክልኻል ሓይልታት ኣጆኻ

ናይ ለውጢ ሓይሊ ኢኻ ንስኻ

ኣተግብሮ ሕድሪ ኣያታትካ

ክሳብ ማዓስ ክትነብር ጃጂኻ

እንታይ ትጽበ ኣድሕን ህዝብኻ።

ኪዳን ሕጂ እዩ ግዝየ ናይ ለውጢ

መንእሰይ ተቐሩቡሎ ጸረ ጎባጢ

ኣሃዱታትኩም ኣጸግዑ ንውሽጢ።

ኣሎ ዶ ካብዚ ግዝየ ዚ ዝጣዓመ

ንህግደፍ ሸፊንዎ ኮሎ ግመ

ንቐድሞ ንዝተረፈ ከይለከመ

የሎን ብህግደፍ ዘይሓመመ

ብጀካ እቲ ጠቕሙ ዘቐደመ

ክፍደ ቲ.ሕነ ናሓዞ ከይሃደመ።

ደጊም ንመዳናገርቲ የሎን ነቓዕ

ዝገበሩ ገሮም ንብዓት ሓርገጽ ምንባዕ

ደጊም የሎን ዘረባ ምዳናገርቲ ምስማዕ

ግዝየ ኣኺሉ ጃንዳ ህግደፍ ክውቃዕ

ክንደሻዕ ህዝቢ ብስርዓት ሸፋቱ ክብል ዓዕ።

ደቂ ኤረይ ብዘይ ኣፋላላይ

የድልየናሎ ቀዳማይ ጸላኢ ምእላይ

ንእለዮም ንባዓል ጣልማይ

ደም ጀጋኑ ዝሰተዩ እኒ ካሕዳይ።

ድሕሪ ነጻነት 20.ዓመት በኺና

ህዝቢ ኤረትራ ንቃለስ ንሓርነትና

ከምቲ ንነጻነት ዝተበጀዉ ጀጋኑና

ንደሞክራሲ ንግበር እጃምና

እንቢ ንምልኪ ነስምዕ ድምጽና።

ኤረትራዊያን ናበይ ኣበለ እቲ ኒሕ

በለጽ ያኣክል ከይመስለኩም ዘይወግሕ

ብደገን ብውሽጥን ሓደ ድምጺ ነቃልሕ

ህግደፍ ጸሪግና ሓወልቲ ሰማእታት ክንሰርሕ።

ዳሓር ኣብ ደሞክራስያዊት ኤረትራ

ካብ ስርዓት ህግደፍ ምስ ኮነት ሓራ

ተቓወምቲ ምስ ታኣከቡ ኣብ ኣስመራ

ምስ ሲቪካዊያን ማሕበራት ባሓበራ

ኣውራጃታትና በቲ ጡዑም ያታና ክዝምራ

ምስ ህዝብና ክነስተማቕር ጡዑም ናብራ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረታራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን