ወጊድ ምሽቁራር ወጊድ ፍርሒ
نشر من قبل omaal في 03:24 مساء - 21 03 1432 هـ (24 02 2011 م)

ወጊድ ምሽቁራር ወጊድ ፍርሒ

ንተዓጠቅ ብሓባር ንፍትሒ

ብ.ገብረሚካኤል ሃብተጽየን ቆሪጀ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ወጊድ ምሽቁራር ወጊድ ፍርሒ

ንተዓጠቅ ብሓባር ንፍትሒ

ብ.ገብረሚካኤል ሃብተጽየን ቆሪጀ ሃገር ጀርመን

ህዝቢ እንዳ ኣሕለፈ እዚ ኩሉ ግፍዒ

ክንደይ ትጭክኒ ክንደይከ ትስስዒ

ምስ ዚ ጠላም ስርዓት መዘንግዒ

እንታይ ኣምረጸኪ ምስኡ ክትጽግዒ

ነቦታት ነደታት ደም መንብዒ

ቢህወት መንእሰያትና ትጣልዒ

ጸረ ሰላም ጸረ ደሞክራሲ ውግኣት መባርዒ

ከም ዓሳታት ባሕሪ ብጾቱ በላዒ

ብጀካ ግብረ ሽበራ ዘይብሉ ጸግዒ

ንሓንሳብ ፈካሪ ሓንሳብ ተጣራዒ

        ንዓኺየ ኤረትራዊት፡

ኣብ ፈቐዶ ፈስቲቫላት ትስዕስዒ ተጉርዒ

ንሓደሰብ ተምልኺ ንህዝብኺ ትርስዒ

መንግስትና እንዳ በልኪ ተጣቕዒ

ህዝብኺ ብጥምዩ ጮማኺ ትበልዒ

ንሳቶም ከንባህቁ ንስኺ ተጉስዒ

ሕድሪ ዋዕሮ ረባዕ ትርስዒ19

ድሕሪ ማይ ኣብ ባዓቲ ከይትነብዒ

ክረምቲ ዘይዘርእ ኣይሓፍስን ቀውዒ።

       ነዓኻየ  ኤርትራዊ፡

እዚ የዋህ ህዝቢ ጽንዓት ዝተዓጥቐ

ብፋሽሽቲ ኢሳያስ ስልጣኑ ዝተሰርቀ

ድራር ደቂ ንሰውርኡ ዘስነቐ

ምስጢራት ሰውርኡ ዝዓቀበ ሓንቲ ከየምሎቐ

ዓወት ይሃብኩም ደቀይ ኢሉ ዝመረቐ

ኩሉ ድሕሪ ሃገር ሓንቲ ከይበቐቐ

ተጠሊሙ ጸሓይና ምስ በረቐ

ሓንቂቅኩም ተባሂሉ ከይሓንቀቀ

ሰሪቕካ ተባሂሉ ከይሰረቐ

ዓገብ ንዝበልዎ እንዳ ኣሕቀቐ

ንኤማሰ ሰልፉ ብህግደፍ ዘጠመቐ።12

ኣቱም መንግስትና እንዳ በልኩም ትድብሉ

ጃህረኛታት ኣሕዋቶም ዘቃልሉ

ብህግደፋዊያን ህዝብና እንዳ ተበደሉ

ደቖም ዝሃደሙ ሓምሳ ሽሓ እንዳ ኽፈሉ

ገደንኦም እንዳ ሸጦ እንዳ ተመንጠሉ

ኣቱም ሰባት ዓገብ እባ በሉ

ዓመት መጸት ክተመኽንይሉ

ኣይሓይልየልኩምንዩ ከምቲ ትሓልይሉ

ገንዘብኩምዩ ዝዝርፍ ብልእላውነት ኣታሊሉ

ብሓባርዩ ዝጭፍጭፍ ኣልሚሙ ንኹሉ

ንዝቃወምዎ ይኹን ንዘጣቅዕሉ

ከምኡዩ ባህርያቱ ከምኡዩ ኣመሉ

ንኹሉ ታሓቲቱ ዝብል ኣሉ።

ህዝብና ዘጽንት ንሃገር ዘባደም

ኣብ ክንዲ ንሰላም ንውግእ ዝዕድም

ወያነዩ ጸላኢና እንዳ በልና ኣይንቑዝም

ኣመሪካ ዘሪዩና እንናበልና ኣይነዕዘምዝም

ስርዓት ኢሳያስ ካብ መግዛእቲ ቱርኪ ዝሓስም

ንበዓል ቅንጂት ዝምውል ዝዕልም

ፈተውትና ገዲፉ ጸላእትና ዝዕድም

ምስ ልእላውነትና ዘይኣምኑ ተንኮላት ዝኣልም

ንዓባይ ኢትዮጵያ ክገዝእ ዝሓልም።

በሉ ኣሕዋት ኣሓት ይኣኽለና ንዑ ሕጂስ ንለብም

ዝሓለፈ ጌጋታት ክይንደግም

ጸረ ህግደፍ ሓቢርና ንሰጉም

ንሕሉፍ ጌጋታትና ሓቢርና ንገምግም

ህግደፍ እዩ ናይ ኩላትና ጸገም

እዚ ጠላም መብጻዓ እሾኽ መርገም።

ዓወት ንህዝብና

ስዕረትን ሕፍረትን ንስርዓት ኢሳያስን መኹሸምሸምቱን

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና