ኢሰያስ ኣይድሕንንዩ ኣየናይ ዲክ&#4720
نشر من قبل omaal في 04:21 مساء - 19 03 1432 هـ (22 02 2011 م)

ኢሰያስ ኣይድሕንንዩ ኣየናይ ዲክተተር ምስ ዳሓነ

ክፍደ እዩ እቲ ሕነ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ኢሰያስ ኣይድሕንንዩ ኣየናይ ዲክተተር ምስ ዳሓነ

ክፍደ እዩ እቲ ሕነ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ክንሃንጽ ኤረትራ ናይ ኤረትራዊያን

ጭርሖ ቀዳሞት ደቀባት ሃገራዊያን

         ንሱ እዩ

ዕላማ ኤረትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን።

ኪዳን ንምክልኻል ሓይልታት ንጽጋዓዮ

ሓቢርና ንፋሺሽቲ ኢሰያስ ክንኣልዮ

ከምቲ ንመግዛእቲ ዝሰዓርናዮ

ኣውያት ህዝብና ሕጂ ንስማዓዮ

ንኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ክንጽህዮ

ባዕልና ክንመርጽ ይኾነና ዝበልናዮ።

ክፍደ እዩ እቲ ሕነ

ኣየናይ ዲክተተር ምስ ዳሓነ

ኢሰያስ ቀኒይዎ ዘሎ ቅነ ኣይቀነ

ቀሪብና ኢና ብስርዓት ሕጊ ክንዳነ

ምስ ታሓተትኩም ከይከውን ወይኣነ

ወዲ ገርሃቱ ምስ ቀለታ ኪዳነ

ንህግደፍ ዝቃወም ተጠምቑ ወያነ

ብተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ዝተፈንፈነ።

ሰሚዕኩም ዶ ጡዑም ወረ

ኢሰያስ ብፍርሂ ከም ዝተሸቑረረ

ብናይ ከባቢ ለውጢ ዝባህረረ

ህዝባዊ ነድሪ ንመለኽቲ ዘባረረ

ኣብ ኤረትራ ከይልሕም ዘንፈርፈረ

ብስርዓት ህግደፍ ዝመረሮ ከም ዕረ

ንስርዓት ሃይለስላስየ መንግስቱ ዝቐበረ

ኤረትራዊ መን ይሕዞ ምስ ነደረ

ድቃስ የሎን ጃንዳ ህግደፍ ከይተባረረ።

ብሰለይቲን ብዎይጦታትን ህግደፍ ኣይንዕቀንን፡

ወዲ ጀነራል ናይ ህዝብና ሕማም

ሉኡኽ ዓሊ ዓብዱ ወናኒ መስከረም

ምስ መሰልትኻ ሰሚዕናዮ ወረኹም

ነስመራ ታዓዲምኩም ከም ዘለኹም

ነቐዝ ህዝብና ተጋሊጽኩም ኢኹም።

ንኪዳን ምስ ህግደፍ ክተዋዳድሮ

ትብሎ ጠፊኡካ ሲኢንካ ትገብሮ

ብኾፉ ዶላራት ምብላዕ ዝመቀሮ

እቲ ሽፍታ ህግደፍ ካብ ህዝቢ ዝሃገሮ

ኣብዚሕካ ምህራም ናይ ህግደፍ ኮቦሮ

ምስ ከማኻ ዛኣምሰሉ ናይ ህዝቢ መሽሮ።

ኣያ ዘለዎ ይበኪ ነያ ዘይብሉ ከብኪ

ከብቅዕ እዩ ናይ ኢሰያስ ምልኪ

ልዕሊ 40ዓመት ህዝቢ ብኢሰያስ ክበኪ

ቀሪቡ ካሓጽር ዕምሪ ባዓክ በትኪ።

ግዚኡ ሓሊፉ ጀብሃ ሻዕቢያ ምባል

ጀብሃ ሻዕቢያ ንበር ለበዎይ ተቐበል

ናይ ሓባር ድምጺ ነድምጽ ሃየ ሓቦ በል

ህዝብና ክነድሕኖ ካብ ጭፍራ ገበብል

ደቀባት ንሪምና ኢደይ ኢድካ ንበል።

ሕድሪ ሰማእታትና መታን ክኽበር

ጅግንነቶም ኣብ ነባሪ ሓወንቲ ክውቀር

ናብ ዉሉድ ወለዶ ክሳጋገር

ተጋዳላይ ጀብሃ ሻዕብያ ነበር ተባራበር

ኣዕጽምቶም ከይወግኣና ቁምነገር ንግበር።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቱን