እቶም ጸረ ምጥርናፍ ሓሶታት ትሰብ&#477
نشر من قبل omaal في 02:09 مساء - 19 03 1432 هـ (22 02 2011 م)

እቶም ጸረ ምጥርናፍ ሓሶታት ትሰብኩ

ጽባሕ ደኣ መልሓስኩም ከይትሕይኩ

ብ.ገብረሚካኤል ሃብተጽየን ቆሪጀ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

እቶም ጸረ ምጥርናፍ ሓሶታት ትሰብኩ

ጽባሕ ደኣ መልሓስኩም ከይትሕይኩ

ብ.ገብረሚካኤል ሃብተጽየን ቆሪጀ ሃገር ጀርመን

ንምጽላም ንምጽራፍ ከይደቀስካ ትሓድር

ዘይትፈልጦ ነገር ኣይትመድር

ኣብትን ኣብትን እዳበልካ ኣይትዓማጥር

ልእላውነት ኣንዳበልካ ኣይተዳናግር

ተሓጺብካ ኣብ ጭቃ ኣይተንገርግር

ገዳይ ገዳይ ኣይተብዝሕ ኣይተዕገርግር

መልሓስካ ከይትሕይኽ ጽባሕ ከይትሓፍር

ብዙሕ ኣይትጅሃር ኣይተቃባጥር

ጸሓይና ምስ በረቐት ከይትኸፍል ብድር።

ህግደፍ ከየልግስ ዝሽቁረሩ

ከይዓንበቡ ዝሓረሩ

ከይሸወቱ ዝቐምረሩ

ባዕላቶም ዝናኣዱ ዘይሓፍሩ

በዓል ቀለታ ኪዳነ መማህሩ

በዓል ጀኵር ዝ ካድሩ

በዓል ነጋሲ ኮራኹሩ

ደቂ ሕድርትና ዓሻክሩ

መስከረምን ስድርን ኣባትሩ

ንኢሰያስ ከናውሑ ዕምሩ

ሰለም ዘየብሉ ከይደቀሱ ዝሓድሩ

ጸሓይ ከሎ ብቀትሪ ዝቆርሩ

መተኣካኽቢ ዝጠፈሹ ዝኸሰሩ።

ኣቲ እንኪሒራ ቀዳድ ዋህዮ

ዘዝበሉኺ ትጎስምዮ ትደግምዮ

ንመን ኮኒንኪ ኺ ንመን ትንእድዮ

ዓሚ ቅድሚ ዓሚ ዝበልኪዮ ረሲዕክዮ

ንኪዳን ተዓጢቅኪ ክተጸልምዮ

ብምስልምና ዝተዓብለለ ክትብልዮ

እቲ መርዛም ቃላትኪ ትተፍእዮ

ምቁምጣዕ ካብ መረጽኪ ቀጽልዮ

ኣብ ፓልቶጋት ኮንኪ ትግዕርዮ

ይኣኽለኪ በሊ ሕጅስ ኣብዚሕክዮ

ልቢ እንተዕበናስ ሕመቕ ሓሲብኪዮ።

ብሕዛቢ ህግደፍ ኣብ መስከረም ምሕዛል

ወጊድ ንትምክሕቲ ንሕና ንሕና ምባል

ኣብትን ኣብትን እንዳበልካ ምግምጣል

ካብ መረጽኩም በይንኹም ምድባል

ንህዝብኻ ምጥላምዩ እምነት ምጉዳል

ስውራት ከይህልዉ ውን ከድልየናዩ ምጉልጓል

ዘይተወደነ ከይህሉ ዘባል መባል።

7

ዋዕላ ከይዕወት ዘጓጠጡ

ቀጸጽ ድዩ ገቢርሎም ዘዕለብጡ

ህዝብን ሃገርን ረሲዖም ኣብ ጓል ነገር ዝዋጠጡ

ልእላውነት እንዳበሉ ዝሽቅጡ

ሓድነት ተሰምዑ ዘንቀጥቅጡ

ዝብልዎ እንበር ዝባሃልዎ ዘይፈልጡ

እቲ ሕሉፍ ታሪኽኩም ዘሎ ተዓቢጡ

ክግለጽዮ ብማዓልቱ ካብ ሕጂ ፍለጡ።

8

ጅንጅብል መን ተበሉኺ ተበሉኻ ተበልኹም

ኣብ ፓልቶክ ወጨጭቲ አዓስኪርኩም

ዝጻረፋ ዝጻረፉ መልሚልኩም

ብዙሕ ኢኹም ተጓይኹም ተተመሰለልኩም

ኣይቀንዓክሙን ግን ብኹሉ ፈሺልኩም።

5

ብሓሶት ብጸለመ መረት ዘጸልምቱ

እንታይዮ ጸገምኩም ጠፊኡና ብልሓቱ

ህዝቢ እንዳ ጸነተ ንስልጣን ዝቛመቱ

ጸረ ምጥርናፍ ምብትታን ዝፈቱ

ጋዕጋዕ ፖለቲኪኦም ዓዲ ዘየኤቱ።

5

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤረትራ

ስዕረትን ውርደትን ንስርዓት ህግደፍን ሃዋርያቱን

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና