ናይ ቃልስና ዕንቅፋት እስከ ነለሊ&#484
نشر من قبل omaal في 08:36 صباحا - 14 03 1432 هـ (17 02 2011 م)

ናይ ቃልስና ዕንቅፋት እስከ ነለሊዮም

ክንማሃር ስለ ዝበዝሔ ምድግጋም

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባትጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

 

ናይ ቃልስና ዕንቅፋት እስከ ነለሊዮም

ክንማሃር ስለ ዝበዝሔ ምድግጋም

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባትጊ ሃገር ጀርመን

ዋህዮ ሰብዓታት

ናይ ሓድነትና ዕቅፋት

ካብ ኣፍደገ ናጽነት ንድሕሪት:

ዋህዮ ሰማንያታት

ዕላማ ህዝቢ ንድሕሪት ምጉታት

ንምርዋይ ንጠቕሚ ዉሑዳት:

ዋህዮ ተስዓታት

ብመስዋእቲ ዝተራጋገጸት ሃገር

ተዋፊሮም ናብ ዳግማይ ኩናት

ሰሪሖም ንጠቕሚ ጠላማት

ሃገር ወዲቓ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት

ብጃንዳ ናይ ህግደፍ ስርዓት

ብዘይ ሕጊ ንዕስራ ዓመት።

ዋህዮ 2ሽሕ ናይ ውዲት ሉኡኻት

ሰሊኾም ዛኣተዉ ናብ ውድባት

ኤረትራዊ ከይረክብ ቅሳነት

ንጥርናፈና ዘእተዉሉ ህውኮት

ስኒት ዝረገጹ ሲኒት ናይ አሓዋት

ብ.ናይ ዲክተተር ዑሱባት

ተዋፊሮም ጸረ ኣለና ውጻእ ማዓት

ክዕንቅፍዎ ታሪኽ ጀጋኑ ከይጻሓፍ

ጉዶም ተቐሊዑ ዎዮም ዑሱባት።

ተፈሊጥካ አቶ ቀለታ ኪዳነ

ስዉራት ናይ ህግደፍ ምስሌነ፡

ቀለታ መን ሰዲዱልካ ስእሊ ኣለና

ብኸምዚ አይዕንቀፍን ጅግና

ንካስል ዘምጻኣኩም በሪሁልና

ከም ተቓወምቲ ተጸጊዕኩምና

ምስ ዓብደላ ኣደም ኣዳናጊርኩምና

ተልእኾኹም ነሩ ፋሕ ክተብሉና

ደንጕና ኣለሊና ዓለቕቲ ቃልስና።

ናይ ቃልስና ዕንቅፋት እዚኦም እዮም

ህዝቢ ኤረትራ መንሽሮኻ ኣለሊዮም

ብደገን ብውሽጥን ህግደፍ ዘዋፈርዎም

ዋህዮታት ውልቀ መላኺ ፈሊጥናዮም።

መለበሚ ኣይኽላእካ መለበሚ ኣይግበርካ ለቢምና ኣሎና

አለና ቀጽል አጆኻ አጆና

ኣጋልጾም ደመኛታት ህዝብና

አይሰድድን እዩ ደም ጀጋኑና

ደለይቲ ፍትሒ አብ ጎንኻ አሎና

ኢሰያስ ምስ ጃንዱኡ ኣሲርና

ግዝኣተ ሕጊ ክሰፍን ኣብ ሃገርና

ክነቕስኖም ጀጋኑ ሰማእታትና።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን