ተቓወምቲ ውድባት እንታይ ንጽበ
نشر من قبل omaal في 09:07 صباحا - 08 03 1432 هـ (11 02 2011 م)

ተቓወምቲ ውድባት እንታይ ንጽበ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ተቓወምቲ ውድባት እንታይ ንጽበ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 

ተቓወምቲ ውድባት እንታይ ንጽበ?

ንምክልኻል ሕይልታት ተጸግዕዎ

ናይ ለውጢ ሓይሊ ክከውን ሕተትዎ

ንለውጢ እጃሙ ከበርክት ኣባራትዕዎ

ታሓባቢርኩም ንህዝቢ ክተድሕንዎ

ሽሕ ኪሎመተር ብሓደ ክትዓምዎ

ለውጢ ክራጋገጽ ህዝብና ክርህዎ።

ህዝቢ ብዲክተተር ደም እንዳ ታሓልበ

ወደባት ተኻላቢቱ ዓቕሉ እንዳ ኣጽበበ

ምንእሰይ እግሩ ብዝመርሖ እንዳ ዓረበ

ታኣሰሩ ህግደፍ እንዳ ተለብለበ

ተቓወምቲ ውድባት እንታይ ንጽበ።

ተቓወምቲ ክንዲ ስራሕ ዘረባ ጥራሕ

ዓመታት ሓሊፉ ብጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ

ብጃንዳ ህግደፍ ህዝቢ ይቕተል ይጥባሕ

ግብሪ ዘይብሉ ብዘረባ ማዓስ የውግሕ

ዘረባ ገዲፍና ዘድምዕ ስራሕ ንስራሕ።

ተቓወምቲ እንታይ ንጽበ?

ዓዲ እገላ ተፋናቒሉ ካብ ትብሉ

ኣብ ጎንኻ ኣሎና ኮሎ ብቐሊሉ

ህዝቢ ከይፈርሔ ክካላኸል ንመሰሉ

ብዘረባ ምቕዋም ፍይዳ ነይብሉ

ንህግደፍ ዘረባ ማዓስ የድማዓሉ።

ህዝቢ ክስዕበና ተጸግዑ ንዓዲ

ከም ቀደሙ ህዝቢ ክሕብር መንገዲ

ኣብ ልዕሊ ጽረ ህዝቢ ሕነ ክንፈዲ

ከዳዓት ኣባሪሩ ክቀስን ወዲ ዓዲ።

ብህግደፍ ሓዊ እንዳ ታኣጉደ

ወደባት ርስቱ ክገድፍ ካብ ተገደደ

ብግዲ ንባርካ እንዳ ወረደ

ማይበቱ ገዲፉ እንዳ ተሰደ

ህግደፍ ኢዱ ሓዊ ከይነደደ

ቅሳነት ተረኺቡ ማለት ዕደ።

ንጸረ ህዝቢ ኣጽድፍዎ በቲ ጎቦ

ንገበነኛ ዘረባ ጥራሕ ማዓስ ያዓጅቦ

ንሕጊ ኣልቦ በቲ ዘሕምሞ ንዛረቦ

ቃሳነት ክረክብ ዓዶቦ ቦ ቦ ቦ ቦ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጃጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን