አቶ ፍቓዱ ልጃም
نشر من قبل omaal في 06:56 صباحا - 27 02 1432 هـ (01 02 2011 م)

Feqado Legam Hazen 2011.jpg

አቶ ፍቓዱ ልጃም

1958 – 2011

ቃል ሓዘን

ሓውና ፍቓዱ ልጃም ብዝሓደሮ ናይ ሓጺር ግዜ ሕማም ብዕለት 13 ጥሪ 2011

( January 13, 2011 ) ኻብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ፍቕዱ ብተፈጥሮኡ ኩሉ ግዜ

ሕጉስ ፈታው ሰብ ፈታው ጽቡቕ ስለዝነበረ ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ሰብ ምሕጋዝን ምትሕብባርን የጥፍኦ ነበረ። ዝኾነ ሽግር ዘጋጠሞ ሰብ ድማ ሓገዝን ምኽርን ንምርካብ ናብ ፍቓዱ ዘይውከስ ሰብ ኣይነበረን። ንሱ ከኣ ወገን ይኹን ዓለት ከይፈለየ ክእለቱ ንዘፍቀዶ ኩሉ ከይተገበዘ ንኹሉ ህዝቢ ብዘይ ኣዳላው ዝሕግዝ ዝነበረ ብህዝቢ ሳን ሆዘን ከባቢኣን ኣዝዩ ፍትው ዝተመስገነ ሰብ ዝነበረ እዩ።  ከምቲ ሰብ ዝፈትዎ ፈጣሪ እውን ስለዝፈተዎ ናብ እዱ ጠርኒፉዎ ኣሎ'ሞ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ እንዳበልና ጸሎትና ነብጽሓሉ።

ፍቓዱ ብዕለት 29 ጥሪ 2011 ኣብ ከረን ኣብ ጎድኒ ወላዲኡ ብዓብይ ክብሪ ናይ ቀብሪ ስነስዓት ተፈጺሙሉ።   

ምስጋና

ብምኽንያት ሞት በዓል ቤተይ (ቃል ኪዳነይ) ፍቓዱ ልጃም ንዝተገብረለይ  ምትሕብባር ፤ ሓገዝን ምጽንናዕን ፤ ካብ ግዜ ሕማሙ ኣትሒዝኩም ናብ ሆስፒታል ይኹን ናብ ገዛ ምስ'ቲ ኩሉ ዕማማትኩምን ናብራኹምን ደኺምና ከይበልኩም ብዘይ ዕረፍቲ እንዳተመላለስኩም ብጉልበትኩም ይኹን ብገንዘብኩም ፤ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትሕቲ እግዝኣብሄር ሂወቱ ንምድሓን ፍሉያት ሽማግለ መዚዝኩም ንዝተጓየኹም ርህሩህን ሰናይን ተግባርኩም ካብ ልቢ የመስግነኩም።

ካብ ርሑቕ መጺእኩም በኣካል ንዝተሳተፍኩም ፤ ብተለፎን እንዳደወልኩም ንዘጻናናዕኩምኒ ፤ ክሳን መወዳእታ ናይ ቀብሩ ስነ ሰርዓት ብጽቡቕ ንኽፍጸም ዝተሓባበርኩምን ዘማዕረኩምን ፈተውትን  ኣሕዋትን ኣሓትን ብስመይን ብስም ቤተሰበይን ኮይነ ሕሱም ኣይትርከቡ ፤ የቐንየለይ ክብረት ይሃበለይ ኢድኩም ኣብ ጽቡቕ  ተፈደይዎ እንዳበልኩ ምስጋናይ ይብጻሕኩም።

ወ/ሮ ሓንጻ ናቡተ   ምስ ጓለይ ጁልያን ፍቓዱ ምስ ኩሎም ቤተሰብ ብሓባር