ሰማእታትና ተሲኦም እንተ ዝፈርዱ
نشر من قبل omaal في 10:31 صباحا - 24 02 1432 هـ (29 01 2011 م)

ሰማእታትና ተሲኦም እንተ ዝፈርዱ

ምስ መሰልቱ እንታይ ምበለ ቢኢዱ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ሰማእታትና ተሲኦም እንተ ዝፈርዱ

ምስ መሰልቱ እንታይ ምበለ ቢኢዱ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ሰማእታትና ተሲኦም እንተዝፈርዱ

ምስ መሰልቱ እንታይ ምበለ ቢኢዱ

ኣብ ሕጊ ቀሪቦም ክሳብ ምተፈርዱ

ሹዑስ እቶም መሰልቶም ምገደዱ

ከምዘይ ነበሩ ምሱኡ ምካሓዱ

ናዓመታት ደድሕሪኡ ከምዘይከዱ

ኣበይ ከይከዱ ዋላ እንተካሓዱ።

እዞም ሰባት መን እዮም

20 ዓመት ዓንቂፎም

ኣብ ዝጸንሑ ጸኒሖም

ካብ ቃልሲ ሪሕቖም

ኣብ ምፍንጫል ተዋፊሮም

ሰውራዊ ባይቶ በቲኖም

ይግባእ ክነቃልዖም

መታን ክተርፉ ጥርሖም

ሕጂ ግና ኩሎም

ኣብ E.P.D.P ታኣኪቦም

ህዝቢ ይግባእ ክፈልጦም።

ጀሚሮም ምባል ህዉኻት

እንታይ ዕላማኦም እዞም ሰባት

ዝጽበዩ ህዝቢ ከጽንት ቲ ስርዓት

ንቃልሲ  ኮይኖም ዕንቅፋት

ደጊም የብልኩምን ተቐባልነት።

በርሀ ምስ ደቁ ከይዱ ኢሎም ይኸሱ

ኣይወርሱ ብቅንኢ ዝተሓመሱ

ዕድሚኦም ሐሊፉ ከፍርሱ

ኢሰያስ ታዓንቂፉ ዝሕንክሱ

ኣይሰርሑ ኣየስርሑ ዝደቀሱ

ባሕሪ መሲልዎም ኣብ ሑጻ ዝሕንብሱ

ሕጂ ኣጸልሙ ጽባሕ መልሓስኩም ትነኽሱ

ሕኸኸኒ ካሓከካ

ካብ ኣውሮጳ ኣመሪካ

ንታሓጋገዝ በጃኻ

በል ኣለኹ ምሳኻ

ኣጸልሞም ግደኻ

ሉኡኻት ወያነ ኢልካ።

ጠሊቶ ኣለኺዶ ምሳና  

ዕልልታኺ እባ ኣስንእና

ዋዕላ ኣስላም ደገምልና

ነጸልሞም ታሓቢርና

ሳዓቢ እንተ ረኸብና

ኣብ ፓልቶክ ዝሕግዙና።

ኣብ ጎኒ ፍሹላት ዝተሰለፋ

ኣብ ፓልቶክ ዝሓድራ ክልፍልፋ

ደስ ኢልወን ሓርበኛታት ክዝልፋ።

ይርሓቕ ካባና ሓሶት ዘውሪ

ተጋሊጹ እዩ እንታይ ከየፍሪ

ወናኑ መስከረም መዳናገሪ

ማዓስከሮም ነቶም ዘይፈልጡ ነውሪ

ሉኡኽ ህግደፍ ናይ ፓልቶክ መዋፈሪ።

ጠቕሚ ኣለዎ ዶ ትም

ጣቋ ዘይብሉ ጉጅም

ናይ ህዝብና ሕማም

ሓጉዙና ካብ ምቑዛም።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን