እዛም ሰባት ካብ ቀደም ኣለዎም ዝን&#48
نشر من قبل omaal في 11:53 صباحا - 22 01 1432 هـ (28 12 2010 م)

እዛም ሰባት ካብ ቀደም ኣለዎም ዝንድና

ብውሽጥን ብደገን ዓጢቖም ክበታቱኑና

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

እዛም ሰባት ካብ ቀደም ኣለዎም ዝንድና

ብውሽጥን ብደገን ዓጢቖም ክበታቱኑና

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ጽሑፍ ኣሰና ገለ ኣዘኪሩና  

እዞም ሰባት ኣሎዎም ዝምድና

ሕጂስ ከም ጻሓይ በሪሁልና

ብደገ ብውሽጥ ዓጢቖምልና

ክሳብ ዝጽውዖም ከዳናጉዩና

ያኣክል ዝዓሸናዮ ያኣኽለና

ሕጂስ ኣለሊናዮም ጸላእትና።

ንሶም ሃገራዊያን ንሕና ጓኖት

ንሶም ታሓለቕቲ ንልእላውነት

ንሕና ኣዕነውቲ ንሶም ቁኑዓት

እቲ ሓደ ካብ ገደሶ ኣስማት

እቲ ሓደ ካብ በለ ጃሃዳት

ባዕሎም ወጺኦም ቅርዓት

ተጋሊጾ ዎዮም ሑቡኣት

እዚ ድዩ ቲ ናትኩም ጽንዓት

ኣሰና ኣጋሊጹኩም ብትብዓት።

ጥሉል ነዲዱ አብዚሑ ትኪ

ብመዳናገርቲ ክንደይ ሻዕ ክንበኪ

ንጹሃትና ሃቡና ኪዱልና ባዓል ጸይቂ

ኣይንደልን ይጽናሕ ዝብሉ ንመላኺ።

ንምሕዝነት በቲኖም ሕጂ ንኪዳን

ይደግስ ኣሎ ንሕናን ዕላማናን

ኣይትታሃመሉ ኣስላም ክስታን

ኣለናዮ ባዕልና ተሓለቕቲ ኣየድልዩናን

ዝጥርንፉ እንበር ዝፈላሊዩስ ኣይዋሓዱናን

ኣብ ኤረትራ ብጀካ ህግደፍ ጸላኢ የብልናን

ብደም ኣሕዋት ኢና ኣስላም ምስ ክስታን።

ውላድ ዓድ ነቕብሎ ምድርና

ቁሩባም ህለና ግልነድበ ኣባይ ሻዓብና

እብ ሰነት ግልንንበር ከም በዲርና

እስላም ክስታን ምስል ንናድል ህለና።

ኣለሊናዮም ንሓንኮልቲ

ተፈሊጦም መታለልቲ

ጉዶም ወጺኡ በብሓንቲ

ጽንዑ ጽንዑ ተቓለስቲ

ቀሪብና ጽሩይ ማይ ክንሰቲ።

እቲ ንፈልጦ ኣየውጻእናዮን ገና

ብዓቕምና ንፈልጦ ብዙሕ ኣሎና

ምሕንኳል ገደፉ ከይነውጽኦ በርቢርና

ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ከይበልና

ሳላ ኣለና ኣሰና ብዙሕ ፈሊጥና ኣሎና።

ታዓዚበካ ነረ ብዓንቶቦ

መሪጸ ግን ዕላማኻ ክዕዘቦ

መፍረሲ ዳስ ዓንዲ ዓደቦ

በሪሁ ቲ ዘብለካ ጎቦ ጎቦ።

ታሓላቂ መን ሙዃንካስ በሪሁ

ምስጢር ኣይተርፍን ታሓቢኡ

ኣስላም ምባል ዘብዘሔ ኣንጊሁ።

ኣየድልዩናን ናይ ህግደፍ ጸገንቲ

ህዝቢ ይቕንጸል ትብሉ ላዕሊ ታሕቲ

ጀጋኑ ምስ መረሹ ወይለኹም ኣጋፈርቲ

ህዝቢ ይቕንጸል የማን ጸጋም ባሃልቲ።

ስዉር ምስጢር ይቀላዕ ተበርቢሩ

ክንደይ ሻዕ ክነብር ተሰዊሩ

ዉሑድ ዶ ዓንቂፉ ኣዳናጊሩ።

ህዝቢ ይቕንጸል ብቃጻ

ኣይበዝሔን ዶ ፋጻ

ንመን ንምድሓን እዚ ኩሉ ቃንዛ

ያኣክል ከም ዝብኢ ኣንጽፉለይ ኣጎዛ

ጸረ ህግደፍ ነልዕል ፋስ ምሳር ኣፍራዛ

ሃገር ብደም እንበር ኣይተረኸበትን ብዋዛ።

ንስኻትኩምስ ኪዱ ቶም ንጹሃትና ሃቡና

ሎምስ ኣትማን ስደት ኣለሊናዮም ኣሎና

ኣብ ዝመጽእ የራኽበና።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን