ሩሑስ ባዓል ልደት ሓዲሽ ዓመት ይግ&#47
نشر من قبل omaal في 09:59 مساء - 18 01 1432 هـ (24 12 2010 م)

ሩሑስ ባዓል ልደት ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ሩሑስ ባዓል ልደት ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ርሕስ ባዓል ልደት ይገበረልና

ሓዲሽ ዓመት ጥዕና ንኹሉና

ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ዘለና

ኢዶም ኣይስኣኑ ጸላእቲ ህዝብና

ልደት ዒድ ከይነሕልፎ ዓድና

ውሉድን ወላዲን ሓበርና

ህዝብና ከይካፈል ካብ በረኸትና

ምልኪ ሳዕሪሩ ኣብ ሃገርና

ናህና ከይኣክል ሲዒቦም የሕዋትና

ጃንዳ ሸፋቱ ፋሕ ብትን ኣቢሎምና።

ትዝክሩ ዶ ኣብ ቦሎኛ

ክባሃል ንኺድ ናዓድና

ሓቂ ከምስሉ ዝፈተውና

ስለ ዝፈለጥዎ ሕልምና

ስለ ዝፈለጡ ንፈቱ ሃገርና

ነጻነት ብምርካብና ተሓጕስና

ብዓወት ንሓፋሽ ተታሊልና

ዕስራ ዓመት ዓንዲሮምልና

እንተ ሕጂ ግና

ያአክል ንበል ሓቢርና

ክልተ ሽሕን ፩፩ ሓደን

ሰናይ ዘበን ክኾነልና።

ህግደፍ ኮሎ የሎን ኡፎይታ

ንድሕነት ህዝቢ ተማጎቱ ተማጎታ

ከይሸቀልካ ዶ ይርከብ ቅጫ ምስ ጣይታ

እንቢ ንምልኪ ንበል ዓደቦና ክሰፍኖ ሩፍታ።

ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ

ደጋፊ ጉሒላ ክጸድፍ

ጉሒላ መልሓሱ ክዕጸፍ።

ዘይለበመ ሕጂ ይለብም

ጠለምቲ ሕድሪ ክረኽቡ ፍርዶም

ኢደይ ኢድካ ኢልና ሽሽ ንበሎም

ህግድፋዊያን ክበንን ሕልሞም።

ክንኣልዮ ናይ ህዝቢ መንሽሮ

ክንስስን ዕምሪ ምልኪ ነሕጽሮ

ብበርበረ ዓጢና ነሳርስሮ

ክነግረና ኩሉ እቲ ዝገበሮ

ተላጋቢ ሕማም ኵዒትና ንቕበሮ።

 ኤረትራ ክትከውን ናይ ኩሉ

ዓለት ሃይማኖት ምፍልልይ ዘይብሉ

ያዕ ንበሎም ኣውራጃታትና ዝማቓቐሉ

ዝተፈለናዮ ገበላ ተመሊስና ክነጽልለሉ

ገንሸል ሰማእታትና ክንሓርደሉ

ደቂ ኤረይ ብውሽጥን ብደገን ተላዓሉ።

ብውሽጥን ብደገን ዘይጠለምና ኣሎና

ኣሎና እወ ኣለና ንበል ሓቢርና

ስንባደ ካሓድሮም ዝጠለሙ ሕድርና።

ህለና ውላድ ዓድ ኢንበደ

ሓተ ምዕል ማሓ ባርካ ንትዓደ

ሻዓብ ኤረትሪያ ሰብር ውደ

ነቐብሉ ምድርና ኢንበደ ኣባይና ልብደ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘብን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን