ኣትተንክፉና ከይነውጾኦ እቲ ንፈ&#4621
نشر من قبل omaal في 07:35 صباحا - 04 01 1432 هـ (10 12 2010 م)

ኣትተንክፉና ከይነውጾኦ እቲ ንፈልጦ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ኣትተንክፉና ከይነውጾኦ እቲ ንፈልጦ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ሰውራዊ ባይቶ

ድሕሪ ዓባይ ተ.ሓ.ኤ.ፋሕ ምባላ

ብተቓለስቲ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ተተኺላ

ማዕረ ህዝባዊ ግንባር ክትከውን ደኺምናላ

ድሕሪ ነጻ ሃገር ኢሰያስ መታን ከይጻወተላ

ምስ ጭፍራ ኢሰያስ መታን ከይዕንድሩላ

ተቃላሳይ ነበር ህዝባዊያን ማሕበራትን ኩላ

ንተሓኤ ኣብ ቦታ ቃልሰ ክትመልስ ነቒላ

እንታይ እሞ እንደገና እቶም ተዃሉ አብቝላ

አብ ክንዲ ሓያል ውድብ ትኸውን ፋሕ ኢላ

እዝን ወዲ ከምዝን ትሕዝቶኹም።

ካብ በልካ መጭበርበሪ

ኣነ ይብለካ ጸግዓዊ

ብዘይ መሽረፈት ዘንክስ ሓዊ

ኣይትፈትን ናዓና ክትጠዊ

ንስልጣን ዝሕልሞም ክተርዊ

ኣብ ግዝየ ቃልሲ ነርካ መማዕደዊ

ኣይትጽዓር ድልየት ውሑዳት ከርዊ

ንገለ ምድጋፍ ኣየብለካን ሃገራዊ

ኣብ ቦቱኡ ንሓሳዊ ዝበለ ክትብሎ ሓሳዊ

ገለ ሰሪሕናላ ለይቲ ምስ ማአልቲ

ሕድሪ ስዉአት ከይንጠልም ምእንቲ

ገንዘብ ሂብናኩም ናይ ውድብ ሃብቲ

ሕድሪ ዝጠመሙ ካድራት አኪብና

ከይፈለጥናዮም ምዃኖም መታለልቲ

እዝን ወዲ ከምዝን ትሕዝቶኹም።

አብ ክንዲ ዝምክቱ

ንድሕሪት ዝጎቱ

ንህዝቢ አስሒቶም አንፈቱ

ውድቡ ገዲፉ ናብ ህግደፍ ከቲቱ

ሰራዊት ሓርነት በቲኖሞ ንምሸቱ

እዚን ወዲ ከምዝን ትሕዝቶኹም።

በቶም አብ ሰውራዊ ባይቶ ዝሰሎኹ

ተስፋ ቆሪጹ ከም ቅጫ ሞቑሎ ተኺኹ

ሕልኑኡ ደኺሙ አብ ህግደፍ አብሪኹ

ታዓዊቶም አብ ሰውራዊ ባይቶ ዛዓስከሩ።

ድሕሪዚ.ግን

ከም ሰዉአ ዝጣዓመላ ማእምን

አውሮጳ አመሪካ ኢቴዮጲያ ሱዳን

ተዛቲና ግን አይተሳማማዕናን

ሰሚርና ግን አይተቛዶናን

እዚን ወዲ ከምዚን ትሕዝቶኹም።

ሰውራዊ ባይቶ ክትዓቢ ኢልና

ህዝባዊ ባዓላት ተሓኤ እንዳ ገበርና

ቢዛ ኤርቲከት ከፊልና

አኪብናኩም መሰረታት ንሕና

ግን ፋሕ ብትን አእቲዮምልና

ቃንዛ ኩርምቲ ኮይኖምና

እዝን ወዲ ከምዝን ትሕዝቶኹም።

ሰውራዊ ባይቶ ናብ ሰልፊ ቀይርና

ምስ ሰልፊ ሞክራሲ ሰሚርና

ሙሁራት ኢና ምስ ሙሁራት ዘቲና

ምስ ስድሪ ዋዕላ ክንገብር ኢና

አርባዕተ ሰልፍታት ተጠርኒፍና

ዋዕላ አይውክለናን የለናሉን ንሕና

እዚን ወዲ ከምዝን ትሕዝቶኹም።

ጻሃየ ቀለታ

እታ ናትካ እንተ ታዓዊታ ዶ በልካ

ውድበይ ምልካዊት ከይትኸውን ፈሪህካ

ተጋጊኻ እብለካ

አብ ውድበይ የሎን ከምቲ ሕልናኻ

ድሕሪ ሕጂ ምልኪ አበደን እብለካ

እንተቲ ጸርፊ ዝመሰለካ

ጸርፊ ዘለፋ ከምዚ ናትካ

ሓርበኛታት አቦና ዝዘለፍካ

ጸርፊስ ኣሎ ምሳኻ ምስ መቓልስትኻ።

ሕንሳብ መሳርሕ ወያኒዶ

ዜየማ ህግደፍ ደገምኩም

መን ያአምነኩም ዝበልኩም እንተበልኩም

መርምሩ መራሕትኹም አቐዲምኩም

ጎንጻዊ ቃልሲ አየድልየናን ከምዘይበልኩም

ኤረትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን እንተ ዘለፍኩም

አየምሕረልኩም ህዝቢ ከይክዕበኩም።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ናዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን