ድንብርጽ ኣይበልኩም ቶጎርባ ምስ &#487
نشر من قبل omaal في 07:45 صباحا - 04 12 1431 هـ (10 11 2010 م)

ድንብርጽ ኣይበልኩም ቶጎርባ ምስ ገረግር

ዋጋ አይታሃብዎም ነቶም ዝብሉ ዕግርግር

መርበባትኩም ኢየን ልሳን ዉጹዓት

ግዲ ኣይትግበሩሎም ነቶም ዑሱባት


تفاصيل الخبر

ድንብርጽ ኣይበልኩም ቶጎርባ ምስ ገረግር

ዋጋ አይታሃብዎም ነቶም ዝብሉ ዕግርግር

መርበባትኩም ኢየን ልሳን ዉጹዓት

ግዲ ኣይትግበሩሎም ነቶም ዑሱባት

ሰብ ዕላማ ኢኹም ሰብ ጽንዓት

ደኺምና ከይበልኩም ትሰቕሉ ጹሑፋት

ዘዛርቦም ዘሎ ፍለጥዎ ምዃኑ ዓቕሊጽበት

ጸብለልነት ስለ ዘርኣያ ካብ መስከረም ዶት ነት

መርበባትኩም ኣብ ህዝቢ ሰለ ዝጥረያ ተቐባልነት።

ከምኡ ውን ምስጋና ይግበኤን ተን ካልኦት

መርበባት ትሰቕላ ንህግደፍ ዘጋልጽ ጽሑፋት።

ክንደ ዓቒበት ዘይወጻእና በለት አድጊ

አደልዲልና ናሓዛ እታ ናይ ሓባር ተንጊ

ኣለዉና እወ ቶጎርባ ምስ ገረግር ጎ.ገ.ጊ።

ማዓዳ አብ መርበባትኩም ይስቀል

ተቓውሞ አብ መርበባትኩም ይስቀል

አራሚ ጹሑፋት አብ መርበባትኩም ይስቀል

ንህግደፍን ደገፍቶምን አቢልዎም ሸቐልቀል።

ብግጥሚ ቀጻሊ እዩ ተቓውሞና   

  ጸረ ህግደፍ ቀጻሊ እዩ ቃልስና

ጸረ ህግደፍ ክዕወት እዩ ዕላማና

ምስጋና ይብጻሕኩም ካባና

ካብቶም ነድክመኩም ዘለና

ጻማ ቓልስኹም ክፈልጦ እዩ ህዝብና።

አብ ስራሕኩም ዓወትን አሳልጦን ይምነየልኩም

ፍቕርን ስኒትን ጥዕናን ይኹን ናዓኹም ምስ ሙሉአት ስድራበትኹም።

ካብ ናይ ዕላማ ብጻይኩም

በርሀ ዑቑባዝጊ ሃገር ጀርመን።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን