ጉድረኺብና ብተቓወምቲ ኢና ባሃል&#4722
نشر من قبل omaal في 06:55 صباحا - 30 11 1431 هـ (06 11 2010 م)

ጉድረኺብና ብተቓወምቲ ኢና ባሃልቲ

ኣብ ክንዲ ዛዓደምና ሓቢርና ክንዝቲ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ጉድረኺብና ብተቓወምቲ ኢና ባሃልቲ

ኣብ ክንዲ ዛዓደምና ሓቢርና ክንዝቲ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ዝራኣናዮ ኣየዛርበና በለት ጉቡጢሽ ይባሃል

ንሕና ካኣ ዘዝሰማዕናዮ ኣየዛርበና ንብል።

ሸውሃት ጽልኡ ክነርዊ ካብ ዓወት ዛሃደመ ተቓውሞ ዝበልኩ

ምና ፡ካበየናይ ዓወት ኢና ሃዲምና እስከ ንገሩና።

መልሲ ንኤምቢሰመ

አብ ዓዲ ማንደላ ተቐሚጥኩም ዘተን ስኒትን ዘይተማሃርኩም

ምኽንያቱ ክንነግረኩም አባታትና ክምስሉ ከለዉ ከምዚ  ኢሎም ይምስሉ መን ምዃንካ ክፈልጠካ ምስ መን ከም ትኸይድ ንገረኑ ኢሎም ይምስሉ። እቲ ምንታይሲ ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጽ ስለ  ዝኾንኩም።ንሕና ዘይተጣራጠርናስ ንስኹም ስለዚ ደጊምና ደጋጊምና ዓገብ ንብለኩም። ንሕና ዲክተተር አሊና። ደሞክራስያዊ ስርዓት ክንተክል እንበር አብ ሃገርና ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ዘይመረጾ ስርዓት ክትከል ኣይኮነን ቃልስና ንሱ ኣይኮነን ሰማእታትና ሕድሪ ዛሃቡና።

ምስ ደቀስኩም ጸጽቡቑ ሕለሙ

ቃልሲ ክቃላጠፍ ህዝቢ ክፍታሕ ጸገሙ።

ሓቢርና ንስራሕ ክንዲ ዝበልና ተቖጺርና ዓያሹ

ጽልኢ አይትፍጠሩ ኢሰያስ ኣብ ምጋሹ

ታሓለቕቲ ናይ መን ኢኹም እስከ ተፈተሹ

ካብ ምንታይ ፈሪሕኩም ክንድዚ ትርበሹ።

ፋይዳ የብሉን ኣብ ራዲዮ ሓሕ ንበሎ ሓሕ

ነገር እንዳ ኣለምካ ኣእዛን ህዝቢ ምኩሕኳሕ

ህዝብና ንምድሓን ከይተጓራራሕና ንስራሕ

ኪዳን ባሓደ ሰልፊ ከም ህግደፍ አይኮነን ዝምራሕ።

ህዝቢ ኤረትራ ንነጻነቱ ተቓሊሱ

ንሱ ንስልጣኑ ነሩ ቓሊሱ

ምስ ደቂማዛምርቱ ክፍኣት ፊሒሱ

ሕልሙ ሰሚሩሉ ገዛኢና ኮይኑ ንሱ

ኤ.ም.ቢ.ሰ.መ ንመን ንምድሓ ኢኹም ትቃለሱ

ንተቃወምቲ ትኹሱ ተናኣእሱ።

ሕጂ ውን ሉኡኻቱ ይብርቱዑ ካባና

ከም ተቓለስቲ ኣትዮም ኣብ ሞንጎና

ከይንቃራረብ ይጽዕሩ ፋሕ የቡሉና

ጸላእትና ኣይፈለጥናዮምን ጋና ጋና።

ዘበን ግሪንቢጥስ ማይ ናዓቐብ

ካብ ዓወት ዛሃደመ ንስኻትኩም ዶ ንሕና

ብዘይ ባኣኹም ሓደ ሱጉምቲ ንቕድሚት ከድና

ፍሹል ዝበልክምዎ ዋዕላ ንደሞክስያዊ ለውጢ ኣዓዊትና

ዓረብ ክምስሉ ታህዲድ ኑሰል ዓመል ይብሉ

ኩዉን ዘይኩውን ካብ ትዛረቡ

ላም ብዘይ ማሕለኻ ክትሓልቡ ካብ ትሕሰቡ

ወከልትኹም ሰዲድኩም ምስ ተቓወምቲ ተላዘቡ

ኢሰያስ ዕምሩ ካሓጽር ህዝቢ ክረክብ ዓስቡ።

ዓወት ነቲ ደምዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን