ኣብ ግራትና  ዝቦቖለት እሾኽ
نشر من قبل omaal في 06:24 صباحا - 18 10 1431 هـ (26 09 2010 م)

ኣብ ግራትና  ዝቦቖለት እሾኽ

እንዳ ወግኤት ኣቢላትና ተኸኽ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ኣብ ግራትና  ዝቦቖለት እሾኽ

እንዳ ወግኤት ኣቢላትና ተኸኽ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ኣብ ግራትና ዝቦቖለት እሾኽ

እንዳ ወግኤት ኣቢላትና ተኸኽ

ደሞክራስያዊት መሲላ

ኣትያ ኣብ ሞንጎና ገዛና

ክሳብ ማዓስ ክትፈላልየና

ካብ ሱራ ንምሓዋ ክርህወና።

ብደሞክራስን ፍትሕን ተጠሚቓ

ተቓሊሶም ዘቃለሱ ኣሕቂቓ

ንብረት ሃገር ዶብ ኣስጊራቶ ሰሪቓ

ስኒት ከሊኣትና ሃሱሳት ሊኢኻ።

ንሕና ዶ ጥልመት መጋጠመና

ንሳላሳ ዓመታት ከምዘይ ደመና

ተጠሊሙ ሕድሪ ሰማእታትና

ኤረትራዊያን እንታይ ሽግርና

ሓቢርና ዘይነስምዕ ተቓውሞና።

እታ ብርኩታስ እምኒ ኣላታ

ኣይግድን ባዓል ብላታ

ኣይበዝሔን ዶ እንቢታ

ዓበይቲ ዓዲ ኣዊጆም ስምዕታ

ናይ ፖሎቲካ ንድየት ንሳ ምልክታ

ምፍቲሒኡ ኮሎ ኣብ ኢድና

ሳኣን ስኒት ናትና ይጸንት ሰብና

ሓሪሱ ምብላዕ ሓሪምዎ ህዝብና

ንሕና ኣብ ዝጥዕመና ተቐሚጥና

 ሕድሕድ ንማናጨት ኣሎና

ሕድሪ ሰማእታትና ምትግባሩ ሰኢና።

ኣይትዋራዘዩ  ክንሰርሕ ሕደጉና

ንድሕነት ህዝቢ ክንገብር ዓቕምና

ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ አዓዊትና

ንጉባኤ ብሃንቀውታ ንጽበ ኣሎና

ክነውዕሎ ምስ ናይ ውሽጢ ህዝብና።

ምልኪ ምእላይ ካብ ኮነ ቃልስና

እንታይ እዩ ዳኣ ዝፈላሊየና

ሑቡእ ኣጀንዳ ዘለዎ እንተሊዩና

ጽባሕ ይቃላዕ ኣብ ናይ ሓርነት ጎደና።

እንተ ነሓብር ፍትሒ ምተረኸበ

ህግደፍ ቀደም ምተኣደበ

ሓረስታይ ሓሪሱ ቅጩኡ ምጸገበ

ጥምየት ምጠፍኤ ምዕባለ ምተሓንበበ።

ናይ 4.500.000 ገዲፍኩም ናትኩም ገብሩ

ባዓል ድራር ማንታይ ነገር ኣይትጻሕትሩ

ጉድለታት ምጽብጻብ ገዲፍኩም ሕበሩ።

ኣርባዕተ ምልዮንስ ጸጊምዎሎ

ተሳኒና ክንድሕና ይጽበሎ

ይጽበሎ ንህግደፍ ካብ ሱሩ ክነቕሎ

ያኣክለካ መንኻ ከለሊየካ

እንታይ ይመስል ሕብርኻ

ጉድለትካ ፍለጥ ኣቐዲምካ

ኣይትነድር ተቓውሞ ሰዕካ

ፍለጥ ንተኻፈልቲ ዋዕላ ከም ዘናኣኣስካ።

መን እዩ ንጹህ ምስ ወግሔ ነርክበሉ

ቃላትኩም ክደግም ወለቕ ዘለቕ ኣይትበሉ

ዕጭለይ ናዓይ ይጥዓመኒ ኣይትበሉ ሕሰቡሉ

ህዝቢ ይድሓን ቀድሚ ኩሉ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብ ዕዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ናዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን