ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝጀመሮ &#46
نشر من قبل omaal في 05:00 صباحا - 03 10 1431 هـ (11 09 2010 م)

ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝጀመሮ ቃልሲ

ሃገር ሓራ ኮይና ብዘይ ሓርነት ደሞክራሲ

 

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝጀመሮ ቃልሲ

ሃገር ሓራ ኮይና ብዘይ ሓርነት ደሞክራሲ

 

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 

ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝጀመሮ ቃልሲ

መስከረም ሰማእታት ክቐስኒ ርኸብሉ ፈውሲ

ኣብ መቓብር ቲጠላም ስርዓት ዓወት ክትሓፍሲ

መስከረም 49 ዓመት ሕጂ ያኣኽለና

ጻማ ቃልሲ ከስተማቕሮ ህዝብና

ሕልምና ክሰምር ክንሕጎስ ከም ዓለምና።

 

ኤረትራዊት ኣደ ተበገሲ

እጃምኪ ኣበርክቲ ኣብ ቃልሲ

ኣብ ገዛኺ ቀሲንኪ ክትድቅሲ

ንህግደፍ  ክንድርቢዮም ናብ ጋህሲ።

መስከረም ንስኒት ትዕድም ኣላ

ንህዝቢ እጃምኩም ኣበርክቱ ኢላ

መታን ክትግበር ውጺኢት ሃገራዊ ዋዕላ

ብመስዋእቲ ዝተረኸበት ሃገር ብሰላ ክነብረላ።

መስከረም ኣውጽእናባ ካብ ደልሃመት

መስከረም ካብ መግዛእቲ ናብ ባርነት

ካብ ምልኪ ኣጋላግልና ሎሚ ዓመት

ሎሚ ዓመት ንጽበ ኣሎና ሓርነት።

ተጋዳላይ ከርተት ኢሉ ሃገሩ ዝገበረ ሓራ

ድሕሪ ናጽነት ተጠሊሙ ኣብ ኣስመራ

በቲ ጠላም ጠፊኦም ጀጋኑ ደቂ ኤረትራ።

ምልኪ ጥራይ ከይከውን ሓሊፍዎ

ናይ ስልጣን ሕማም ከይንበሎ ሰጊርዎ

በብሓደ ጠፊኦም ዓገብ ዝበልዎ

ንህዝቢ ክድሕን ን.ህ.ግ.ደ.ፍ ንዕለዎ።

መስዋእቲ እንዳ ኸፈለ ንጸላኢኡ ዝኾኮቦ

ኣብ ውግእ ዘሊሉ ዛኣቱ ጅግና ባዓል ሓቦ

ካብ ሂወትካ ምውፋይ ዛዓቢ ዶሎ ትካቦ።

ህዝቢ ለይቲ ቀትሪ ይነብር ተሸቑሪሩ

ሸኽ ምስ ቀሺ ጉድጓድ ኮይኑ ሰፊሩ

መስከረም ሸፋቱ ክተኣስሩ ኢላ ሕበሩ።

ያኣክሎ ህግደፍ ብደምና ዝተጻወቶ

ያኣኽሎ ዝገዝኦ ብዘይ ሕቶ ርኢቶ

ዓዶቦይ ሓቢርና ክንምክቶ   

ካብ ሰብዓታት ኣትሒዙ ኣለዎ ዝሕተቶ

ንቦንቁሶ ኣብ ግራትና ዝቦቖለ ኢሾኽ ኳዅቶ።

ምልኪ ኣልጊስና ክንሕጎስ

ሑሙም ክሕከም ክፍወስ

ኣብ ሃገርና ግዝኣተ ሕጊ ክነግስ

ህዝቢ ብዘይ ፍርሒ ቀሲኑ ክድቅስ

ንመሰልና ብዘይ ኣፋላላይ ንገስግስ

ኣብ መቓብር ሰማእታትና ዕንበባ ክንስንስ።

ርሑስ ዒድ ኣልፈጥር ናኣመንቲ እስልምና

 ዓመት ፍትሒ ስኒት ይግበረልና

ረቢ ይካኣሎ እዩ እቲ ዝፈጠረ ናዓና

ርሑስ ባዓል ቁዱስ ዮውሃንስ ዓመት ጥዕና

ናዓመታ መስከረም ኣብታ ንፈትዋ ሃገርና

ካብ መላእ ዓለም ታኣኪብና

ኣብ ደሞክራስያዊ ኤረትራ የራኽበና

ኣሜን ኣሜን ኣሜን።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን