መጸዋዕታ ንኩሎም ኤርትራውያን ማ&#4821
نشر من قبل omaal في 07:42 مساء - 02 10 1431 هـ (10 09 2010 م)

መጸዋዕታ

ንኩሎም ኤርትራውያን ማዕክናት ዜና

 


تفاصيل الخبر

መጸዋዕታ

ንኩሎም ኤርትራውያን ማዕክናት ዜና

 

ኤርትራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስልሳሉን ኣብ ኣገደስቲ ሃገራዊ ዛዕባታት ብዕምቆት ብድሕሪ ምዝታዩን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣገደስቲ ውሳኔታትን ለበዋታትን ብምምሕልላፍ ከኣ ብዓወት ተዛዚሙ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነዚ ታሪኻዊ ዋዕላ’ዚ ንምዕዋትን ህዝብና ሓቀኛን ቅኑዕን ሓበሬታ ኣብ ምስናቕን ልሉይ ሃገራዊ ተራኦም ንዝተጻወቱ ኩሎም ኤርትራዊ ማዕከናት ዜና ኮሚሽን ልዑል ምስጋንኡ የቕርብ።

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንኩሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሓደ መስርዕ ብምጥርናፍ፡ ጸረ እቲ ንሃገርና ሓሚስዋ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምልዕዓል፡ ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ዝሰፈና ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽን ዝዓለመ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ። ሃገራዊ ኮሚሽን ነዚ ቅዱስ ዕላማታት’ዚ ንምዕዋት ኩሎም ኣብ ደሞክራስያዊ ለውጢ ረብሓታት ዘለዎም ዜጋታትና፡ ዕዙዝ ኣበርክትኦም ክገብሩ ይጽውዕ።

 

ኩሎም ኤርትራውያን ማዕክናት ዜና ከምቲ ዋዕላ ንምዕዋት ልሉይ ተራ ዝተጻወቱ፡ ብተመሳሳሊ ዕውት ሃገራዊ ጉባኤ ንምግባእ ብሃገራዊ ኮሚሽን ዝዝርጋሕ ዜናታት፡ ሓበሬታታት፡ መግለጺታት፡ መጸዋዕታታትን ምልክታታትን ብምምሕልላፍ ክትተሓጋግዙ ብትሕትና ንሓትት። እቲ ብኮሚሽን ዝዝርጋሕ ሓበሬታታት ብክንድቲ ኣድላይነቱ ብጽሑፍን ድምጽን ክንሰደልኩም ምዃና ይሕብር። ብተወሳኺ‘ውን በወገንኩም ንሃገራዊ ሓድነትን ጉባኤ ንምዕዋትን ይሕግዝ’ዩ ትብልዎም ጽሑፋት ብምዝርጋሕ፡ ንህዝቢ ኣብ ምልዕዓል ዝዓዘዘ እጃምኩም ከተበርክቱ ኮሚሽን ይላቦ።

 

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ

 

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

09 መስከረም 2010

ENCDC2011@gmail.com