መስከረም ኣበስሪ እንታይ ተላቢዩ &#481
نشر من قبل omaal في 06:06 صباحا - 24 09 1431 هـ (02 09 2010 م)

መስከረም ኣበስሪ እንታይ ተላቢዩ ዓዋተ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

መስከረም ኣበስሪ እንታይ ተላቢዩ ዓዋተ

 

awat sunshine.jpg
 

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

 

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 

መስከረም ኣበስሪ እንታይ ተላቢዩ ዓዋተ

ንናጽነት ብረታዊ ቃልሲ ዝመስረተ

ዝተሰወኤ ሰውራ ተተኺሉ ምስ በለ ታተ

ናይ ዓዋተ ዕላማ ክዕወት ኑዑ ንዛተ

ሓቢርና ንመክቶ ብናጽነትና ዝተጻወተ።

 

መንግስቱ ተተኪኡ ብዝበልናካ ግበር ዝብሉ

ኣካሉ ዝጎደለ ጅግና መሰል የብልካን ተባሂሉ

ብጅግንነቱ ኣብ ስልጣን ዝደየቡ ተጨውዩ መሰሉ

ኣብ ጎቦታት ማይ ሓባር ነፋሲት ዳግማይ ሰንኪሉ።

 

መንእሰያት ባርነት ጽሮቱ ሲኢኖም

ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ጎዳጉዲ ሰፊሮም

ብሰንኪ ምሕደራ ህግደፍ ሃገሮም ጸሊኦም

ገለ ኣብ ሳሃራ ገለ ኣብ ዊቂያኖስ ጠፊኦም።

 

ኣብ ዓዲ ዓዋተ እቲ ጠላም ነጊሱ

ህዝቢ ይጠሚ  ጮማ ይበልዕ ንሱ

ወለዲ ስውኣት ኣብ ጥራይ ካብዶም ይድቅሱ

ህግደፍ ኣብ ኣውሮጳ ኣመሪካ ይፍወሱ

ወለዲ ስዉኣት ሳኣን ዝፍውሶም ይሞቱ።

 

ጉድ ረኺቡ እቲ ሃገር ነጻ ዘውጸኤ

ተዋሪድና ብከም ድራኩላ ደም ዝጸምኤ

መስከረም ተዳሃይ ንዳግማይ ትንሳኤ

 

ዓወት ንሓፋሽ እንዳ በለ ህዝቢ ዘዔሸወ

ሰማዒ ሲኢኑ እቲ ኣካሉ ጎዲሉ ዛኣተወ

ንሱን ጃንዱኡን ብደም ንጹሃ ዝጨቀወ

ተጠሊሙ እቲ ሓሙሽተ ዝበጀወ።

 

መን እዩ ተሓተቲ እስከ ንበል ሃሰስ

ብጥፍኣት መንእሰይ መታን ከይንኽሰስ

ክነድሕኖም ካብ ምድረበዳ ዊቂያኖስ

ህዝቢ ብሰላም ክነብር ሓቢርና ንቃለስ።

 

መስከረም ሓብሪ እቲ ቁኑዕ መንገዲ

ተላዓል በልዮ ንኣብ ሰደት ዘሎ ወዲ ዓዲ

ተላዚብና ክንበትኮ ናይ ህግደፍ ቀይዲ።

 

ወለዲ ሰማእታትና መታን ክዕልላ

የእዳው ህግደፍስዊያ ዓዲ ክውዕላ

ኣብ ኣስመራ ኢና ንገብር ካላኣይ ዋዕላ።

 

ህዝቢ ኤረትራ ጠምዩ ዓሪቑ ወዲእዎ ቁሪ

ወደባት ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሰኢኑ ክብሪ

መስከረም ኣሕጽርዮ ናይ ህግደፍ ዕምሪ።

 

ብዘይ ናይ ህዝቢ ፍቃድ ባንደራ ዝቐየረ

ገጋና ናኣርም ዝበሉ መቓልስቲ ዝቐንጸለ ዝኣሰረ

ኤረትራ ህዝባ ኣየድልየናን ዝብል ጭርሖ ዘተግበረ

ኤረትራ ብዘይ ህዝቢ ከይተረፈት ነልግሶ ደቂ ኤረ።

 

ደቂ ሃገረይ ህዝቢ ንምድሓን ንባራበር

ማሓውር ጃንዳ ኢሰያስ መታን ክስበር

ሕልሚ ሰማእታትና መታን ክትግበር

ኣብ ጎኒ ኤረትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ንስመር

ናዓመታ መስከረም ኣበስመራ መታን ክነኽብር።

 

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊትለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን