ናይ ሓዘን መግለጺ ካብ ኣባላት ተሓ&#47
نشر من قبل omaal في 11:19 صباحا - 15 08 1431 هـ (26 07 2010 م)

ELF Fla.jpg

ናይ ሓዘን መግለጺ

ካብ ኣባላት ተሓኤ ጨንፈር ጀርመን


تفاصيل الخبر

 

ናይ ሓዘን መግለጺ

ካብ ኣባላት ተሓኤ ጨንፈር ጀርመን

 ELF Fla.jpg

ሓርበኛ ተስፉሁነይ መስፍን ኣምላኽ ይቀበልካ

ጽንዓት ያሃቦም ንበተሰብካ

ጽንዓት ያሃቦም ንመቓልስትኻ

ጠሊ ግደፈሎም ንደቅኻ ንብጾትካ

ቃልስኻ ክዕወት እዩ ይቅሰን መቓብርካ።

ሓርበኛ ከደ መንገዲ ንሓርነት ምስ ከፈተ

ዓመታት ተቓሊሱ ንህግደፍ ዝመከተ

ኣዋዲዱ ዋዕላ ንለውጢ ንዘተ

 ጀጋኑ ሓሊፉ ኣማዕድዩ እዳ ጠመተ

ማዓልቲ እንዳ ቆጸረ ምስ ህዝቡ ክዛተ።

ኣብዛ ዓለም ነባሪ  መን ኣሎ ካባና

መስዋእትኻ ዳኣ ሃንደበት ኮይኑና

ንሕና ውን ጽባሕ ሳዓብቲ ኢና

ንመቓልስትኻ  እዩ ጽንዓት ያሃብኩም ዘድሊየና።

ከም ኩሎም ተቓለስቲ ኣነ ውን ሓዚነ

ተቓላሳይ ጎዲሉና ፈዳይ ሕነ

ብመስዋእትኻ ብዙሕ ኣስተንቲነ

እዛ ግጥመይ ክንዲ ብዙሕ ራኣያ

ኣታ ተባዕ ተቓላሳይ ሰራሕ ቅያ

እታ ሞት ንዓኻ ድያ ሓርያ

ኣምላኽ ይቀበልካ ኣታ ባዓል ሞያ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ሰማእታትና

ካብ በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን