ሰርዓት ሻዕብያ አብ ከባቢታት ዓፋ&#465
نشر من قبل omaal في 09:17 صباحا - 24 06 1431 هـ (06 06 2010 م)
ሰርዓት ሻዕብያ አብ ከባቢታት ዓፋር ዕድመ ከይፈለየ ሰፊሕ ወፍሪ ግፋ የካይድ አሎ፡፡

ክፍሊ ዜና

ዲሞክራስዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

05ሰኔ 2010ዓ.ም


تفاصيل الخبر

ሰርዓት ሻዕብያ አብ ከባቢታት ዓፋር ዕድመ ከይፈለየ ሰፊሕ ወፍሪ ግፋ የካይድ አሎ፡፡

ክፍሊ ዜና

ዲሞክራስዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

05ሰኔ 2010ዓ.ም

 

  ስርዓት ሻዕብያ አብዘን ዝሓለፋ 2 መዓልታት ብርክት ዝበሉ ሰራዊት ናብ ከባቢታት ደንካልያ ብምልኣኽ አብ ኩሉ ቦታታት ሰፊሕ ግፋ ከካይድ ቀንዩ፡፡ እቲ ጉዱድ ዕስክርና ዝዕላምኡ ወፍሪ ልዕሊ ዕድመን ትሕቲ ዕድመ ከይፈለየ ብሃንደበት አብ መንበሪ ገዛውቶምን ናይ ስራሕ ቦቶኦምን ብምምጻእ አዝዩ ብዘሰካክሕ አገባብ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ መንእሰያትን ዓበይትን አካላዊ ጉድኣት ዘስዓበ ወፍሪ›ዚ አብ ንብረትን ጥሪትን ጀላቡን ከቢድ ዕንወትን ምጥፋእን አስዒቡ ኢዩ፡፡ እቲ ዝተኻየደ ግፋ አብ ገጠራትን ከተማታትን ኮይኑ ብሃንደበት መንእሰያትን ልዕሊ ዕድመን አብ ስራሖም ተዋፊሮም አብ ዝነበርሉ ሰዓታትን እዋንን እዩ ዝተፈጺመ፡ ንብረቶመን ጥሪቶመን ጀላቡኦምን አላይ ዘይብሉ አብ ገማግም ባሕርን ጎላጉል ቦታታት ተሰጢሑ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ ይርከብን፡ ሰድራ ቤታት ናይቶም ዝተገፉ መንእሰያት አላይን ነባይን ዘይብሎም ንሓደጋ ተቓሊዖም አለዉ፡፡ እቲ ግፋ ብአሻሓት ዝቑጸሩ መንእሰያትን ልዕሊ ዕድመ ኮየኑ ካብ ከባቢ ዒዲ ቡዙሓት ዓበይቲ መካይን  መንእሰያትን አረጋውያንን ጽዒነን  ካብቲ ቦታ ከምዝተላዕላን ከምእዉን ካብ ጢዖን ዓሰብ›ውን  ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ዝጻዓና መካይናት ብሓያል ሓለዋ ናብ መዓሰከራት ወታሃደራዊ ስልጠና ከምዝተወስዱ ካብቲ ኸባቢ ዝበጻሓኒ ዜና ሓቢሩ፡፡ ስርዓት ሻዕብያ ከም አመሉ ነዚ አዕናዊ ተግባር ዝፍጽም ዘሎ መቐጸልታ ናይቲ አብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝአወጆ ናይ ብርሰትን ዕንወተን እስትራተጂ መቐጸልታ እዩ፡፡ ጥሪትን ሰብን አብሪስካ መሬትን ባሕርን ሃብትን ህዝቢ ንምግባት ዝጥዕም ሓደ ካብ ሜላታት አገባቡ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ነዚ አዕናዊ ፖሊሲ ዝተረደኤ ህዝቢ ሰለዝኾነ ድማ መሰል ርእሰ-ውሳኔኡ ንምርግጋጽ ከቢድ መሰዋእትን ዝኸፍል መሪር ቃልሲ ዘካይድን  ዘሎ ህዝቢ ከም ምኻኑ መጠን አብ ልዕሊኡ ዝወርድ ጸቕጥን በደልን ዝያዳን ሓያላን እዩ፡፡ በዚ አጋጣሚ›ዚ ዲሞክራሰያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ እንዳሓደረ ብተግባራቱ ዝምህምን ዘሎ ሰርዓት ህግደፍ ንምእላይን ካብዚ አደራዕ ናብራ›ዚ ንምግልጋል ተዓጢቑ ክለዓል ይጽውዕ፡፡