ሓባራዊ ወተሃደራዊ ኣኼባ 8 ውድባት &#4
نشر من قبل omaal في 09:15 صباحا - 24 06 1431 هـ (06 06 2010 م)
ሓባራዊ ወተሃደራዊ ኣኼባ 8 ውድባት ኤዲኪ ተዛዚሙ፡


تفاصيل الخبر

ሓባራዊ ወተሃደራዊ ኣኼባ 8 ውድባት ኤዲኪ ተዛዚሙ፡

 

ኣቦ መንበራት 8 ወተሃደራዊ ክንፍታት ዘለወን ኣባል ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተኸታታሊ ኣኼባታት ድሕሪ ምክያድ ብ4 ግንቦት 2010 ኣብ ክሊ ሓደ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ስትራተጅን ሓባራዊ ወተሃደራዊ መሪሕነትን ወተሃደራዊ ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ክሰርሑ ናይ ሓባር ስምምዕ ምኽታሞም ይዝከር። 

ብመሰረት ኣብ ሞንጎ ላዕለዎት መራሕቲ ውድባት ዝተበጽሐ ስምምዕን ዝርዝር ከመይነት ኣፈጻጽማ ናይቲ ስምምዕን ብቀጥታ ንዝምልከቶም ወተሃደራዊ ኣካላት ኣድላዪ መምርሕታት ምንጻሩ ይዝከር። በዚ መሰረት ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ሸሞንተ ኣባል ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካብ 30 ግንቦት ክሳብ 3 ሰነ 2010 ቀዳማይ ኣኼባኦም ኣካይዶም ብዓወት ዛዚሞም።

ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ሸሞንተ ውድባት ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ብዕምቆት ገምጊሞም። ስርዓት ኣብ ምቕያር ዓቢ ግደ ዝጻወት ፕላን ሓንጺጾም። ንኩሉ ዝጠርነፈ ህዝብን ሃገርን ካብ ሓደጋ ብርሰትን ዕንወትን ንምድሓን ዝእምት ውጥን ብምሕንጻጽ ኣኼብኦም ዛዚሞም።

ሓባራዊ ወተሃደራዊ መሪሕነት

ሸሞንተ ውድባት ኤዲኪ፡

4 ሰነ 2010