اللجنة التحضيرية لملتقى الحوار تعقد اجتماعات ناجحة بسويسرا
نشر من قبل omaal في 02:20 مساء - 24 05 1431 هـ (07 05 2010 م)

اللجنة التحضيرية لملتقى الحوار تعقد اجتماعات ناجحة بسويسرا

ኣብ ስዊስ ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ተኻይዱ።

 


تفاصيل الخبر

Eritrea 2010.jpg

اللجنة التحضيرية لملتقى الحوار تعقد اجتماعات ناجحة بسويسرا

برئاسة السيد أمها دومنيكو نائب رئيس اللجنة التحضيرية لملتقى الحوار الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي ، وعضوية السيد قيئوم كفلوم واصلت اللجنة التحضيرية  في أوروبا لقاءاتها المكثفة مع الجماهير حيث عقدت اجتماعات مع المهاجرين الجدد بدولة سويسرا .

هذا وقد شملت الاجتماعات مديني جنيف وزيورخ  حيث توافد الشباب إلى مقر الاجتماع في كل من المدينتين بأعداد مقدرة ، وقد أوضحت اللجنة التحضيرية أن الملتقى هو صوت الجماهير لتجاوز الخلافات في الساحة الإرترية ، وحشد الجهود الساعية للتغيير الديمقراطي في ارتريا من أجل تسريع عملية التغيير ، وإقامة دولة ترتكز على دعائم العدالة والقانون والديمقراطية والسلام والعلاقات المتوازنة مع دول الجوار ، والمحيط الإقليمي والدولي .

بدأت الاجتماعات مع الشباب في مدينة جنيف في الفاتح من مايو في الساعة السادسة والنصف مساءا ، وقد بدأ الاجتماع بخلفية عن الملتقى وأهميته في هذه المرحلة والاستعدادات الجارية  لعقده ، ومن ثم تطرق الاجتماع للدور الكبير الذي يتوقع أن يلعبه الشباب في هذه المرحلة ، عن ضرورة مشاركتهم في الملتقى عبر المشاركات الفكرية ، والمعنوية والمادية ، وقد أبدى الشباب حماسا كبيرا لذلك وتم تكوين لجنة منهم لمتابعة الاستعدادات ومن ثم المشاركة في الملتقى .

وفي الثاني من مايو أنتقل الوفد إلى مدينة زيورخ حيث بدأ اجتماع مماثل في الثانية ظهرا ، وقد تطرق لذات القضايا ، وتم تكوين لجنة مماثلة بغرض متابعة نشاطات الملتقى وتهيئة القنوات المناسبة للمشاركة .

هذا وقد توجه المشاركين بالشكر إلى التحالف الديمقراطي الإرتري ، وكل المهتمين بالوطن ، واللجنة التحضيرية للملتقى على حرصهم الكبير لإشراك الشباب وأخذ آرائهم في هذا الخصوص ، ووعدوا بمشاركة متميزة عبر كافة مراحل التحضير ومن ثم فعاليات الملتقى .

 

ኣብ ስዊስ ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ተኻይዱ።

 

ብምኽትል ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ (ኣ.ሽ.ሃ.ዋ.) ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮን፣ ብኣቶ ጎይትኦም ኩፍሎም፣ ኣባል ኣ.ሽ.ሃ.ዋ. ክፍሊ ሰነዳትን፣ ዝመርሕዎ ህዝባዊ ኣኼባ፣ ንተቐማጦን ሓደስቲ ስደተኛታትን ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ስዊስ ተካይዱ።

ዝተሰብረ ክንጽግንን፣ ዝወደቐ ከነልዕል፣ ዝደኸመ ክንድግፍ፣ ዝተረሓሓቐ ከነቐራርብ፣ ዝተበደለ ክንድብስ፣ መሰል ዝተከነግፍጎ ፍትሒ ክረክብ፣ ተስፋን፣ ጽንዓትን ህዝብና ከነሕድስ፣ ሓንሳብን ንሓዋሩን፣ ጭቆናን፣ ጥልመትን፣ ዘይምርድዳእን፣ ካብ ሃገርና ከነውግድ፣ ምስ ፈተውቲ ሃገር ሰናይ ርክብ ከነጥርን፣ ዝተጸውዐ ዋዕላ፣ ኩሉ ወዲ ሃገር ደላይ ለውጢ፣ ብሓሳብ፣ ብጉልበት፣ ብሞራልን፣ ብንዋት ክሳተፎ፣ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ጉስጓስ ተካይድ ከም ዘላ ንኹሉ ሃገራዊ ብሩህ ኢዩ።

መቐጸልታ ናቱ፣ ኣብ ሃገር ስዊስ ከተማ ጀኔቭ፣ ቀዳም፣ ዕለት 01.05.2010  ሰዓት 18.30፣ ኣብ ከተማ ዙሪክ፣ ሰንበት፣ ዕለት 02.05.2010 ሰዓት 14.00 ብብዝሒ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ፤ ብዓወት ድማ ተዛዚሙ። ህዝቢ ሓንጎፋይ ኢሉ ተቀቢልዎን ነቒሉሉን ፣ ኣብ ክልቲኡ ከተማታት ሽማግለታት ብምምራጽ፣ ንዘይሰምዐ ከስምዕ፣ ተኻፈልትን፣ ርእይቶን፣ ድጋፍን ከናድን ንሃገራዊ ዋዕላ ዕዉት ንክኸውን እጃሙ ክገብር ቓል ኣትዩ።

ንለበዋታት ብዘርኢ፣ ኣብ’ዚ ዋዕላ ክፍለዩና ንዝደልዩ ዘለዉ ወገናትና፣ ዕርቕን ሕድገትን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክገብሩ፤ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ተራኦም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ክዓዝዝ፤ ደንበ ተቓውሞ ሓላፍነታውን፣ ስሙርን፣ ኣድማዕን፣ ደሞክራስያውን ክኸውን፣ ፖሎቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ባህሊ እንካን ሃባን ከጥርያ፤ እንተቲ ዕለት ዋዕላ ግን ክሳብ ሕጂ’ውን ብምድጓይና፣ ብዙሕ ሂወትን ንብረትን ስለ ዝኸሰርና፣ ኩነታት ሃገርናን ኣህጉራዊ ምዕባለታት’ውን ግዜ ይህበና ስለ ዘየሎን፣ ምግባእ ዋዕላ ከኣ ሓደ ካብ’ቲ  ኣንፈት ፍታሕ ከምጽእ ንኣምነሉ ብሙኻኑ፣ ኣብ መዓልቱ ንኽካየድ ተላብዩ።

ብተወሳኺ፡ ንኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን፣ ንፈተውቲ ሃገራትን፣ ንሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላን፣ ንተኻፋልነት መንእሰያትን ሞጕሱ።

ሃገራዊ ዋዕላ ክዕወት ብጸሎትን ብስራሕን ንግጠሞ፣

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን

ኤርትራዊ በርጌሳዊ ማሕበርን ካብ ስዊስ