Akhaba Ne kolom Dalaitee slam Ap Katema Seyatel
نشر من قبل omaal في 03:30 صباحا - 12 01 1437 هـ (25 10 2015 م)

ኣኼባ ናይ ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ፡ ደሞክራሲን፡

 ዝኾኑ ፡ ኤርትራውያን  ኣብ ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን።  

 


تفاصيل الخبر

ኣኼባ ናይ ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ፡ ደሞክራሲን፡ ዝኾኑ ፡ ኤርትራውያን  ኣብ ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን።  

ኣብ ከተማ ሲያትል ንርከብ ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራሲን ኤርትራውያን ኣብ’ቲ ኣብ 29 ጥቅምቲ , 2015 ዓ / ም/ ፈረንጂ ኣብ ቀጽሪ መጋባእያ ሕቡራት መንግስትታ ዓለም  ኩልና፡ ኤርትራውያን፡ ብዘይ ሓደ ፍልልይ፡ ንኽንሳተፎ ተመዲቡ ዘሎ ናይ  ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ሲያትልን፡ ከባቢኣን ንቕመጥ ኤርትራውያን’ውን ብብዝሒ ቁጽሪ ህዝቢ ንኽንሳተፎ፡ ሃገራዊን ፡ ሞራላውን ግቡእና እዩ።  

ድሕሪ ምስታፍና፡ ናብ ህዝብና ከነመሓላልፎ ዝድለ መልእኽቲ ፡ ብንጹር ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ እቲ ጸሎትን፡  ትምኒትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ሃገርና ብዝቐልጠፈ ግዜ ፡ ለውጢ  ንፍትሕን፡ ደሞክራሲን፡ ራህዋን፡ ቅሳነትን፡ ንምምጻእ  ስለ ዝኾነ፡ ብዛዕባ’ዞም ነጥብታት እዚኣቶምን ካልኦት ሃለኽቲ ሕቶታት ሃገርን’ውን ብሓባር ንምዝታይ ኣብ መደብ ስለ ዘሎ፡ ነቶም ብኣካል ዝውኩልና ዘሎዉ ውፉያት ኣሕዋትን፡ ኣሓትን፡ ናይ ገንዘብና ስንቂ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ ነፍስ-ወከፍና፡ ሓሳብን፡ ርእይቶን፡ ምኽርን ፡እውን ንኽንልግሰሎም፡ ናይ ህዝቢ ኣኼባ፡ ንዕለት 17 ጥቅምቲ 2015, ልክዕ ሰዓት 5pm ፡ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣደራሽ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን፡ ሲያትልን ፡ ከባቢኣን ተመዲቡ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ቅኑዕን፡ ፍትሓዊን ዝኾነ ህዝባዊ ኣኼባ ፡ ኩልና ብኣካል ተረኺብና፡  ስነ- ሓሳባዊን፡ንዋታውን፡ ሞራላዊን እጃምና ምስ እነወፊ፡ እቲ ዝድለ ዓወት ብዘይ ጥርጥር ከም ዝጭበጥ፡ ዘየወላውል ሓቂ እዩ።  

ስለ’ዚ ጽቡቕ ኣብነት ንምዃን ንተዓጠቕ  ሓደራ !!!   

ብተደጋጋሚ ከነተሓሳስባ አንደሊ ነጥቢ ከኣ፡ አታ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ዕለት ስለ ዝቐረበትን፡ ከምኡ ድማ ከተማ ሲያትል ካብ ኩለን ከተማታት ኣመሪካ ዳርጋ ዝረሓቐት ከም ምዃና መጠን፡ ኣዬር -ትኬት እንተደንጎየ በዛ ተጠቒሳ ዘላ ናይ ህዝባዊ ኣኼባ ዕለት፡ እንተዘይተገዚኡ፡ ኣዝዩ ክኸብር ከም ምዃኑ ብጥብቂ ከነተሓሳስብ ንፈቱ።

ብደሓን ከኣ ምጹ!

 

ኣኼባ ዝግበረሉ ኣድራሻ ድማ ከም’ዚ ዝስዕብ እዩ፡

 

Eritrean Community Center

2402 East Spruce Street

Seattle Washington 98122

 

ግዝያዊት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ናይ ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን፡ ንምዕዋት ሰላማዊ ሰልፊ ኒ-ዩ ዮርክ (NY ).