Eritrean Unity For Democratic Change statement of September celebration 015 Tigrenya
δΤΡ γδ ήΘα omaal έν 12:25 γΣΗΑ - 23 11 1436 εά (06 09 2015 γ)

 ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ

መግለጺ ባሕቲ መስከረም 2015

 


ΚέΗΥνα ΗαΞΘΡ

ERITREAN unity for Democrace Change Slogan 014.jpg

መግለጺ ባሕቲ መስከረም 2015

ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓወተ ዝተጀመረ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 2015 ንመበል 54 ዓመት’ዩ ዝበዓል ዘሎ። መሰረታዊ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ መላእ ኤርትራ ምጽራግን ሃገራዊ ነጻነት ምርግጋጽን’ዩ ነይሩ። ኪኖኡ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ብምርግጋጽ፡ ዘላቒ ሰላም፡ ቀጻልነት ዘለዎ ደሞክራስያዊ ምዕባሌ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ማዕርነትን ግስጋሰን ንምውሓስ’ዩ ዝነበረ። ብ1991 ህላወ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ካብ መላእ ኤርትራ ተጸሪጉ ሃገራዊ ነጻነት ጋህዲ ክኸውን ከሎ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን እቲ ካብ ሜዳ ኤርትራ ኣትሒዙ ብበሓትን ጸረ ደሞክራስን መንነት ወይ ባህርያት ዝለለ ውድብ ህግሓኤ ልዕልነቱ ኣረጋጊጹ፡ ብዘይ ፍቓድ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብምጭባጡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ክመሓደር ኣይተዓደለን። ብውጽኢቱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብድሕሪ ምንጋፉ፡ ብቀጥታ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ባርነታዊ መግዛእቲ ደቂ ሃገር ተቖሪኑ። ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ተጨፍሊቑ ዘላቒ ሰላም፡ ቀጻልነት ዘለዎ ደሞክራስያዊ ምዕባሌ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ማዕርነትን ግስጋሰን ተሓሪሙ ክነብር ጸኒሑን ኣሎን።

 

ኣብዚ 24 ናይ ነጻነት ዓመታት’ዚ ድማ ብሰንኪ’ቲ ኣዕናዊ ዝኾነ ፖሊሲታትን ጨካን ተግባራትን ስርዓት ህግደፍ እቲ ተቓሊሱ ዘቓለሰን ክቡር ህይወቱ ዝኸፈለን ህዝቢ ኤርትራ ሞሳ ናይቲ ኩሉ  ማእለያ ዘይብሉ መስዋእትነቱ ተሓሪሙ ኩሉ’ቲ ኣሎ ዝበሃል ግፍዕታት፡ ግህሰታትን በደላትን ክቕበል ተገዲዱ’ዩ። ብውጽኢቱ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ እቲ ግዳይ ዝኾነ መንእሰይ’ውን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ’ቲ ፍጹም ሓላፍነት ዘይስምዖ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብርቱዕ ቅሬታታትን ቅርሕንትን እናኣሕደረ ብምምጽኡ ከይፈተወ ካብ ገዛእ መረበቱን ሃገሩን ናብ ስደት ክውሕዝ ተቐሰበ። ካብ ዕለት ንዕለት ክንድ’ዚ ዝኣኽል ህዝቢ ብፍላይ’ውን ሓድሽ ትውልድን ሞቶር ለውጥን ዝኾነ መንእሰይ ብናህሪ ናብ ስደት ገጹ ከምርሕ ከሎ መራሕቲ ህግደፍ ግን በዚ ኩነታት’ዚ ቅጭጭ’ውን ኣይበሎምን። ነቲ ናብዚ ዘብጽሐ እከይ ፖሊስታትን ተግባራትን ኣብ ክንዲ ጽጹይ መጽናዕቲ ብምክያድ ግቡእ መፍትሒ ምቕራብ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ይኹን ዝሕተተሉ ሓላፍነት ከም ዘይብሉ፡ ምንጪ ናይቲ ጸገም ብኤርትራ ዝቐንኡ ጎረባብቲ ሃገራትን ሓያላት መንግስታትን ምዃኖም ከም ምክንያት ምቕራብ፡ ከም መዝሙር ዝደጋገም ኮይኑ ቀጸለ። እዚ ግን ዋላ’ኳ ሽሕ ግዜ እንተተደጋገመ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ውድቀት ዘድሕኖ ብቁዕ ምክንያት ኮይኑ ኣይተረኸበን።

ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቁጥዐታትን ጽልእታትን ህዝብና ኣብ ልዕሊ’ቲ ስርዓት እናበርትዐ ብምምጽኡ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 2015 ምስ ጸብጻብ ኣጻራዪ ኮሚቴ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ተደሚሩ፡ እቲ ነዊሕ ዝተዓገሰ መንእሰይ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ብርቱዕ ስቕታ ሰቢሩ፡ ኣብ ጄነቫ፡ እስራኤል፡ ኢትዮጵያን ኣሜርካን ንህግደፍ ዘርዓደን ህዝቢ ምስ ህግደፍ ከምዘየለ ብግብሪ ዘረጋገጸን ማዕበላዊ ሰላማዊ ሰልፍታት ክንርኢ በቒዕና። እዚ ኣብ ታሪኽ እቲ ዘይሕለል ደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ኣዎንታዊ ተበግሶ’ዩ ክበሃል’ውን ይከኣል። ከምዚ ዓይነት ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብዘይምቁራጽ ምክያድ ንስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ማ/ሰብ ዓለም ብዝበለጸ ንምቕላዕን ውድቀቱ ንምቕልጣፍን ኣገዳሲ ተራ ዝጻወት ፍጻሜታት ብምዃኑ ብዝጸፈፈ መልክዕ ተወዲቡ ክቕጽል ይግባእ። ብርግጽ እዚ ዕማም’ዚ ንመላእ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን ዝምልከት ይኹን ደኣንበር፡ ብቀንዱ እቲ ሞቶር ለውጢ ዝኾነ መንእሰይ ዝለዓለ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ፍጹም ክዝንጋዕ ኣይግባእን። እዚ ኣብ ቦትኡ ከሎ ግን መንእሰይ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ከስተውዕለሉን ብትኩረት ክጥምቶምን ዝግባእ ኣገዳሲ ነጥብታት ምህላዉ ክንሕብር ግድን ይኸውን።

ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመት ዝኣኽል ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ተጋድሎ ዘካየደን ረዚን መስዋእትነት ዝኸፈለን ህዝቢ ክንሱ፡ ስለምንታይ ኩሉ ትጽቢታቱን ባህግታቱን ከረጋግጽ ዘይኸኣለ? ወይ’ውን ንምንታይ ናብዚ ሕጂ ወዲቕዎ ዘሎ ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት ወዲቑ? ንዝብል ሕቶታት እቲ ምክንያታት ብዙሕ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ግን ኣብ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ቅኑዕን ድልዱልን መሪሕ ደሞክራስያዊ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ብዘይምርካቡ’ዩ። ሕጂ’ውን ብተመሳሳሊ ህዝብና ኣብ ዳግማይ ሓደገኛ ኩነታትን ጸገማትን ከይወድቕ ካብቲ ዝሓለፈ ተመክሮ ክንምሃር ይግባእ። ዘይተወደበ ሓይሊ ለውጢ ከምጽእ ስለ ዘይኽእል፡ እንተኣምጸኤ እውን ዝኾነ ክጸናቶ ዝጸንሐ ናይ በለጽ ሓይሊ ክምንጥሎ ስለ ዝኽእል፡  ካብ ሕጂ ካብ ጽበትን ትምክሕትን ዝተላቐቐ ቅኑዕን ድልድልን መሪሕ ደሞክራስያዊ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ምህናጽ የድሊ። ነዚ ዘይበቅዕ ዝኾነ ሓድሽ ውደባ ግን ንዘለና ጸገማት ዝፈትሕ ዘይኮነስ ንዘለና ብዝዝሒ ውድባት መቋጽርቲ ጥራሕ’ዩ ዝኸውን።  

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ቅኑዕ ጭርሖታትን ህዝባዊ ቃልስታትን ከም ዝጭወ ብዙሕ ተመክሮታት ዓለምን ከባቢናን ይምህረና’ዩ። ብዓቢኡ’ውን ርሑቕ ከይኸድና ምስ ታሪኽናን ምስ ገዛእ ጉዳይናን ዝተኣሳስር ተመክሮታት ከም ኣብነት ምጥቓስ’ውን ይኸኣል’ዩ። ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክጭብጥ ዝኸኣለ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ወድዓዊ ኩነታት ብምምዝማዝ’ዩ ነይሩ። ኣብ ህላወ ስርዓት ሃ/ስላሴ ሕቶ ብሄር፡ ሕቶ መሬት፡ ጉዳይ ኤርትራን ኣፈታትሕኡን ዝምልከት ተባራዒ ሕቶ እናኾነ ምስ ምምጽኡ ተዛሚዱ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ሰላማዊ ሰልፍታት እናተጎሃሃረ ምስ መጸ፡ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ኣካል ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ጭርሖታትን ህዝባዊ ቃልስታትን ተመሲሉ’ዩ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝደየበ። ኣብቲ እዋን’ቲ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ምቹእ ኩነታት መዝሚዙ ንቃልሲ ንቅድሚት ዘሰጉም ኣንፈት ዝኽተል፡ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህግሓኤን ንሜዳ ኤርትራ  ናይ መን በሓተ ኲናት ሕድሕድ ክጽመዱ እዮም ተራእዮም። 

ሕጂ’ውን እንተኾነ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ሓደ እግሩ ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ ዓረበ ዓረበ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ ብኣንጻሩ ግን ደንበ ተቓውሞ ነዚ ምቹእ ኩነታት መዝሚዙ ኣብ ክንዲ ንረብሓታት እቲ ውጹዕ ህዝቢ ዘውዕሎ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣብ ሕድሕዱ ክበላላዕ ንርእዮ ኣለና። ሎሚ ከምቲ ዝሓለፈ ነዊሕ እዋናት ንጽባሕ ንግሆ ዓዲ ዘየጋብር ኣግላልን በሓትን ኣረኣእያታት ንደንበ ተቓውሞ ዓብሊሎሞ መዓለሽ እናበልና ንህዝብና ከነዕሹ ፍቓደኛታት ክንኸውን ኣይንኽእልን ኢና። ክሳብ ሕጂ ብዙሕ’ኳ እንተዘይበልና ድሕሪ ሕጂ ግን ህዝቢ ኩሉ ፈሊጡ ነቲ ዝሓይሽ ክድግፍ፡ ነቲ ጉጉይ ክነጽግ መታን ክኽእል ንህዝብና ካብ ምሕባር ክንሓምቕ ኣይኮናን። ኤስደለ ሕጂውን እንተኾነ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝጀመሮ ጭርሖታት  ምሉእ ዓወት ሒዙ ዕድመ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከሕጽር እናተቓለሰ ንኩሉ ኣንፈታት ተንበርኻኽነት እናኣቃለዐ ክቕጽል ምዃኑ ነረጋግጽ።  

 

ዓወትን ድምቀትን ንባሕቲ መስከረምን ዕላማታቱን

ስዕረትን ውድቀትን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍን ዓንገልቱን

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታት

ፈጻሚ ሽማግለ ኤስደለ

31 ነሓሰ 2015