ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ
መግለጺ ባሕቲ መስከረም 2015
መግለጺ ባሕቲ መስከረም 2015
ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓወተ ዝተጀመረ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 2015 ንመበል 54 ዓመትዩ ዝበዓል ዘሎ። መሰረታዊ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ መላእ ኤርትራ ምጽራግን ሃገራዊ ነጻነት ምርግጋጽንዩ ነይሩ። ኪኖኡውን ንህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ብምርግጋጽ፡ ዘላቒ ሰላም፡ ቀጻልነት ዘለዎ ደሞክራስያዊ ምዕባሌ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ማዕርነትን ግስጋሰን ንምውሓስዩ ዝነበረ። ብ1991 ህላወ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ካብ መላእ ኤርትራ ተጸሪጉ ሃገራዊ ነጻነት ጋህዲ ክኸውን ከሎ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን እቲ ካብ ሜዳ ኤርትራ ኣትሒዙ ብበሓትን ጸረ ደሞክራስን መንነት ወይ ባህርያት ዝለለ ውድብ ህግሓኤ ልዕልነቱ ኣረጋጊጹ፡ ብዘይ ፍቓድ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብምጭባጡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ክመሓደር ኣይተዓደለን። ብውጽኢቱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብድሕሪ ምንጋፉ፡ ብቀጥታ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ባርነታዊ መግዛእቲ ደቂ ሃገር ተቖሪኑ። ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ተጨፍሊቑ ዘላቒ ሰላም፡ ቀጻልነት ዘለዎ ደሞክራስያዊ ምዕባሌ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ማዕርነትን ግስጋሰን ተሓሪሙ ክነብር ጸኒሑን ኣሎን።
ኣብዚ 24 ናይ ነጻነት ዓመታትዚ ድማ ብሰንኪቲ ኣዕናዊ ዝኾነ ፖሊሲታትን ጨካን ተግባራትን ስርዓት ህግደፍ እቲ ተቓሊሱ ዘቓለሰን ክቡር ህይወቱ ዝኸፈለን ህዝቢ ኤርትራ ሞሳ ናይቲ ኩሉ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእትነቱ ተሓሪሙ ኩሉቲ ኣሎ ዝበሃል ግፍዕታት፡ ግህሰታትን በደላትን ክቕበል ተገዲዱዩ። ብውጽኢቱውን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ እቲ ግዳይ ዝኾነ መንእሰይውን ብፍላይ ኣብ ልዕሊቲ ፍጹም ሓላፍነት ዘይስምዖ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብርቱዕ ቅሬታታትን ቅርሕንትን እናኣሕደረ ብምምጽኡ ከይፈተወ ካብ ገዛእ መረበቱን ሃገሩን ናብ ስደት ክውሕዝ ተቐሰበ። ካብ ዕለት ንዕለት ክንድዚ ዝኣኽል ህዝቢ ብፍላይውን ሓድሽ ትውልድን ሞቶር ለውጥን ዝኾነ መንእሰይ ብናህሪ ናብ ስደት ገጹ ከምርሕ ከሎ መራሕቲ ህግደፍ ግን በዚ ኩነታትዚ ቅጭጭውን ኣይበሎምን። ነቲ ናብዚ ዘብጽሐ እከይ ፖሊስታትን ተግባራትን ኣብ ክንዲ ጽጹይ መጽናዕቲ ብምክያድ ግቡእ መፍትሒ ምቕራብ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ይኹን ዝሕተተሉ ሓላፍነት ከም ዘይብሉ፡ ምንጪ ናይቲ ጸገም ብኤርትራ ዝቐንኡ ጎረባብቲ ሃገራትን ሓያላት መንግስታትን ምዃኖም ከም ምክንያት ምቕራብ፡ ከም መዝሙር ዝደጋገም ኮይኑ ቀጸለ። እዚ ግን ዋላኳ ሽሕ ግዜ እንተተደጋገመ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ውድቀት ዘድሕኖ ብቁዕ ምክንያት ኮይኑ ኣይተረኸበን።
ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቁጥዐታትን ጽልእታትን ህዝብና ኣብ ልዕሊቲ ስርዓት እናበርትዐ ብምምጽኡ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 2015 ምስ ጸብጻብ ኣጻራዪ ኮሚቴ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ተደሚሩ፡ እቲ ነዊሕ ዝተዓገሰ መንእሰይ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ብርቱዕ ስቕታ ሰቢሩ፡ ኣብ ጄነቫ፡ እስራኤል፡ ኢትዮጵያን ኣሜርካን ንህግደፍ ዘርዓደን ህዝቢ ምስ ህግደፍ ከምዘየለ ብግብሪ ዘረጋገጸን ማዕበላዊ ሰላማዊ ሰልፍታት ክንርኢ በቒዕና። እዚ ኣብ ታሪኽ እቲ ዘይሕለል ደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ኣዎንታዊ ተበግሶዩ ክበሃልውን ይከኣል። ከምዚ ዓይነት ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብዘይምቁራጽ ምክያድ ንስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ማ/ሰብ ዓለም ብዝበለጸ ንምቕላዕን ውድቀቱ ንምቕልጣፍን ኣገዳሲ ተራ ዝጻወት ፍጻሜታት ብምዃኑ ብዝጸፈፈ መልክዕ ተወዲቡ ክቕጽል ይግባእ። ብርግጽ እዚ ዕማምዚ ንመላእ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን ዝምልከት ይኹን ደኣንበር፡ ብቀንዱ እቲ ሞቶር ለውጢ ዝኾነ መንእሰይ ዝለዓለ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ፍጹም ክዝንጋዕ ኣይግባእን። እዚ ኣብ ቦትኡ ከሎ ግን መንእሰይ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ከስተውዕለሉን ብትኩረት ክጥምቶምን ዝግባእ ኣገዳሲ ነጥብታት ምህላዉ ክንሕብር ግድን ይኸውን።
ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመት ዝኣኽል ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ተጋድሎ ዘካየደን ረዚን መስዋእትነት ዝኸፈለን ህዝቢ ክንሱ፡ ስለምንታይ ኩሉ ትጽቢታቱን ባህግታቱን ከረጋግጽ ዘይኸኣለ? ወይውን ንምንታይ ናብዚ ሕጂ ወዲቕዎ ዘሎ ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት ወዲቑ? ንዝብል ሕቶታት እቲ ምክንያታት ብዙሕኳ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ግን ኣብ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ቅኑዕን ድልዱልን መሪሕ ደሞክራስያዊ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ብዘይምርካቡዩ። ሕጂውን ብተመሳሳሊ ህዝብና ኣብ ዳግማይ ሓደገኛ ኩነታትን ጸገማትን ከይወድቕ ካብቲ ዝሓለፈ ተመክሮ ክንምሃር ይግባእ። ዘይተወደበ ሓይሊ ለውጢ ከምጽእ ስለ ዘይኽእል፡ እንተኣምጸኤ እውን ዝኾነ ክጸናቶ ዝጸንሐ ናይ በለጽ ሓይሊ ክምንጥሎ ስለ ዝኽእል፡ ካብ ሕጂ ካብ ጽበትን ትምክሕትን ዝተላቐቐ ቅኑዕን ድልድልን መሪሕ ደሞክራስያዊ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ምህናጽ የድሊ። ነዚ ዘይበቅዕ ዝኾነ ሓድሽ ውደባ ግን ንዘለና ጸገማት ዝፈትሕ ዘይኮነስ ንዘለና ብዝዝሒ ውድባት መቋጽርቲ ጥራሕዩ ዝኸውን።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ቅኑዕ ጭርሖታትን ህዝባዊ ቃልስታትን ከም ዝጭወ ብዙሕ ተመክሮታት ዓለምን ከባቢናን ይምህረናዩ። ብዓቢኡውን ርሑቕ ከይኸድና ምስ ታሪኽናን ምስ ገዛእ ጉዳይናን ዝተኣሳስር ተመክሮታት ከም ኣብነት ምጥቓስውን ይኸኣልዩ። ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክጭብጥ ዝኸኣለ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ወድዓዊ ኩነታት ብምምዝማዝዩ ነይሩ። ኣብ ህላወ ስርዓት ሃ/ስላሴ ሕቶ ብሄር፡ ሕቶ መሬት፡ ጉዳይ ኤርትራን ኣፈታትሕኡን ዝምልከት ተባራዒ ሕቶ እናኾነ ምስ ምምጽኡ ተዛሚዱ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ሰላማዊ ሰልፍታት እናተጎሃሃረ ምስ መጸ፡ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ኣካል ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ጭርሖታትን ህዝባዊ ቃልስታትን ተመሲሉዩ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝደየበ። ኣብቲ እዋንቲ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ምቹእ ኩነታት መዝሚዙ ንቃልሲ ንቅድሚት ዘሰጉም ኣንፈት ዝኽተል፡ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህግሓኤን ንሜዳ ኤርትራ ናይ መን በሓተ ኲናት ሕድሕድ ክጽመዱ እዮም ተራእዮም።
ሕጂውን እንተኾነ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ሓደ እግሩ ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ ዓረበ ዓረበ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ ብኣንጻሩ ግን ደንበ ተቓውሞ ነዚ ምቹእ ኩነታት መዝሚዙ ኣብ ክንዲ ንረብሓታት እቲ ውጹዕ ህዝቢ ዘውዕሎ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣብ ሕድሕዱ ክበላላዕ ንርእዮ ኣለና። ሎሚ ከምቲ ዝሓለፈ ነዊሕ እዋናት ንጽባሕ ንግሆ ዓዲ ዘየጋብር ኣግላልን በሓትን ኣረኣእያታት ንደንበ ተቓውሞ ዓብሊሎሞ መዓለሽ እናበልና ንህዝብና ከነዕሹ ፍቓደኛታት ክንኸውን ኣይንኽእልን ኢና። ክሳብ ሕጂ ብዙሕኳ እንተዘይበልና ድሕሪ ሕጂ ግን ህዝቢ ኩሉ ፈሊጡ ነቲ ዝሓይሽ ክድግፍ፡ ነቲ ጉጉይ ክነጽግ መታን ክኽእል ንህዝብና ካብ ምሕባር ክንሓምቕ ኣይኮናን። ኤስደለ ሕጂውን እንተኾነ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝጀመሮ ጭርሖታት ምሉእ ዓወት ሒዙ ዕድመ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከሕጽር እናተቓለሰ ንኩሉ ኣንፈታት ተንበርኻኽነት እናኣቃለዐ ክቕጽል ምዃኑ ነረጋግጽ።
ዓወትን ድምቀትን ንባሕቲ መስከረምን ዕላማታቱን
ስዕረትን ውድቀትን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍን ዓንገልቱን
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታት
ፈጻሚ ሽማግለ ኤስደለ
31 ነሓሰ 2015