ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ 2ይ ክፋ&#4
نشر من قبل omaal في 11:20 صباحا - 06 12 1435 هـ (30 09 2014 م)

 ሕጂ ውን ንህግደፍን መሰልቶምን

 ካብ ምብዳህ ዓዲ ኣይውዕልን

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

2ይ ክፋል

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

 ሕጂ ውን ንህግደፍን መሰልቶምን

 ካብ ምብዳህ ዓዲ ኣይውዕልን

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

2ይ ክፋል

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ህግደፍ ቱ ኣባይና ኣበ

ህለና ኤርትረያ ኢትዘበ

እንታ ገመል

እሊ ብጥረካ መስል ዓርኮኮባይ

ኤረትራያ ኢንሃይባ ግል ኣባይ//

ንህግደፍን መሰልቶምን ገና

ካብ ምብዳህ ኣይነዕርፍን ኢና

ተዃሉ ተዘሪኦም ኣብ ማእከልና

ከይዕወት ቃልስና መንሽሮ ዝኾኑና//

ኤረትራዊያን ተጠንቀቑ

ትም ኢልኩም ኣይትስሐቑ

ኣለዉ ህላወና ከሕቅቑ

ሽምና ክድምስሱ ዝተላእኩ//

ዝጎዪ ኣይኮነን ተሳኢኑ

ሽግርና ኣጎዛ ዝተኸድኑ

ሎቖታ ህግደፍ ዝኾኑ//

ውሽጥኹም ኣጽፍፉ

ተወሰኽቲ ከይሰልኩ

ብኣለዋሃ ምላሽ ዝተላእኩ

ለመም እንዳበሉ ከይልሕኹ//

ዙር ከም ዑቡድ

ወይ ክብ ወይ ግብ

ድራር ወይ ዱላ ትረክብ

ወይ ጠቓሚ ሐሳብ ትረክብ//

ኮምፒሽታቶ ሎሚ ውን ከፊኡኒ

ካብ መግዛእቲ ሞሶሊኒ

መግዛእቲ ህግደፍ ገዲዱኒ//

ዘቲና ኣብ እግሪ ዳዕሮ

ሐይልና ንቋጻጸሮ

ዕምሪ ጽላእትና ክነሕጽሮ//

ንፍትሒ ዝቃለሱ ንኹሎም

ምስዚ ኩሉ ዕንቅፋት ዘጋጥሞም

ንናይ ውሽጦም ህግደፍ በዲሆም

ኣብ ቦሎኛ ኣብ ስቶኮሎም

ኣብ ካናዳ ኣመሪካ ተዓዊቶም//

ክዛረብ እየ መን ክኽልክለኒ

ክነግሮም ነቶም ዝካታተሉኒ

ኤረትራ ንኤረትራዊያን እወ

ጃንዳ ህግደፍ ምስ ዓነወ

ክብርና ክምለስ ዝተባለሸወ//

ንድሕነት ህዝቢ ንሐደ ዕላማ

የድሊ ዶ በበይንኻ ድራማ

ሐይልና ተማቓቂሉ

ከየድምዕ በበይኑ ኮፍ ኢሉ//

ድሕሪ ኣቦ ሰውራ ምስዉኡ

ንሐድነት ደቀባት ዝጻቡኡ

ብስዉር ዝተጸንበሩ ብድሕሪኡ//

ንሕና ቁንጣሮ ንሶም ሺሾ

ኣብ ማእከል ጀጋኑ ማርሾ

ሕድ ሕድ ንባላዕ ታሪኽና ክባላሾ//

ኣለዋሃ ምላሽ ሐንኮልቲ ኣራቢሐ

ኣብ ሞንጎና ፋሕ ኣቢላ ዘርጊሐ

ብግብሪ ከም ስለማል ኣድሐ

ኣለና ሰብ ኒሕ ጽባሕ ንፍንፍሐ//

ንሕና ዓው ኢልና ንዛረብ

ኣብ ማእከልና ኮሎ ኣባይ

ናይ ጭፍራ ህግደፍ ሰላይ

ተልኡኹኡ ንምፍልላይ

ላህጃና ዝዛረብ ኣስመራ ዕባይ//

ተዛረብ መልሓስካ ኣዛርቦ

ፋሕ ዝበለ ሓሳብካ ኣክቦ

ተማራመር ገደፍ ጎቦ ጎቦ//

ኤረትራዊ የእዳውካ ፍትሐዮ

እቲ ሕድሪ ዝተቐበልካዮ

ኣብቲ ዝብጻሕ ኣብጽሐዮ//

ኢደይ ኢድካ ንበል ንለውጢ

ኣብራኹ ክስበር መዕለበጢ

ሐደ ንኹን ብደገ ብውሽጢ//

መን እዮም ንሕናን ዕላማናን

ኣለዋሃ ምላሽ ትርጉሙ ኣይበርሃልናን

ኤረትራዊያን ገና ኣይለበምናን//

ሐያላት እዮም ጸላእትና

ጥርናፈኦም ይሕይል ካብ ጥርናፈና

ከይመርመርና ዘዝመጹና ምቕባልና 

ከም ሽንቲ ገመል ድሕሪት ተሪፍና//

እንታይ እዩ ምስጢሩ ደቂ ኤረ

ስልጣን ወደባት ክሕዞ ዘይተገበረ

ከም ብዕራይ መብረ

ዝገዝኡና በብእብረ//

ስለ ምንታይ ከ ብዝርያ

ሐይሊ ደቂ ኤረትራያ

ፋሕ ከብላ ዝተጓየያ//

ኣለዉ ንህላወ ደቀባት ዝጻቡኡ

ንኤረትራዊ ንያት ዘዕርቡ

ምስጢር ንጸላኢ ዝህቡ

ብኣለዋሃ ምላሽ ዝተወደቡ

ንበሎም ኢድኩም ኣክቡ//

ንኤረትራ ስለ ዘይሐዝዎ ሰባ

በዚሕዋ ጸበባ

ትገርር ኣላ ከም ጸባ

ብሰተይቲ ደም ደም ተሐሊባ//

ክፍታሕ እዩ ቲ ሕልሚ

ንሐዋሩ ክድምሰስ ጠላሚ

ንሱዩ ናይ ስዉኣትና ገዝሚ//

ኣለና ሰብ ዕላማ

ናይ ሐርነት ግርማ

ንሃገርና ክንሽልማ

ንብል ሻማ ሻማ

ንዓዲ ጀጋኑ የለን ዝጠልማ//

ንህዝቢ ኤረትራ ደም ከንብዑ

ዝተዘርግሑ ኣድራጋ ዝብልዑ

ኣለዉ ዝተበከለ ንፋስ ከእትዉ

ምስ ቀዳሞት ዳሕረዎት ኣለዉ

ዕላማ ኣለዋሃ ምላሽ ከዕውቱ

ኣለዉ ተማራሚርኩም መክቱ//

ውሽጥና ቀልጢፍና ነጽፍፎ

ንህግደፍ ምስ ደምሒት ክንጉሕፎ

ፍትሐዊ ቅድሚ ምውርዛይካ ተማራመር

ንዕጥቅና ዘዘንብሉ ክንምክቶም ብተግባር//

ኣለዉ ንውዳበና ከዕንዉ

ኣዕናዊ ቃላት ዝስንድዉ

ኣብ ጓሐፍ ክሳብ ዝስንደዉ//

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ሎሚ ዓመት ናይ ግድንዩ ዓወትና

ሸዊት ለምለም ክኸውን ዓድና

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍ ዝብሉ ይንበረልና